ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ጋና ኣምሪሓ

ካብ 23 ክሳብ 29 ትሪ ኣብ ዙር ጋቦን ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Henok Mulubrhan

መግለጺ ስእሊ, ካብ 23 ክሳብ 29 ትሪ ኣብ ዙር ጋቦን ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 08 ክሳብ 17 ለካቲት 2023 ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ዝካየድ መበል 19 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ትማሊ ናብታ ሃገር ኣትያ።

እዛ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን እትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ንቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ናትናኤል ብርሃን፡ ሜሮን ተሾመ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ኤፍሬም ገብረህይወት፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ሚልክያስ ቅዱስን ዩኤል ሃብትኣብን ሒዛ’ያ ናብ ጋና ኣትያ ዘላ።

ኣብ ዙር ጋቦን ጽቡቕ ተሃላላኽነት ዘርኣየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ናይ ጋንታን ውልቅን ናይ ግዜ ውድድር ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ‘ሚክስድ ሪለይ’ ክትወዳደር እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርምኣልሸኽ ኣብ ዝተኻደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንዝበዝሐ እቲ መዳልያታት ከምዝተዓወተትሉ ዝዝከር’ዩ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ ዓበይቲ ሸሞንተ ግዜ ቻምፕዮን ብምዃን ጸብለል ክብሉ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2011ን 2012ን ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2013ን 2016ን ከክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃን ዘውዲ ደፊኦም።

ዳንኤል ተኽለሃያማኖት፣ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፣ መኽሰብ ደበሳይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን እቶም ካልኦት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኾኑ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እዮም።

እዛ ናብ ጋና ተጓዒዛ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ማእከላ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ሓቊፋ ትርከብ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር’ውን ካብ 2010 ጀሚራ ክሳብ 2019 ብተኸታታሊ ኣብቲ ዝተሳተፈቶ ትሽዓት ውድድራት፡ ትሽዓት ግዜ ወርቂ መዳልያ ክትሽለም እንከላ፡ ኣብ 2021 ቦኺራ፡ ኣብ 2022 ናብቲ ውድድር ብምምላስ ወርቒ መዳልያ ብምውሳድ ዝቐልጠፈት ጋንታ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ’ያ።

ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ

2010፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ

2011፡ ናትናኤል ብርሃነ ፡ ተስፋይ ኣብርሃ ካልኣይ

2012፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ ሳልሳይ

2013፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ

2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ

2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መክሰብ ደበሳይ ሳልሳይ

2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት ሜሮን ኣብርሃም ካልኣይ

2018፡ ኣምንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መትከል እዮብ ካልኣይ

2019፡ መኽሰብ ደበሳይ

2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን

2022፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን