ኲናት ቓዛ፡ ቱርኪ ምስ እስራኤል ዝነበራ ንግዳዊ ርክብ ደው ኣቢላ

ፕሬዝደንት ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቱርኪ፡ እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲታት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ “ዝተጋደደ ዜሕዘን ሰብኣዊ ቅልውላው” ብምጥቃስ ምስ እስራኤል ዝነበራ ኵለ መዳያዊ ርክብ ንግዲ ጠጠው ኣቢላ።

ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር፡ እዚ ስጉምቲ ክሳብ እስራኤል ናብ ቓዛ “ዘይተቛረጸን እኹልን” ረድኤት ክኣቱ እተፍቅድ ከም ዝጸንሕ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ርክብ ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል፡ ፕረዚደንት ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶጋን፡ ልክዕ ከም “ወልቀ መላኺ” ይዋሳእ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ብተወሳኺ፡ ኤርዶሃን “ረብሓ ህዝብን ነጋዶን ቱርኪ ከምኡ’ውን ንኣህጉራዊ ንግዳዊ ስምምዓት ዕሽሽ ይብሎን ኣሎ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እቲ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ምስ ቱርኪ ንዝግበር ንግዳዊ ርክብ ኣማራጺታት ክርከቦ መምርሒ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

ቱርኪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ንግዳዊ ምቁራጽ “ንኹሎም ፍርያት” ዝሽፍን ምዃኑ ገሊጻ።

“መንግስቲ እስራኤል፡ ናብ ቓዛ ዘይተቛረጸን እኹልን ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእታው ክሳብ ዘፍቅድ፡ ቱርኪ ነዞም ሓደስቲ ስጉምትታት ብጥብቂ ክትትግብሮም እያ”።

እታ ዝበዝሐ ክፋል ማሕበረሰብ እስላም ዘለዋ ቱርኪ፡ ብ1949 ፈላመይቲ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ሃገር እያ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ግን ዝምድናታተን እናተሃላለኸ መጺኡ።

ኣብ 2010 ቱርኪ ምስ እስራኤል ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣቋሪጻቶ።

እዚ ድማ፡ 10 ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ዝኾኑ ቱርካውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝነበረ ዕጽዋ ባሕሪ ንምስባር ብቱርኪ ኣብ እትውነን መርከብ ዝተሰቕሉ ኮማንዶታት እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።

ክልትኣዊ ዝምድናታተን ኣብ 2016 ናብ ንቡር እንተተመሰልሰ’ኳ ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ኣብ ዶብ ቓዛን እስራኤልን ተቓውሞታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ብምቕታላ ብዘጋጠመ ምስሕሓብ፡ ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕደን ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ሰጒገን።

ፕረዚደንት ኤርዶሃን ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እስራኤል ብዛዕባ እትወስዶም ዘላ ስጉምቲታት ዝህቦ ነቐፌታታት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ዝሓፈለ ወርሒ ጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ “ካብቲ ሂትለር ዝገበሮ ዝንእስ ኣይኰነን” ኢሉ።

ኔታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን ምጽናት ዓሌት ዝፍጽም፡ ንመግዛእቱ ዝቃወሙ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ክብረወሰን ዓለም ዘለዎ ኤርዶሃን፡ ሞራል ክሰብከና ዝኽእል ናይ መወዳእታ ሰብ'ዩ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ኩነታት ዝወርዳ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ እናሓየለ ከም ዝመጽአ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ገምጋም 1.1 ሚልዮን ሰባት ኣዕናዊ ጥሜት ከም ዘጋጠሞምን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእልን ገሊጹ ነይሩ።

ትማሊ ሓሙስ ዋይት ሃውስ፡ ናብታ ግዝኣት ዝኣቱ ዋሕዚ ሓገዝ ንምምችቻእ ብሰራዊት ኣሜሪካ ዝተሃንጸ ጽርግያ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክኽፈት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ መራኽብ ሎጂስቲክስን ሰራሕተኛታትን እቲ ተንሳፋፊ ጽርግያን ኣብ ጐኒ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክእክቡ ዘርኢ ስእልታት ዘርጊሓ እያ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ኮሪደር ባሕሪ ነቲ ብምድሪ ዝግበር ምብጻሕ ረድኤት ዝትክእ ስለ ዘይኰነ፡ ሕጂ’ውን ብዝሒ ዘለዎ ረድኤት ንምብጻሕ እቲ ዝተዓጽወ መገዲታት ምኽፋት እንኮ ኣማራጺ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ።

እስራኤል፡ እቲ ካብ መሓዙታ ዝዀና ሃገራት ምዕራብን ዓለምለኻዊ ትካላት ሓገዝን ዝበጽሓ ዘሎ ጸቕጢ ስዒቡ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝወስድ መሳገሪ ኤረዝ ዳግማይ ከፊታቶ ነይራ።

እንተዀነ፡ ዮርዳኖስ ገለ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ቅድሚ ምስጋረን ብሰፈርቲ እስራኤል መጥቃዕቲ በጺሑወን ኢላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተደገፈ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ዕንወት ናብ ሰብ ዝሰርሖ ጥምየት ይቕየር ከም ዘሎ መርትዖ ኣቕሪቡ እዩ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ከም ዘላ ዝገልጽ “ዘእምን” ጉዳይ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።

እስራኤል ረድኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ትድርት ኣላ ንዝብሉ ክስታት ብምንጻግ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ቓዛ ንዝጸገሙ ሰባት ረድኤት ክዕድል ኣይክኣለን ብምባል ትነቅፍ።

እስራኤል፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።

ብመጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 253 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 34 ሽሕን 500 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባልን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ነጻ ንምውጸዓእን ስምምዕ ክግበር “እዋኑ ሕጂ'ዩ” ኢሉ። እቲ ስምምዕ ቀሪቡ ከም ዘሎን ሓማስ ነዚ ክቕበል ከም ዘለዎን ድማ ገሊጹ።

ኣደራደርቲ፡ ሓማስ ነቲ ድሒሩ ዝቐረበ እማመ ዝህቦ ምላሽ ይጽበዩ ኣለው።

እዚ፡ ን40 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባልን ልዕሊ 30 ጅሆ እስራኤላውያን ምፍታሕን ብወገን እስራኤል ድማ ተወሳኺ ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ዘጠቓለለ ምዃኑ ይንገር።