ኵነታት ራፋሕ ናበይ ገጹ? እስራኤል 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ክወጹ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ’ቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ስርሒት፡ ፍልስጤማውያን ሲቪላት ካብ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ራፋሕ ክወጹ ኣዚዙ።
ኣስታት 100 ሽሕ ነባሪ፡ ናብተን ኣብ ጥቓኣ ዝርከባ ከሃን ዩኒስን ኣልማዋሲን ዝኣመሰላ ከታማታት ክኸይድ ተኒጊርዎ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ሰባት ክግዕዙ ንምሕባር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ በረርቲ ጽሑፋትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ይጥቀም ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምውጻእ ውሱን ምዃኑን፡ ውጥናት ብመንግስቲ እስራኤል ምስጸደቐ ቀስ ብቐስ ከምዝፍጸምን ገሊጹ።
ሓማስ ትማሊ ሰንበት ካብ ራፋሕ ሮኬታት ብምትኳስ ዘውረዶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ ናይ ምፍናው ዓቕሙ ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ እቲ ስርሒት ኣካል ሓማስ ናይ ምድምሳስ ጻዕሪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤል ሲቪል ሰባት ካብ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ራፋሕ ክወጹ ቅድሚ ዝሃበቶ ጻውዒት፡ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዮኣቭ ጋላንት፡ ብሰንበት ምሸት ምስ ኣመሪካዊ መዘናኡ - ሎይድ ኦስቲን - ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።
ፔንታጎን ነቲ ጻውዒት ኣብ ዘውጽኦ ንባብ፡ እዞም ጽምዲ "ቀጻሊ ድርድር ጅሆ፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ራፋሕን" ከምዝተዘራረቡ ይገልጽ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ራፋሕ ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ስርሒት፡ "ፍልስጤማውያን ሲቪላት ድሕነቶም ንምርግጋጽ ዘኽእል ዘተኣማምን ውጥን ከምዘድሊ" ንጋላንት ከምዝገለጸሉ ፔንታጐን ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም እስራኤላውያን ጅሆታት ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ፍታሕ ስለዝተሳእኖ፡ ኣብ ራፋሕ "ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከምዘድሊ" ኣፍሊጡ።
ሓማስ፡ እቶም ጅሆ ንኽፍትሑ ኣብ ዘጠቓልል መቓን እማመ፡ “ዕቱብነት ከምዘይብሉ" እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
ሓማስ ልኡኹ ናብ ቀጠር ብምኻድ ምስ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ክመኻኸር ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ዕርቂ እማመ ን40 መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ውግእ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ቃዛ ጅሆ ዝተታሕዙን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራትን ክፍትሑ ዝጠልብ እዩ ተባሂሉ።
ሓማስ ነቲ ሕጂ ዝቐረበ እማመ ብ"ኣወንታዊ መንገዲ" ከምዝርእዮ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ቀንዲ ዘሰሓሕብ ነጥቢ ግን፡ እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል “ቀዋሚ ድዩ ግዝያዊ?” ዝብል ሕቶ ዝመስል።
እቲ ጉጅለ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ፡ ናብ ቀዋሚ ምቁራፅ እቲ ኲናት ከምዝኣቱ ይጽዕር ኣሎ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ግን ብሰንበት፡ ነዚ እማመ ነጺግዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ምስ ሓማስ እተካይዶ ዘላ ዘተ ብዘየገድስ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ - ራፋሕ -ስርሒት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ድማ ብስምምዕ ይዅን ብዘይ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ፡ ክንገብሮ ኢና ኢሉ ነይሩ።
"እቲ ኲናት ኵሉ ዕላማታትና ቅድሚ ምዕዋቱ ደው ከነብሎ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
"ምሉእ ዓወት ንምምዝጋብ፡ ኣብ ራፋሕ ክንኣቱ ኢና፡ ኣብኡ ዘለዋ በጦሎኒታት ሓማስ ድማ ከነወግድ ኢና፡" ክብል ቤት ጽሕፈት ነታንያሁ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ኣብ ራፋሕ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ወሽመጥ ካብ ዝነበረ ውግእ ሃዲሙ ዝተዓቝበ ብብዝሒ ይርከብ።
ኣብታ ፍልስጤማውያን ልዕሊ ዓቐን ብዝዀነ ብጻዕቂ ዝነብሩዋ ዘለዉ ከተማ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኰይኑ፡ ተመዛቢሎም ዘለዉ ሰባት ብሕጽረት መግቢ፣ ማይን መድሃኒትን ተሳቕዮም ከምዘለዉ ይንገር።
ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ በቲ ዝስዕብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምስጋእ፡ ኣብ ራፋሕ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ተቓውሞአን ኣስሚዐን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







