እስራኤል ትነቕፎ ዘላ ሓድሽ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል እንታይ እዩ?

ህጻን ዝሓዘለት ቈልዓ ምስ ዓባይ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ሓድሽ እማመ "ካብ መሰረታዊ ጠለባት እስራኤል ዝረሓቐ'ዩ" ክብል ነቒፉ፤ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ግን ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ርእይቶ ዝሃበ ሓማስ ነቲ ብሽምግልና ቐጠርን ግብጽን ዝቐረበ ውዕል ዕርቂ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ፍልስጤማዊ ጕጅለ "ሕጂ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳ እስራኤል እያ ዘላ" ኢሉ።

ሰራዊትን ታንክታትን እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ራፋሕ ብምሸት ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክኣትዉ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ምብራቓዊ ክፋላት እታ ከተማ ክወጹ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ እትርከብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዱ ነይሩ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ በቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተሃስዩ ዝእመን ኰይኑ ብዙሓት ድማ ትማሊ ሰኑይ ናብ መካይንን ዓረብያታት ኣእዱግን ንምድያብ ክጸቓቐጡ ተራእዮም።

እስራኤል ንነዊሕ እዋን ኣብታ 1.4 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣንጻር ሓማስ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እያ ከተፈራርሕ ጸኒሓ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝበዝሑ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ነበርቲ ድማ እስራኤል ኣብ ካልእ ከባቢታት ቓዛ ካብ ዝፈጸመቶም መጥቃዕቲታት ብምህዳም ኣብኡ ዘዕቆቡ እዮም።

ትማሊ ሰኑይ ኣጋምሸት ቤት ጽሕፈት ሚስተር ነታንያሁ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዋላ'ኳ እማመ ሓማስ ካብ መሰረታዊ ጠለባት እስራኤል ዝረሓቐ እንተዀነ እስራኤል ግን ኣብ ስምምዕ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ጸንቂቓ ንምጥቃም ልኡኻታ ምስዳዳ ክትቅጽል እያ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት እስራኤል "ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ንምፍታሕ፡ ወተሃደራዊን ምሕደራውን ዓቕሚ ሓማስ ንምጥፋእን፡ ቓዛ ኣብ መጻኢ ንእስራኤል ስግኣት ከምዘይትኸውን ንምርግጋጽን" ወተሃደራዊ ስርሒት ራፋሕ ክቕጽል ምውሳኑ ይዝከር።

ሓማስ፡ ፖለቲካዊ መራሒኡ ዝዀነ እስማዒል ሃኒያ ንቐዳማይ ሚኒስተር ቐጠርን ሓላፊ ስለያ ግብጽን "ንውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብዝምልከት ዘቕረብዎ እማመ ከምዘጽደቘ" ምፍላጡ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ሓይሊ፡ እቲ ቅድመ ኵነት እንተተማሊኡ "ተጻባኢ ንጥፈታት ብቐዋምነት" ንኸብቅዕ ከምዝተሰማምዐ ነዚ እማመ ብቐረባ ዝፈልጥ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዋላ'ኳ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይተዋህበ እዛ ‘ተጻባኢ ንጥፈታት ብቐዋምነት ንኸብቅዕ’ እትብል ሓረግ ግን ሓማስ ዕጥቃዊ ቃልሱ ንምዝዛም ይሓስብ ምህላዉ እያ ተመልክት።

ኣብ ክልተ ምዕራፋት ብዝካየድ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዝዛዘም ኰይኑ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ን42 መዓልታት ይጸንሕ።

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ነተን ጅሆ ተታሒዘን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ምፍታሕ ዘጠቓልል ይኸውን። ብነፍሲ ወከፈን ከኣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝነበሩ 50 ፍልስጤማውያን እሱራት ንምልዋጥ ዘጠቓልል ኰይኑ ገሊኦም ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ እዮም።

እዚ ኣብ ዝፍጸመሉ ድማ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ቓዛ ክጸንሑ እዮም። እቲ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት ግን እስራኤል ኣብ ማእከል እቲ መሬት ዝርከብ ወተሃደራዊ ትካላት ምልዓል ክትጅምር ከምኡ’ውን ካብቲ ቀንዲ መስመር ሰሜን-ደቡብ ዝዀነ መንገዲ ሳላሕ ኣ'ዲንን ካብ መንገዲ ገማግም ባሕርን ክትስሕብ እያ።

ድሕሪ 11 መዓልታት ከኣ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ናብ ሰሜን ቓዛ ክምለሱ ክፍቀደሎም እዩ።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ "ብዘላቒ ናይ ነዊሕ እዋን ህድኣት”ን ምሉእ ብምሉእ እገዳ ቓዛ ብምልዓልን ክዛዘም ምዃኑ እቲ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ምስ ቐጠርን ግብጽን ኰይና ክትሽምግል ትጽዕር ዘላ ሃገሩ፡ “ንመልሲ ሓማስ ትግምግሞን ምስ መሻርኽትና ትዘራረበሉን ኣላ" ኢሉ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ብወረራ ብምእታው፡ ኣስታት 1200 ሰባት ምስቀተሉን ልዕሊ 250 ጅሆታት ምስ ሓዙን እቲ ኲናት ከምዝተወለዐ ይዝከር።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ድሕሪ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ልዕሊ 34,700 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ይሕብር።

ኣብ ሕዳር ተበጺሑ ኣብ ዝነበረ ስምምዕ፡ ሓማስ ነቲ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባልን ኣስታት 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ምፍትሖምን ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም ነቶም 105 ብነጻ ኣፋንዩ።

እስራኤል ሕጂ'ውን 128 ሰባት ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉን ካብዚኦም ብውሕዱ 34 ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉን ትገልጽ።