እስራኤል ኣብ ቤት-ትምህርቲ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 16 ሰባት ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ድሕሪ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣብ ፅርግያ ደው ዝበሉ ሰብኣይን ህፃንን

እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሕዱ 16 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ብዙሓት ከም ዝተጐድኡን ሰብመዚ ፍልስጤም ገሊፆም።

እቲ ህንፃ ኣብ ማእኸላይ ቃዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኑሰርያት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ፍልስጤማውያን የዕቁብ ከም ዝነበረ ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ ከባቢ ቤት-ትምህርቲ ኣል-ጃኡኒ ኣብ ዝርከቡ መሓውራት ንዝንቀሳቐሱ ብዙሓት “ግብረ-ራዕዳውያን” ከም ዝወቕዐ ገሊፁ።

ብተመሳሊ፡ እስራኤል ብዝፈፀመቶ ካልእ መጥቃዕቲ ኣየር 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ፀብፃባት ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈፀመሉ ቤት-ትምህርቲ ኑሰርያት ዝወፅአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣባፅሕን ህፃናትን ኣብቲ ብትኪ፣ ዶሮናን ፍርስራስን ዝተሸፈነ ፅርግያ እንተእውዩን ንዝተጐድኡ ሰባት ክሕግዙ እንትጐይዩን የርእይ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ጥቓ ዕሙር ዕዳጋ ንዝርከብ ላዕለዋይ ደብሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ ዒላማ ከም ዝገበረ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ቢቢሲ፡ ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ነዚ ህንፃ ከም መፅለሊ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ተረዲኡ ኣሎ።

ሓንቲ ሰበይቲ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ ህንፃ ቁርዓን የንብቡ ዝነበሩ ህፃናት በዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተሉ ሓቢራ።

“ብዘይ መጠንቀቕታ ነዚ ህንፃ ዒላማ እንትገብርዎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ንራብዓይ ግዘ እዩ” ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ምንጪ ድማ እቲ ዒላማ ዝኾነ ክፍሊ፡ ፖሊስ ሓማስ ይጥቀምሉ ነይሮም ከም ዝበሃል ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ነዚ ከረጋግፆ ኣይከኣለን።

ሓማስ፡ ካብዞም ትማሊ ቀዳም እስራኤል ብዝፈፀመቶም መጥቃዕትታት ዝተቐተሉ ሰባት፡ እቶም ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ከም ዝኾኑ ገሊፁ። ስድርኦም እውን ዒላማ ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ዓለምለኸ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኵናት እስራኤል-ቃዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም።

ሓማስ ግን፡ እዚ ናይ ሕዚ ቅትለት፡ ቁፅሪ ግዳይ ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ናብ 158 ክብ ከም ዘበሎ ገሊፁ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ንህንፃ እቲ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝደብደበ ብምርግጋፅ፡ “ሲቪላት ንከይጉድኡ ብዙሓት ስጉምትታት ወሲደ እየ። ሚሊሻታት ሓማስ ነቲ ህንፃ ከም መሕብኢ እዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም” ክብል ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ነዚ መጥቃዕቲ “ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘይብሎም ሲቪላት ሰባት ዝተፈፀመ ጃምላዊ ቅትለት’ዩ” ኢሉ።

እቲ ጉጅለ፡ መብዛሕትኦም ዝተቐተሉን ዝተጐድኡን ግዳያት ህፃናት፣ ደቂኣንስትዮን ኣረጋውያንን ከም ዝኾኑ ብመገዲ ቴሌግራም ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ከም ዝግበር ተስፋታት ነይሮም።

እስራኤል ኣብ ምፍታሕ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ምስ ሓማስ ዝደራደር ጉጅለ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ከም ትልእኽ ኣፍሊጣ እያ።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ዝጀመረ ኵናት ክመዛበሉ ንዝተገደዱ 1 ነጥቢ 7 ሚልየን ፍልስጤማውያን መፅለሊ ኰይነን የገልግላ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ኑሰርያት ኣብ ዝርከብ ብሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሑዱ 35 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም 1200 ሰባት ከም ዝቐተለን፡ 251 ጅሆ ከም ዝሓዘን እስራኤል ትገልፅ።

ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም ብወገኑ፡ ኵናት ቃዛ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ውሑዱ 38,098 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ይገልፅ።