ትራምፕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተስኣሎ ስእሊ ልዕሊ 7 ሚልዮን ዶላር ረኺቡ

ኣብ ማልያታት ዝተለለጠፈ ናይ ቤትማእሰርቲ ስእሊ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ጉጅለ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብሓሙስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትላንታ ጆርጅያ ካብ ዝተስኣሎ ስእሊ 7.1 ሚልዮን ዶላር ከምዝኣከበ ሓቢሩ።

ዝበዝሕ እቲ ገንዘብ ካብ መሸጣ ስእልታት እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተለጠፎ ኩባያ፡ ማልያን መትሓዚ ፈሳሲን ከምዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ንውጽኢት መረጻ 2020 ንምቅልባስ ፈቲንካ ብዝብል ዝተኸሰሰ ዶናልድ ትራምፕ ብ200 ሽሕ ዶላር ዋሕስ እዩ ተሰዲዱ።

ንሱ ኣብ መረጻ ኣሜሪካ 2024 ንምስታፍ ጐስጓስ ጀሚሩ እኳ እንተሎ፡ ካልእ ሰለስተ ክስታት’ውን ቀሪቡሉ ይርከብ።

እቲ ክስታት ንውጽኢት መረጻን ብድሕሪኡ ደገፍቱ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ህንጻ ባይቶ፡ ካፒቶል ምውራሮምን ዝተኣሳሰር እዩ።

ትራምፕ ግና ንኹሉ እቲ ክስታት ክነጽግ እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።

ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ኣሜሪካ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ኣንጻር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንክወዳደር ጐስጓስ ኣብ ምግባር ይርከብ።

እቲ ኣተኵሮ ግና ንደገፍቱ ዝያዳ ዘትረሮም እዩ ዝመስል። ምስ ናዕቢ ካፒቶል ዝተኣሳሰር ክሲ ካብ ዝቐርበሉ ንደሓር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፡ ከባቢ 20 ሚልዮን ዶላር ክእክብ ክኢሉ ኣሎ።

ብዓርቢ፡ ኣብ ጆርጅያ ምስ ተኣሰረ፡ 4.18 ሚልዮን ዶላር ከዋህልል እንከሎ ኣብቲ ጐስጓስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተኣከበ ዝበዝሐ ገንዘብ ምዃኑ ይግለጽ።

ትራምፕ ድሕሪ ጥሪ 2021 ንፈለማ እዋን፡ ብሓሙስ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ፡ ነቲ ናይ ቤትማእሰርቲ ጉርዲ ስእሉ ብምግባር “ኣብ መረጻ ምትእትታው፡ ፈጺምና ኢድና ኣይንህብን!” ዝብል ጽሑፍ ለጢፉ።