ገለርያታት ሓማስ፡ ብኸመይ እዮም ንእስራኤል ኣጸገምቲ ኰይኖም ዘለዉ?

ኣፍደገ ገለርያታት ሓማስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ብቐዳም 7 ጥቅምቲ ዝወረዳ ዘይትጽቢታዊ ሃንደበታዊ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ እተካይዶ ዘላ ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ሓማስ ዝጥቀመሎም መሽጐራጕር ገለርያታት ከም ዘጥቅዐት እያ ትገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ “ወሽመጥ ቓዛ ክንሓስብ እንከለና፡ ሓደ ክፋሉ ንሲቪላት፡ ካልኣይ ክፋሉ ድማ ንሓማስ ኢና እንሓሰብ፤ ስለዚ ናብቲ ሓማስ ዝሃነጾ መሽጐራጕር ክንበጽሕ ንጽዕር ኣለና" ኢሉ።

"እዚኣቶም ንሲቪላት ዘገልግሉ ኣይኰኑን፤ ንሓማስን ካልኦት ኣሸበርትን ንእስራኤል ንምውቃዕ ሮኬታት ንምትኳስን ስርሒታት ንምውጣንን ዘገልግሉ እዮም" ክብሉ ይገልጽዎም።

እስራኤል ነቲ "ሜትሮ [ትሕተ-ባይታዊ መስመር] ቓዛ" ኢላ ዝሰመየቶ መርበብ ገለርያታት፡ ኣብ ትሕቲ 41 ኪ.ሜ ንውሓትን 10 ኪ.ሜ ስፍሓትን ኣብ ዘለዎ መሬት ከም ዝዝርጋሕ ስለዝእመን፡ ዓቐኑ ብልክዕ ንምግምጋም ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ 2021 ድሕሪ ዝተፈጠረ ግጭት፡ ሰራዊት እስራኤል፡ ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ትሕተባይታዊ መስመር ገለርያታት ብመጥቃዕቲ ኣየር ከምዘዕነወ ይገልጽ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ገለርያታቱ 500 ኪ.ሜ ዝዝርግሑ ምዃኖምን፡ 5 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝተሃርመን ይገልጽ።

ህንጸት ገለርያታት ቓዛ ዝጀመረ፡ እስራኤል ኣብ 2005 ሰራዊታን ሰፋሮኣን ምስሓብ ቅድሚ ምጅማራ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ሓማስ ነቲ ወሽመጥ ምስ ተቘጻጸሮ ዝያዳ ክሰፍሕን ክቀላጠፍን ክኢሉ፤ እዚ ድማ እስራኤልን ግብጽን ካብን ናብን ቓዛ ንዝግበር ምንቅስቓስ ሰባትን ንብረትን ብጸጥታዊ ምኽንያት ክድርታ ከም ዝደረኸን ይንገር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ልዕሊ 2,500 ኣብ ዶባት ግብጺ ዝተኣሳሰሩ መሽጐራጕር ገለርያታት፡ ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ንግዳዊ ኣቝሑ፡ ነዳድን ኣጽዋርን ንምስግጋር ከገልግሉ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ 2010፡ እስራኤል ብዶብ ግብጺ ኣቢሉ ንብረት ንቓዛ ክኣቱ ድሕሪ ምፍቃዳ እቲ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ጐዳጕዲ ገለርያታት ኣገዳስነቱ ነክዩ።

ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት እውን ንሓይልታት እስራኤል ንምጥቃዕ ገለርያታት ምዅዓት ጀሚሮም።

ኣብ 2006 ዕጡቓት ፍልስጤም፡ ኣብ ትሕቲ ዶብ እስራኤል ዝነበረት ሓንቲ ገለርያ ተጠቒሞም ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ቀቲሎም፤ ጊላድ ሻሊት ዝተባህለ ሳልሳዮም ማሪኾም ብምውሳድ ንሓሙሽተ ሒዞሞ።

ኣብ 2013፡ ነበርቲ ገለ ድምጺ ድሕሪ ምስምዖም፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብቲ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ጥቓ ሓደ ኪቡትዝ ዝበሃል ቦታ ናይ እስራኤል ዝበጽሕ ብኮንክሪት ናሕስን መናድቕን ዝተሰርሐ 1.6 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ 18 ሜትሮ ዝዕምቈት ገለርያ ረኺቡ።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ብዕጡቓት ንዝፍጸም ዓቢ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዘሎ ስግኣታት ንምቕንጣት፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከቡ "መስመራት ሽበራ" ካብ ሱሮም ምጥፋእ ከምዘድሊ ጠቒሳ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ሓይልታቱ ኣብ እዋን’ቲ ናይ ሽዑ ኲናት ልዕሊ 30 ገለርያታት ከምዘዕነዉ ክገልጽ እንከሎ፡ ዕጡቓት ፍልስጤም ግን ነቲ መስመር ተጠቒሞም ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ ከምዘይካየዱ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

"እቶም ስግረ-ዶባዊ ጐዳጕዲ መባእታዊ ኰይኖም ዝዀነ ዕርዲ የብሎምን። ሓደ እዋን ንእስራኤል ንምውራር ንዝብል ሓደ ዕላማ ጥራይ ዝተዃዕቱ እዮም" ትብል ካብ ዩኒቨርሲቲ ራይክማን ክኢላ ትሕተ-ምድራዊ ውግእ ዶክተር ዳፍነ ሪችሞንድ-ባራክ።

"እቶም ኣብ ውሽጢ ቓዛ ዘለዉ ጐዳጕዲ ግን ዝተፈላለዩ እዮም፤ ሓማስ ብስሩዕ ዝጥቀመሎም፡ ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ኣመና ምቹኣት ክዀኑ ይኽእሉ። ብርግጽ ንነዊሕን ቀጻልን ኣገዳስነት ዝተሃንጹን ብመሳርሒታት ዝተመልኡን እዮም።"

"እቶም መራሕቲ ኣብኡ ተሓቢኦም፡ ካብ ማእከሉ ትእዛዝን ቍጽጽርን የካይዱ፤ ንመጓዓዝያን መስመራት መራኸቢን ይጥቀሙሉ። ኤሌክትሪክ፡ መብራህትን መስመር ባቡርን ዝተዓጠቝ እዮም፤ ብዘይጸገም ክትዘውርን ደው ክትብልን ዘኽእሉ እዮም።"

ኣብ ዶብ ግብጺ ዝተዃዕቱ ጐዳጕዲ ኣጽዋርን ንብረትን ንምስግጋር እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶብ ግብጺ ዝተዃዕቱ ጐዳጕዲ ኣጽዋርን ንብረትን ንምስግጋር እዮም

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት "ጥበብ" ህንጸት ገለርያታት ውግእ ዝመለኸ ይመስል። እዚ ኸኣ ኣብ ኣሌፖ ዝርከቡ ተቓለስቲ ጕጅለታት ሶርያን ኣብ ሞሱል ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ካብ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ዝተቐስመ ተመኵሮ ይመስል።

እቶም ውሽጢ ቓዛ ዘለዉ ገለርያታት፡ ክሳብ 30 ሜትሮ ትሕቲ መሬት ዕምቈት ዘለዎም ከም ዝዀኑን፡ ዕጡቓት ዝዀነ ኣሰር ንምኽዋል፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ኣባይቲ፡ መሳጊድ፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ህዝባዊ ህንጻታትን ብዝተሰርሑ ፍሉያት መዓጹ ከም ዘእትዉ ይእመን።

ምህናጽ እቲ መርበብ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዋጋ ኣኽፊሉ ዝተኻየደ ከምዝዀነ እያ እስራኤል ትከስስ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ሓማስ ነቲ ትሕተባይታዊ መስመራቱ ንምህናጽ፡ ነቲ ንቓዛ ዝተዋህበ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ውግኣት ንዝዓነዉ ኣባይቲ ዳግማይ ንምህናጽ ተባሂሉ ዝተዋህበ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቶናት ስሚንቶ ተጠቒሙ እዩ ክብል ይኸስስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓማስ ስግረ-ዶባዊ ገለርያታት ተጠቒሞም ክዀኑ ይኽእሉ ዝብል ግምት ኣሎ። ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝተቐትሉሉ ኣብ ጥቓ ኪቡዝ ክፋር ዕዛ፡ ሓደ መውጽኢ ጕድጓድ ከምዝተረኽበን ይሕበር።

እዚ እንተተረጋጊጹ፡ እቲ ገለርያታት ኣብ ትሕቲ እቲ እስራኤል ኣብ መወዳእታ 2021 ዝተኸለቶ ዝተራቐቐ ጸረ-ገለርያ መለለዪ መሳርሒ፡ ተኸዊሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ ኮንክሪት እዩ ማለት እዩ።

ዶክተር ሪችሞንድ-ባራክ እዚ ኣሰንባዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ትብል። እንተዀነ ዝዀነ ይዅን መለለዪ መሳርሒ ምሉእ ውሕስነት ክህብ ከምዘይክእል ተጕልሕ።

"ስለዚ'ዩ ጐዳጕዲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ኲናት ከገልግሉ ዝጸንሑ ኮይኖም ተለልየሎም መገዲ ዳርጋ የለን።"

ብተወሳኺ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብ ቀረባ ንዝካየድ መሬታዊ ስርሒት ይተኣኻኸቡ ኣብ ዘለዉሉ፡ ‘ሰራዊት እስራኤል ንብምሉኡ ትሕተ ባይታዊ መርበባት ሓማስ ከጥፍእ ይኽእል እዩ' ምባል ዘይክውንነታዊ እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

"ብዝዀነ ምኽንያት ሲቪላት ዘይወጹሉ ክፋላት ናይቲ መርበብ ክህሉ'ዩ፤ ገለ ክፋላት ናይቲ ትሕተ-ምድራዊ መርበብ እውን ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ፤ ብዓቢኡ እቲ ጐድናዊ ዕንወት ኣመና ልዑል ክኸውን'ዩ።"

ነዚኣቶም ንምዕናው ኣብ ዝግበር ወፍሪ’ውን ካብ ኣጋር ሓይልታት እስራኤል፡ ፍልስጤማውያን ሲቪላትን ጅሆ ዝተታሕዙን ከይተረፈ ገዚፍ ሰብኣዊ ክሳራ ክስዕብ ምዃኑ ወሲኻ ኣጠንቂቓ።

ኣብ 2021 ሰለስተ ዓበይቲ ህንጻታት ዝፈረሱሉ መጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ንዝርከቡ መስመራት ሓማስ ዒላማ ከምዝገበረ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2021 ሰለስተ ዓበይቲ ህንጻታት ዝፈረሱሉ መጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ንዝርከቡ መስመራት ሓማስ ዒላማ ከምዝገበረ ይገልጽ

ኣብ 2021 ኣብ ዝነበረ ግጭት፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሰለስተ ኣባይቲ ድሕሪ ምውዳቘም 42 ሰባት ሞይቶም። ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ንዝርከቡ መስመራት ሓማስ ዒላማ ከምዝገበረ፡ እቶም ገለርያታት ምስ ተሃረሙ ግን መሰረታት እቲ ህንጻ እውን ከምዝፈረሰ ገሊጹ።

እቲ መርበብ ገለርያታት ነቲ ሰራዊት ንዘለዎ ቴክኖሎጅያውን ስለያውን ብልጫታት እውን ከምዘፍሽልን፡ ንናይ ከተማታት ውግእ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮን ንወተሃደራት እስራኤል ከቢድ ሓደጋ ከም ዝኸውንን ዶክተር ሪቸሞንድ-ባራክ ትገልጽ።

“ቀዳማይ ነገር፡ ሓማስ ንብምሉኡ እቲ መርበብ ገለርያታት ከማዕብልን መጻወድያታት ክፈጥርን ብዙሕ ግዜ ረኺቡ'ዩ" ትብል፤ "እቶም ወተሃደራት ናብቲ መጻወድያታት ንኽኣትዉ ጥራይ ክገድፍዎምን ኣብ መወዳእታ ድማ ንምሉእ እቲ ጐዳጕዲ ክፍንጅርዎ ይኽእሉ እዮም" ትብል።

“ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገይሮም ነቶም ወተሃደራት ክጨውይዎም’ውን ይኽእሉ እዮም፤ ድሕሪኡ ካልእ ኵሉ ዓይነት ሓደጋታት ኣሎ - ኦክስጅን ምውዳእ፡ ኣብ ሓደ ንሓደ ውግእ፡ ከምኡ'ውን ንዝቘሰሉ ወተሃደራት ምድሓን ዳርጋ ዘይከኣል ይኸውን።"

"ዋላ'ውን ናብ ውሽጢ እቲ መሽጐራጕር እንተዘይኣተኻ፡ ዘይከም ኣብ ልዕሊ መሬት ዝካየድ ውግእ፡ ይህልዉዎ እዮም ኢልካ እትጥርጥሮ ከባቢ ምውሓስ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን፡" ብምባል ወሲኻ ተረድእ።

ሓይልታት እስራኤል ግን ነቲ ሓደጋታት ንምቅላል ገለ መገድታት ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ካብ 'ኣማኻሪ ጸጥታ ሶውፋን ግሩፕ' ዝዀነ ኮሊን ክላርክ ከም ዝበሎ፡ ምናልባት ወተሃደራት ቅድሚ ምእታዎም፡ ንዳህሳስን ቦታታት ንምልላይን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሰብ ኣልቦ ተሽከርከርትን ናብቲ ጐዳጕዲ ክሰዱ ይኽእሉ።

ነፈርቲ ውግእ፡ ቅድሚ ምፍንጃሩ ናብ ዓሚቝ ቦታ ክኣቱ ዝኽእል "ባንከር ባስቲን" ዝተባህለ ቦምባታት'ውን ከውድቓ ይኽእላ እየን። ይዅን እምበር ብሰንኪ ጻዕቂ ነበርቲ ከተማታት ቓዛ ጐድናዊ ሓደጋታት ኣመና ከቢድ ስለዝኸውን ምትግባሩ ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል።