እስራኤል ብኣፅዋራት ዋሽንግተን ዓለምለኸ ሕጊ ጥሒሳ ክትኸውን ትኽእል’ያ- ኣሜሪካ

ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ይውስኽ ብዘሎ ሞት ሲቪላት ከም ዝተሻቐለት ትገልፅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካ፡ እስራኤል ኣብ ኵናት ጋዛ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ኣብ ምጥሓስ ካብ ኣሜሪካ ዝረኸበቶ ኣፅዋር ተጠቒማ ክትኸውን ከም ትኽእል ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ ሰነድ፡ ብኣሜሪካ ዝቐረቡ ኣፅዋራት፡ ምስ ግቡእ እስራኤል ብዘይቃዶ መልክዑ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሎም “ምግምጋም ምኽንያታዊ’ዩ” ኢሉ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ገምጋሙ “ሙሉእ ሓበሬታ” ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

እቲ ክደናጎይ ዝፀንሐ ፀብፃብ፡ ብዓርቢ እዩ ናብ ኮንግረስ ቀሪቡ።

እቲ ብዋይት ሃውስ ዝተኣዘዘን እታ ሃገር ብኣሜሪካ ንዝቐርብ ኣፅዋር ብኸመይ ከም ዝተጠቐመትሉ ዝግምግምን ፀብፃብ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዘካየደቶም ገለ ስርሒታት ዋላ’ኳ እንተገሰፀ፡ ሰራዊት እስራኤል ዓለምለኸ ሕግታት ጥሒሱ ካብ ምባል ግና ተቖጢቡ።

እስራኤል ኣብ ጋዛ ንሓማስ ብምውጋእ፡ “ፍሉይ ንዝኾነ ወተሃደራዊ ብድሆ” ክትገጥም ግድን ኮይንዋ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሕጋዊ ኣጠቓቕማ ኣፅዋር ኣሜሪካ ዝምልከት ካብ እስራኤል “ተኣማንን ዘተኣማምንን” መረጋገፂ ብምርካባ፡ ናብ እስራኤል ኣፅዋር ምግዓዝ ክቕፅል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

እቲ ሰነድ፡ ሓማስ “መሰረተ ልምዓት ሲቪላት ንወተሃደራዊ ዕላማ፡ ሲቪላት ድማ ከም መከለኻሊ ይጥቀም ብምህላዉ”፡ ኣብዚ ንጡፍ ኵናት ዝካየደሉ ዞባ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንምፍላጥ ኰነ እቶም ሕጋዊ ዒላማታት ንምንፃር ከቢድ እዩ ይብል።

እንተኾነ፡ እስራኤል ኣብ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾኑ ኣፅዋራት ዘለዋ ፅግዕተኝነት ብምሕባር፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምናልባት ምስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ብዘይቃዶ መልክዑ ኣፅዋር ኣሜሪካ ተጠቒማ ክትኸውን ከም ትኽእል ገሊፁ።

“እስራኤል ኣብ ትገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሲቪላት ካብ ጉድኣት ንምሕላው ብሉፃት ኣሰራርሓታት ንምትግባር ፍልጠት፣ ልምድን መሳርሕታትን ኣለዋ” ዝብል እቲ ፀብፃብ፡ እንተኾነ ንልዑል ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ኣብ ባይታ ይረኣይ ዘሎ ውፅኢታት፡ ሰራዊት እስራኤል ብኣግባቡ ይጥቀመሎም ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ትካላትን፡ እስራኤል ሲቪላት ካብ ጉድኣት ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ “ዘይቃዶ፣ ውፅኢታዊ ዘይኮነን እኹል ዘይኮነን” ብምባል ከም ዝገለፆ እውን፡ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን እስራኤል ኣብ ራፋሕ ሓድሽ መጥቃዕቲ እንተድኣ ፈፂማ ኣሜሪካ ኣፅዋር ካብ ምልኣኽ ከም ትቑጠብ ብወግዒ ምጥንቃቑ ስዒቡ እዩ፡ እዚ ፀብፃብ ወፅዩ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ግና፡ ንመልእኽቲ ባይደን ዕሽሽ ብምባል ኣሜሪካ ኣፅዋር ምልኣኽ እንተቋሪፃ እውን እስራኤል ኣድላይ እንተኾይኑ ንበይና ኰይና እቲ ውግእ ከም ትቕፅሎ እዩ ተሓንዩ።

ሕቡራት ሃገራት ካብ ብሰኑይ ጀሚሩ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ካብ ራፋሕ ከም ዝሃደሙ ገሊፁ።

ሓማስ ብ 07 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝኸፈቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉ እስራኤል ትገልፅ።

ኵናት እስራኤል ጋዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ልዕሊ 34,900 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትር ጥዕና ጋዛ ኣፍሊጡ እዩ።