መግለፂ ኮሚቴ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ እንታይ ይብል?

ኣባላት እቲ ኮሚተ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/Facebook

ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ 8 ለካቲት 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ክልል ግዝያዊ መንግስቲ ዕላዊ ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ።

እቲ ኮሚተ፡ ኣብ ዙርያ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ፅቡቕ ምርድዳእ ከም ዝተበጽሐ ንተሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዝጣየሽ መንግስቲ፡ ተልእኾኡ እንታይ እዩ? ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሰልፊታትን ብኸመይ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉን ካልኦት ነጥብታትን ብዝምልከት ኣብዚ ሰሙን ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ወጻኢን ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ናይ ምኽኽር መደብ ክግበር ከም ዝኾነ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያምን ዝርከብዎ 9 ኣባላት ዝሓዘ ኮይኑ 3 ካብ ኣባላት ሰራዊት፡ 3 ካብ ኣባላት ህወሓትን ከምኡ’ውን 3 ካብ ምሁራት ሲቪል ማሕበረሰብ የጠቓልል።

እቶም ኣባላት ኮሚቴ፡ እቲ ዕላዊ ዝኸውን ግዝያዊ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ከም ዝረብሕ ገይሮም ክሰርሑ ዝግብኦም ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ገሊጹ።

ንጠለብ ለውጢ ህዝቢ ትግራይ ምላሽ ዝህብ ግዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ኣይተ ሙሉወርቅ፡ “ኣብ ታሪኽና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ … ግን ወዲቕካ ኣይትተርፍን። ወዲቕካ ተመሊስካ ክትለዓል ኣለካ” ኢሉ።

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን'ውን፡ ህወሓት ንካልኦት ሓይልታት ዘሳትፍ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ከቕውም ተሰማሚዑ ምንባሩ ይፍለጥ። መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ'ውን ናይቲ ክልል ባጀት ንምሃብ ምቛም ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ከምቅድመኩነት ከምዘቕረቦ መራሕቲ ህወሓት ተዛሪቦም ነይሮም።

እቲ ኮሚተ፡ ንኹሉ ብዘሳትፍ፡ ግልፂን ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ግዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ይሰርሕ ከም ዘሎ’ውን ሓቢሩ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ “100 ሚእታዊት ዘይክኽውን ይኽእል እዩ ግን መብዛሕትኡ ትግራዋይ ዝድግፎ ክኽውን ክንጽዕር ኢና” ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ መንግስቲ “ብካልእ መገዲ ዝጽሎ” ከም ዘይኸውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ደማዊ ኵናት ንምቁራፅ: ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ: ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን: ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ሕገ-መንግስትን ንምኽባርን ዝዓለመ ታሪኻዊ ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር።

እቲ ኣብ ፕሮቶርያን ኣብ ናይሮቢን ዝተፈጸመ ውዕል፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ዕጥቂ እንተረክቡ፡ ካብ ሰራዊት ፌዴራል ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ'ቲ ክልል ክወጽኡ ከም ዘለዎም ይእዝዝ።

እንተኾነ ጉጅለታት ሰብኣዊ ረድኤትን ነበርትን ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ - ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ - ቀጺሉ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እቲ ክልል ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ’ሎ።

“ሕጂ’ውን ጸገም ዝፈጥሩ ሓይልታት ኣለዉ” ክብል ጀነራል ታደሰ እቲ ጸገም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ፡ እንተኾነ ግን ክልቲኦም ሓይልታት መሊኦም ካብ ትግራይ ዝወጹሉ ኩነታት የመቻችዉ ከም ዘለዉ'ውን ጠቒሱ።

“መላእ ትግራይ ገና ነጻ ኣየወጸን ዘሎ” ዝበለ እቲ ጀነራል፡ እንተኾነ ግን እቲ ስምምዕ ሰላም ዝዕንቀፈሉ መገዲ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።

“ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዝምለሰሉ ኩነታት የለን።”

ኣብ ኲናት ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተሰለፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍፃም ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ነቲ ምፍራም ውዕል ሰላም ስዒቡ፡ ካብ ትግራይ ንኽወፅእ ብማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክግበረሉ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ምዝታዮም ይዝከር።

መራሒ ጉጅለ ተዛተይቲ ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ዘተ ከም ዝተልዓለ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣይተ ጌታቸው፡ “ብውሑድ ከም ኣሃዱታት ካብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ትግራይ ወፂኦም እዮም። ሕዚ’ውን ዘይወጽኡሎም ከባብታት ግን ኣለዉ” ምባሉ ይዝከር።

“ብዝተወደበ መንገዲ ዝንቀሳቐሰሎም ከባብታት ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ዘተ’ውን ኣቕሪብና ኢና። ንኽወፅኡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ቀሪቡሎም እዩ። ኣብ ዝወፅኡሉ ድማ ‘ብሰላም ንኽወፅኡ ምድላው ጌርና ኢና ኣፋኒናዮም’ ዝብል እዩ ተነጊሩና” ክብል ኣብቲ እዋን ተዛሪቡ ነይሩዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ምዃኑ'ዩ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ኢሮብ ምሉእ ብምሉእ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኽኣትው ኣብቲ ዘተ ከም ዝተረዳድኡሉ’ውን ኣብቲ መግለፂ ኣፍሊጡ ነይሩ።

“ብሓፈሻ ግን ኣብቲ ዝገበርናዮ ዘተ ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ብዝተሓሓዝ ዝተወገነ ዘተባብዕ ስራሕ ከምዘሎ ኢና ርኢና። ብተመሳሳሊ ሓይሊታት ኣምሓራ እውን ካብ ብዙሕ ከባብታት ክወፅኡ ዝተገበረሉ ኩነታት ኣሎ። ግን ድማ ኣብ ከባቢ ፀለምቲ፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ውሱናት ከባብታት ደቡብ ትግራይ መሊኡ ዘይተሰርሐ ስራሕ ከምዘሎ ንረዳዳእ ኢና” ኢሉ።

ኣይተ ጌታቸው ከምዝበሎ፡ እቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዘካየድዎ ዘተ “ብፅቡቕ ምርድዳእ” ዝተወደእ ኮይኑ፤ ንዝተወሃቡ ኣንፈታት ብምፍፃም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን መሊሶም ክራኸቡ እዮም።