ፖሊስ ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ናብ ሄይቲ ክልኣኽ'ዩ ተባሂሉ

ፕረዝደንት ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ኬንያ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናብ ሄይቲ ከም ዝኣትው ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ተዛሪቡ።

ብምኽንያት ዓመጽቲ ጉጅለታት ሰላም ስኢና ናብ ዘላ ሄይቲ፡ ዓቀብቲ ሰላም ፖሊስ ኬንያ ንምውፋር ትልሚ ዘውጽኡ ልኡኻት ናብታ ሃገር ከም ዝኣተው ተገሊጹ ኣሎ።

ሩቶ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ናብ ሄይቲ ዝለኣኽ ጉጅለ ምስ ፖሊስ ሄይቲ ይዘራረብ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ፖሊስ ኬንያ ናብ ሄይቲ ዝኣትውሉ መገዲ ከም ዘመቻችእ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብ ኣመሪካ ታሪካዊ ዝተባህለ ናይ ሰለስተ መዓልቲታት ምብጻሕ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

ንሱ፡ ድሕሪ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ዝገበረ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ መራሒ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሄይቲ ካብ መንጐ ዝተቐትሉ መምሃራን ሃይማኖት ኣመሪካውያን መጻምዲ ከም ዝርከቡዎም ምግላጹ ስዒቡ፡ ብኬንያ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ብህጹጽ ናብ ሄይቲ ንክዋፈር ዋይት ሃውስ ሓቲቱ።

“ሕጂ ናብ ሄይቲ ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ ኣሎ፤ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገር እንታይ ከም ዝመስል፣ ዘሎ ትሕተ ቕርጽን ዓቕምን ክኣ ይድህስስ ኣሎ። ምስ ኣመራርሓ ፖሊስ ሄይቲ ብመሰረት ዝገበርናዮ ስምምዕ፡ እቲ ዑደት ክዛዘም እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ሓይልና ንምውፋር ድሉዋት ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕቡራት መንግስታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወጽኡ ዓቀብቲ ሰላም ናብ ሄይቲ ንምልኣኽ ክውስን እንከሎ፡ ኬንያ ተራ መሪሕነት ወሲዳ ክትዋሳእ ሓቲታ።

ብ2021፡ ፕረዝደንት ዦቬኔለል ሞይስ ምቕታሉ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ጉጅለታት ናዕቢ ብዝፈጠሩዎ ቅልውላው ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦው-ፕሪንስ ልዑል ዕንወት ኣጋጢሙዋ እዩ።

ሩቶ ከም ዝበሎ፡ እቲ ዝፍጠር ዘሎ ቅልውላው ሃገሩ ፖሊስ ናብ ሄይቲ ክትልእኽ ምኽንያት ኰይኑዋ’ዩ።

“ሰባት ክንከስር የብልናን፤ መምሃራን ሃይማኖት ክቕተሉ የብሎምን። ዓመጽቲ ጉጅለታት ተወሳኺ ሰባት ንከይቐትሉ ኢና ፖሊስ ነዋፍር ዘለና” ይብል።

ኣመሪካ’ውን ዓቃቢ ሰላም ክትልእኽ’ያ። ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት “ኣብ ሄይቲ ዘሎ ቅልውላው ግዜ ዝወሃቦ ኣይኰነን” ኢሉ።

ፕረዝደንት ጆ ባይደን ምስ ሩቶ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ብህጹጽ ዓቃቢ ሰላም ንክዋፈር ቃል ኣትዮም።

ኣብ ሄይቲ ንዝዋፈሩ ዓቀብቲ ሰላም ዝወሃብ ኣጽዋር ይዳሎ ከም ዘሎን “70 ሚታዊት ምድላው ከም ዝተዛዘመን” ድማ ሩቶ ገሊጹ።