'እቲ ስምምዕ ሰላም ንህወሓት ንምድሓን ብድፍኢት ኣሜሪካ ዝተገበረ እዩ'-ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV
ስምምዕ ሰላም ትግራይ ንህወሓት ንምድሓን ብድፍኢት ኣሜሪካ ዝተገበረ እዩ ክብል ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰንበት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ዓለማዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ቃለመሕትት ምስ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣካዪዱ ነይሩ።
ኣብቲ ንሳምንታት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐን ብቐጥታ ካብ ባጽዕ ዝተፈነወን ቃለመሕትት፡ ንተሳትፎ ሰራዊቱ ኣብ ኲናት ትግራይ "ጸረመጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2022፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ቀዋሚ ሰምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ብኣመሪካ ዝተወጠነ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ እየ ዝብሎ" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ስምምዕ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋሮም ክፈትሑን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ዘጠቓልል'ዩ ነይሩ።
ብድፍኢት ዋሽንግተን ንህወሓት ንምድሓን ዝተኻየደ ምንባሩ ዝተዛረበ እቲ ፕረዚደንት፡ "ንሕና በወገንና ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር ኣይነበረን። ስምምዕ ተፈሪሙ? ጽቡቕ፡ በቲ ተፈሪሙ ዘሎ እቲ ስምምዕ ይተግበር። ከይተተግበረ እዝን እትን ኢልና ክንዛረብ'ውን ኣይንኽእልን ኢልና፡ ይተግበር ኣብ ትግባረ ንሪኦ" ኢሉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዘሎ ዝምድና ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምውራዱ ይግለጽ። ኣመሪካ፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ቁጠባን እገዳታት ምንባራ ይፍለጥ።
ምስ ምምሕዳር ዶናል ትራምፕ ተፈቲኑ ዝነበረ "ጽምዶ" ብሰንኪ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ከምዝፈሸለ'ውን ኣቶ ኢሳይያስ ኣሚቱ።
ኣመሪካ ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ብመንገዲ ናይቲ ካብቲ መስርሕ ዘተ ዘይተፈለየ ፍሉይ ልኡኻ ኣቢላ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተት ይንገር።
እቲ ኣብ ባዕላውን ግዱድን ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ዝርከብ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መብርሂ፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብሓባር ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።
"ንረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያን እቲ ዞባ ብሓፈሻን ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ፡ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ወይ ናይሮቢ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ባይታ ክትግበር ንደሊ ኢና" ክብል ኣብ ናይሮቢ ምግላጹ ይዝከር።
ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ቃለመሕትቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ ይፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝምልከት ኣብ ኬንያ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ጉዳይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ምዃኑ'ዩ ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ኲናት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወለዓሉ እዋናት፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተዉ'ኳ ይገልጹ እንተነበሩ፡ ጸኒሖም ክእመኑ ተገዲዶም'ዮም።
"ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ምስቲ ፈደራል ሰራዊት ከም ሓደ ኣካል ኮንና ስለዝሰራሕና ዓቢ ተመክሮ ቀሲምናሉ፡ ዓቢ ትምህርቲ ቀሲምናሉ" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለመሕትት ብንጹር ኣቐሚጥዎ። በዚ ድማ ኣብቲ ዞባ "ሰላም ንምህናጽ ጽቡቕ ተመክሮታት ተለቓቒሕና ኣለና" ኢሉ።
"እዚኣ ግን ዓባይ ሕማም ርእሲ'ያ [ንኣመሪካ]፡ መርዘን'ያ እዚኣ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክመጽእ" ኣብ ትጽቢቶም ኣይነበረን ክብል'ዩ ኣቶ ኢሳይያስ ዝምጉት።

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV
ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዝምታን ከቢድ ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከብዎ ግፍዕታት ፈጺሞም ዝብሉ ክስታት "ዝተሰንዐ ሓሶት'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምንጻጉ ይዝከር።
ህወሓት "ብኣማኢት ኣሽሓት" ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ከምዝኸሰሩ ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ መራሕቲ ሕወሓት ካብዚ ዝተገብረ ሰለስተ ፈተነታት "ክመሃሩ ኣለዎም" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ ብወገን ኤርትራ ዝወረደ ክሳራ ግን ኣይገለጸን። ኣብ ናይሮቢ ክሳራ ኤርትራ ክዛረብ ንዝቐረበሉ ሕቶ'ውን ጎስይዎ'ዩ ሓሊፉ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዘካየዶ ቃለመሕትታት፡ ሓደስቲ ነገራት ንምስማዕ ትጽቢት ገይሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምትእትታው ኣመሪካን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ዘድሃበ'ዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እዚ ናይ ሰንበት ቀዳማይ ክፋል ምዃኑን፡ እቲ ፕረዚደንት ንዘቤታዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ተወሳኺ "ኣብ ሓደ ወርሒ ዝዝርጋሕ" ሰለስተ ክፋላት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ናይሮቢ፡ ንዕድመ ስልጣኑ ብዝምልከት ተሓቲቱ መልሲ ካብ ምሃብ ምቑጣቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዘራርብ ቀንዩ'ዩ።
ኣብ ዓለማዊ ታሪኻዊ ጉዳያት ግን ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገብሮ፡ ንምዕራባውያን ሃገራት ንምንቃፍ ዝዓለመ ሰፊሕ ትንተና ሂቡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







