ኲናት ቓዛ፡ ዝርርብ ካይሮ ጀሚሩ፤ ኣሽሓት ተቓወምቲ ድማ ጅሆ ዝተትሓዙ ክፍትሑ ይጽውዑ

ተቓውሞ እስራኤላውያን

ምንጪ ስእሊ, Amir Levy

መግለጺ ስእሊ, ተቓውሞ እስራኤላውያን

ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ንክብል ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ዝጠናኸሩሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ካይሮ ንነዊሕ እዋን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ትማሊ ቀዳም ዳግማይ ጀሚሩ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት እስራኤላውያን ድማ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ናብ ዓዶም ንምምጻእ ስምምዕ ክግበር ዝጽውዕ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ቴልኣቪቭ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት "ኲናት ቅዱስ ኣይኰነን፡ ህይወት እያ (ቅድስቲ)" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ገሊኦም ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ግጭት የናውሖ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።

እቲ ዳግም ትማሊ ኣብ ካይሮ ዝጀመረ ዘተ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይሊታት ብቀንዱ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብልን ብሓማስ ጅሆ ዝተተሓዙ ምሩኻት ክፍትሑን ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ንምብጻሕ ዝዓለመ እዩ።

ተወከልቲ ሓማስ ኣብቲ ብሸምጋልነት ግብጽን ቀጠርን ዝካየድ ዘተ ዳግማይ ክሳተፉ ናብ ግብጺ ኣትዮም እዮም።

እቲ ቀንዲ ዛዕባ፡ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ግዝያዊ ድዩ ነባሪ ዝብል ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይግመት።

ክሳብ ሕጂ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝፍትሑሉ እዋን ን40 መዓልታት ውግእ ደው ክብል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራት ምፍታሕ ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ሓማስ፡ ልኡኹ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝቐረበ እማመ ዕርቂ ድሕሪ ምግምጋም "ብእወንታዊ መንፈስ" ናብ ካይሮ ከም ዝተጓዓዘ ገሊጹ።

"ጠለባት ፍልስጤማውያን ብዘማልእ መገዲ ስምምዕ ንምውሓስ ቈሪጽና ኢና" እውን ኢሉ።

ዝዀነ ስምምዕ ግን እስራኤል ካብ ቓዛ ክትወጽእን እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ምውዳእን ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ጠለብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሓደ ሽሙ ዘይተገልጸ በዓል ስልጣን መንግስቲ እስራኤል ብቐዳም ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እስራኤል "ብዝዀነ ይኹን መዐቀኒ፡ እቲ ኲናት ምብቃዕ ኣካል ጅሆ ዝተትሓዙ ናጻ ንምውጻእ ዝግበር ስምምዕ" ገይራ ከም ዘይትሰማማዕ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ጅሆ ዝተትሓዙ ነጻ ንምውጻእ ግዝያዊ ምቁራጽ ተዅሲ ይሃሉ ኣይሃሉን -ሰራዊት ናብ ራፋ ኣትዩ ነተን ኣብኡ ዝተረፋ ቦጦሎኒታት ሓማስ ከጥፍአን'ዩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ምቕባል ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

ሓማስ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብቲ ዘተ ዝቐረበ ስምምዕ "ክበስል" ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ድማ ክልቲኦም ወገናት ሕዚ’ውን ዘይተሰማምዑሎም መዳያት ከም ዘለዉ’ዩ ዝሕብር።

ኣብቲ ዘተ ከም ቀንዲ ጉዳይ ዝጥቀስ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ቀዋሚ ድዩ ግዝያዊ ክኸውን ዝብል ይመስል።

ሓማስ፡ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ነቲ ኲናት ዝዛዝም ፍሉይ ቃል ክጠቅስ እዩ ዝጽዕር ዘሎ፤ እስራኤል ግን ሓማስ ኣብ ቓዛ ንጡፍ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ክትሰማማዕ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

እቲ ዘተ፡ እቲ ውግእ ን40 መዓልታት ደው ክብልን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ጅሆ ዝተተሓዙ እስራኤላውያንን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራትን ክፍትሑ ዘጠቓልል ከም ዝዀነ ይግመት።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ዋላ’ውን ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛን ኣብ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ሓድሽ ወተሃደራዊ ናይ ምድሪ ስርሒት ክካየድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ እዩ።

ዋላ’ኳ እቲ ዳሕረዋይ ዘተ እንተተኻየደ፡ ቤንያሚን ኔታንያሁ ግን መርገጺኡ ከም ዘይቐየረ ማዕከናት ዜና እስራኤል ትማሊ ቀዳም ጸብጺበን እየን።

እታ ዝዓበየት ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ ግን፡ ነቲ ህይወት ሲቪላት ከጥፍእ ዝኽእል ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትድግፍ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

መጀመርታ ዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ዝከላኸል ውጥን ክትሪኢ ዘለዋ ድልየት ኣጽኒዓ’ያ።

1.4 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ካብቲ ኣብ ሰሜናውን ማእከላይን ከባቢታት እቲ ወሽመጥ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ ራፋ ተዓቚቦም ይርከቡ።

ዳይሬክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ዊልያምስ በርንስ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዘተ ኣብ ምሽምጋል ንምሕጋዝ ናብ ካይሮ ከም ዝተጓዕዘ ሲቢኤስ ኒውስ ዘዘራረቦም ክልተ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣንቶኒ ብሊንከን እውን ኣብቲ ዘተ ቁልፊ ኣካል ኰይኔ ክጸንሕ’ዩ። ኣብዚ ሰሙን ዳግማይ ናብ እስራኤል ብምኻድ ምስ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ተራኺቡ ነይሩ።

ብሊንከን ብዓርቢ ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ መንጐ ህዝቢ ቓዛን ምቁራጽ ተኹሲን ደው ዝበለ ነገር እንተሃልዩ ሓማስ ጥራይ እዩ" ኢሉ።

ክሳብ ሕዚ እቲ ድርድር ምቁራጽ ተኹሲ ንኣዋርሕ ብዘይ ፍረ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ውግእ ኣይተቛረጸን፡ ጅሆታት’ውን ክፍትሑ ኣይተራኣዩን።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ዝመስሉ ህሞታት’ኳ እንተነበሩ፡ ገና ከይተፈረሙ እንከለዉ ፈሺሎም እዮም።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ዘተ እውን እንተኾነ ጥንቃቐ ከድሊ እዩ።

ብዛዕባ’ቲ ዘተ ሓበሬታ ዘለዎ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዘተ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ገና ሓያሎ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ኣመሪካ፡ እቲ ጉጅለ ምቁራጽ ተኹሲ ምንጻግ እንተቐጺሉ፡ ቀጠር ፖለቲካዊ መራሕቲ ሓማስ ክትሰጉግ ከም ዝተማሕጸነት እውን ሓደ ምንጪ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ ኣሎ።

ሓማስን ካልኦት ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1200 እስራኤላውያን ከም ዝተቐተሉን ልዕሊ 250 ጅሆ ከም ዝተታሕዙን ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ 34,654 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ 77,908 ድማ ከም ዝቖሰሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።