ቃለመሕትት ምስ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ዝናቡ ገብረመድህን

ምንጪ ስእሊ, SM
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ዝናቡ ገብረመድህን ነቲ ዞባ ክመርሕ ከም ዝሾሞ ይፍለጥ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኰይኑ ከገልግል ንዝፀነሐ ኣመሓዳሪ ኣብ ዘልዓለሉ፡ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ከም ዘዘራረበን ዓበይቲ ዓዲ ምስ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተራኺቦም ከም ዝተመያየጡን ይዝከር።
ቀዲሙ ኰነ ኣብዚ ዳሕረዋይ ንዝተገብረ ምምሕዳራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላልዩ ከባብታት ሰልፍታት ተቓውሞን ጎንፅን ተላዒሉ እዩ።
እቶም ንምልዓል ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝፀነሐ ምምሕዳር ዝተቓወሙ ኣካላት፡ መሰል ዓርሰ ምሕደርኦም ክረጋገፀሎም ካብ ምጥላብ ብዝዘለለ፡ "ብኣፈሙዝ ኣይንግዛእን" ብምባል "ነቲ ናይ ህወሓት" ዝበልዎ ኣካይዳ ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራእዮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ዞባ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ፖሊስን ተዋፊሮም ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ዝሰፈነ ኰይኑ፡ ብኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ዝምራሕ ነባር ካቢኔ እቲ ዞባ'ውን፡ ነቲ ህዝብን ከባብያ ሚልሻን የንቀሳቕስዎ ከም ዘለዉ ይግለፅ።
ቢቢሲ፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እቲ ዞባ ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኰይኑ ንዝተሾመ ኣይተ ዝናቡ ገብረመድህን ኣዘራሪቡዎ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኴንካ ተሸይምካ ኣለኻ፡ እንታይ ተሰሚዑካ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ኣብዚ ሎሚ ግዘ ሹመት ብዙሕ ዘሕጉስ ነገር ተደይሃለዮ፡ እቲ ከባቢ ተወሊደ ድዓበኽሉ፡ ስድራይ፡ ቤተሰበይ፡ ዓሌተይ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ናብ ቤተሰበይ ናብ ዓሌተይ ተመሊሰ ከም ዘገልገልኹ እዩ ዝስመዓኒ። ነዚ ህዝቢ እዚ ከተሓባብር ዕድል ስለ ዝተውሃበኒ እሕጐስ።
ቢቢሲ፡ ኣበይ ከባቢ ኢኻ ተወሊድካ ዓቢኻ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ዝተወለድኽሉ ከተማ ማይጨው እዩ። ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለኣለም ደስታ፡ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ጥላሁን ይግዛው፣ ካብኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስድስት ኪሎ እየ ተማሂረ። ቀዳማይ ዲግሪ ብፖለቲካል ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብፎረይን ፖሊሲን ዲፕሎማስን እየ ተማሂረ።
ቢቢሲ፡ ምስ ህወሓት ብኸመይ ተላሊኹም?
ኣይተ ዝናቡ፡ ገና ኣብ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሪ እንከለኹ፡ ካብቶም ኣብ ህወሓት ንጡፋት ዝነበሩ ተምሃሮ ሓደ እየ። እታ ውድብ ጠቕላላ ኣብ ህዝቢ ዘለዋ ቅቡልነት፣ ምስ ህዝቢ ዘለዋ ርክብ - ብፍላይ ኣብ ገባር ድነበራ ኣረኣእያ - ልዕሊ ኵሉ እስሕበኒ ነይሩ።
ገባር ስለ ዘይተምሃረ፡ ፊደል ስለ ዘይቈፀረ ኢላ ተግልል ውድብ ስለ ዘይኰነት፡ እቲ ሰፊሕ ህዝብና ድማ እቲ ገባር ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ድማ ደቂ ገባር ስለ ዝዀንና፡ ኣብዚ ዘለዋ ኣረኣእያ እስሕበኒ ስለ ድነበረ'የ ናብቲ ውድብ ኣትየ።
ቢቢሲ፡ 'ኣይተ ዝናቡ ናብዚ ኣመራርሓ እዚ ይምፃእ' ዝብል እማመ ካብ ህወሓት ድዩ ቀሪቡ?
ኣይተ ዝናቡ፡ እወ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ይዀን'ዩ እዚ እማመ ዝቐረበ። እቲ ፕረዝደንት [ግዝያዊ ምምሕዳር] ድማ ተቐቢልዎ።
ቢቢሲ፡ ብ21 ነሓሰ 2017 (ኣቈፃፅራ ግእዝ) ናብ ማይጨው ከይድካ ስራሕኻ ካብ ትጅምር ኣበየኖት ከባብታት ህዝባዊ መድረኻት ኣሳሊጥካ ኣለኻ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ከም ዞባ ብዙሓት ምድንጋራት ስለ ድፀንሑ ስቕ ኢልኻ ቀልጢፍኻ ናብቲ ናይ መንግስቲ ስሩዕ ስራሕቲ ምእታው ኣገዳሲ ኣይኰነን። መጀመርታ ኣብቲ ዘሎ ኵነታትን ኣካይዳታትን ምርድዳእ ስለ ዘድልይ፡ ናብ ህዝቢ ወሪድኻ ምስ ህዝቢ ምምኽኻር ፅቡቕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ራያ ከም ሓደ ዓብይ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ምስቲ ሓፋሽ ክትመያየጥ ኣለካ። እቲ ሓፋሽ ዝብለካ ሰሚዕኻ ተረዳዲእኻ ኢኻ ክትሰርሕ ዘለካ፡ እምበር ስልጣን ስለ ድተውሃበኒ ኢልካ ትኸዶም ነገራት ኣይህልውይ።
ካብዚ ብምብጋስ ናብ ራያ ጨርጨር፡ ከተማ ኣላማጣን ራያ ኣላማጣን፡ ከተማ መኾኒን ወረዳ ራያ ዓዘቦን፡ ኣብቲ ናይ ቆላ ክላስተር ዝበሃል ምስ ህዝቢ መድረኽ ፈጢርና ኣለና። ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ዶግዓ ክላስተር፡ ኣብ ማይጨው፡ ኮረም፡ ኣላጀ ዝሓዙ መስመራት መድረኻት ክነካይድ ኢና።
ቢቢሲ፡ ንስኻን ምሳኻ ዝተሾመን ምኽትልካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ማይጨው ኣብ ትኣትውሉ ብዕጡቓት ተሰኒኹም ቤት ፅሕፈት ሰይርከም ከም ዝኣተኹም'ዩ ዝግለፅ። ኣብ ማይጨውን ከባቢኡን'ውን ጎንፂ ከም ዝነበረ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ እዩ። ንምንታይ ኢኹም ብሓይሊ ክትኣትዉ ደሊኹም?
ኣይተ ዝናቡ፡ ብሓይሊ ኣቲውኹም ዝብል ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ከተማ ልዕሊ ኵሉ ተወሊደ ድዓበኹሉ ስለ ድዀነ ድስከፎ ነገር የለይ። ኣነ ቅድሚ ናብዚ ሓላፍነት ምምፀአይ ኣብ ሰራዊት ኣብ ምግዳል ድነበርኹ ሰብ'የ። ስለዚ፡ እቶም ሒዘዮም ዝመፃእኹ ሓይሊ፡ እቶም ኣብ ሰራዊት ምሳይ ዝነበሩ'ዮም። ቅድሚ ናብዚ ሓላፍነት ምምፀአይ ሰለስተ ሓለውቲ ነይሮምኒ፡ ንዕኦም እየ ሒዘ መፅየ። ናብዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ተመደብኹ ድተወሰኸለይ ሓለዋ የለይ።
ቢቢሲ፡ ካብዞም ትብሎም ዘለኻ ሰለስተ ናይ ሓለዋ ዕጡቓት ብዝዘለለ፡ ሰራዊት ዝሓዛ ኣርባዕተ ፓትሮል ከም ዝኣተዋ፣ ኣብ ከባቢ ኣላጀን ዩኒቨርሲቲ ራያን ጎንፂ ከም ዝነበረ፣ ናይ ጎማ ምቅፃላትን መንገድታት ምዕፃውን'ውን ከም ዝነበረ ምንጭታትና ገሊፆምልና። እዚ ምስቲ ትብሎ ዘለኻ ኣይራፀምን?
ኣይተ ዝናቡ፡ ኣይራፀምይ። እቲ ዝነግረኪ ዘለኹ እዩ እቲ ሓቂ። ናህተይ ሰለስተ ሓለውቲ፡ እቲ ምሳይ ድመፅአ ምኽትለይ ድማ ክልተ ሓለውቲ ኣለውዎ። ነዚኦም ኢና ሒዝና መፂእና። እቶም ካብ ክልል መፅዮም ዝበሃሉ፡ 10 ኣባላት ፖሊስ'ዮም። እዚኦም ድማ ነቲ ናይ ርኽክብ ስርዓት ስሩዕ ንምግባርን ንምርግጋፅን ዝመፅኡ'ዮም።
እቲ ናይ ፓትሮል ምንቅስቓስ ዝበሃል ጌጋ እዩ። ኣብዚ ኣብ ከተማ ማይጨው ሰራዊት ኣለዉ፤ መቐመጢኦም ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪት እዩ። እተን ፓትሮል ገለ ዝበሃላ ኣብዚ ከተማ እየን ዘለዋ፡ ሕዚ'ውን ኣለዋ እየን። ነቲ ከተማ ናይ ምርግጋዕ ሓላፍነት ናህቶም እዩ። ኣይኰነን ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዎ ዝግበር ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ፡ ኣብ ዝዀነ ኣኼባ እኳ ልዕሊ ፖሊስ ዝዀኑ ነገራት ከይህልዉን ዝዀነ ነገር ከየጋጥምን እቲ ሰራዊት ሓለዋ ይገብር እዩ።
እቲ ጎማ ምቅፃል ዝበልኽዮ ድማ 11፡30 ወጋሕታ መን ከም ዘቃፀሎ ዘይፍለጥ ኣብ ማእኸል ኣስፋልቲ ኣቃፂሎም እዮም። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ማይጨው ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ'ዩ። ቅድሚኡ ግና፡ ንሕና ኣብ ንኣትወሉ ዋላ ሓደ ጐነፅ ወይ ናብ ረፅሚ ዝወስድ ምንቅስቓስ ኣይነበረይ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ሰለማዊ እዩ ነይሩ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ።
ኣይተ ዝናቡ፡ በቃ፡ ክንኣትው እንከለና ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ ኣይነበረይ፡ ሰላማዊ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ቢቢሲ፡ እቲ ብሃፍቱ ኪሮስ ዝምራሕ ካቢኔ ኣብ ስራሕ ከም ዝነበረ እዩ ዝግለፅ። እንድሕር ስሩዕ ምርኽኻብ ዘይተገይሩ ብኸመይ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣቲኹም?
ኣይተ ዝናቡ፡ ንሕና ኣብ ዝኣተውናሉ፡ ንሶም ወፅዮም'ዮም ነይሮም። ገና ካብ መቐለ ይመፅኡ ኣለዉ'ያ ምስ ተብሃለ ወፅዮም ፀኒሖም። እቶም ፖሊሳት ዘድለይሉ'ውን በዚ ምኽንያት'ዩ። ስለዚ፡ ንሕና ሰይርና ክንኣቱ ስለ ዘይግባእን ንኣትዎ ህንፃ ይዅን ንርከቦ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ስለ ድዀነይ፡ ናይ ህዝቢ ሕጊ ደኽብር ፖሊስ ኣሎ።
ስለዚ፡ ፖሊስ እታ ቢሮ ፈቲሹ ኣብታ ቢሮ ድነበራ ንብረታት ብፋይል ሒዙ፣ ዓበይቲ ዓድን ኮምዩኒቲ ፖሊስን ዝርከብሉ መሰኻኽር'ውን ወዲቦም፡ ቍልፊ ካብ ዋርድያን ጠቕላላ ግልጋሎትን ኣቕሪፁ ኣረኪቡና። እቲኣቶም [ብዓል ሃፍቱ ኪሮስ] ቍልፊ ስለ ደለዎም ግን ክቕየር ስለ ደለዎ ተቐይሩ'ዩ። ሰይርና ከም ዘይኣተና ግና ንዓበይቲ ዓዲ ኣርኢና ኢና።
ቢቢሲ፡ ንስኹም ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣብ ዝኣተውኹምሉ፡ ዓበይቲ ዓዲ 'ግደፉ' ኢሎም ክምሕፀኑ ናባኹም መፂኦም ነይሮም።
ኣይተ ዝናቡ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ምስ ኣተውና ብፅባሒቱ እዮም መፅዮም። ብዝሖም ከባቢ 86 ይዀኑ እዮም። 'ቅድሚ ሕዚ ምስ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝገበርናዮ ምይይጥ ቈፀሮ ነይሩና እዩ። ምይይጥ እንከይወዳእና'ዩ፡ ኣብ ማእኸል ምድብ ኣካይዱ። ናብ ጐነፅ ከይትኣትዉ፡ ሓይሊ ከይትጥቀሙ' ዝብሉ ናይ ወላዲ ምኽሪ እዮም ኣቕሪቦም።
እታ ምስ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዘይተወድአት ቈፀሮ ትብልዋ፡ ምስኡ ኢኹም ትውድኡ ንዓና ኣይምለከተናን። ንሕና ናብዚ ሓላፍነት ተመዲብና መፂእና፡ ክንገብሮም ዝግበአና ኢልኹም ዝነገርኹምና ግና ክንወስድ ኢና፡ ወለድና ክንሰምዕ ኢና ኢልና ኢና ሰኒናዮም።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ባዕልና ብዝመረፅናዮ'ምበር ህወሓት ብዝመደበልና መሪሕነት 'ብኣፈሙዝ ኣይንመሓደርን፡ መሰል ዓርሰ ምሕደራና ይረጋገፀልና' ዝብሉ ተቓውሞታት ኣብ ዝሓየልሉ፡ ኣብ ማይጨውን ከባቢኣን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ'ውን፡ ሰልፈኛታት ብፍሉይ ብስምካ ብምፅዋዕ 'ውፀልና' ክብሉ ኣብ ዝተርኣይሉ እዋን ኢኻ፡ ናብዚ ሓላፍነት እዚ መፂእኻ ዘለኻ እሞ፡ ንስኻ እዚ ስልጣን ንምንታይ ኢኻ ደሊኻዮ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ካብቶም መደናገርቲ ኣጀንዳታት ሓደ እዚ እዩ። እዚ መሰል ዓርሰ ምሕደራና ይረጋገፅ፡ በዓልና ብድመረፅናዮ ኢና ንመሓደር ዝብሉ፡ እሊ ሃፍቱ'ውን ይዛረብዎ'ዮም። እቶም እሳቶም ብስምዒት ዘውፅእዎም ሰልፈኛታት'ውን ይዛረብዎ'ዮም። ንሕና ናይ ከተማ ማይጨው ወይ መኾኒ ከንቲባ ኴንና ኣይኾናይ መፂእና፤ ኣመራርሓ ዞባ ኴንና ኢና ተመዲብና። ዞባ ድማ ብናይ ከተማታት ወይ ወረዳታት ዝጣየሽ መሓውር ኣይዀነይ። ኵሉ ግዘ ዞባ ናይቲ ፕረዚደንት ውክልና ሒዙ ነተን ወረዳታት 'ሞቢላይዝ' ንምግባር፡ ብቐረባ ወረዳታት ንምድጋፍ ዝተጣየሸ፡ ናይቲ ፕረዚደንት 'ስትራክቸር' [መዋቕር] እዩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ቢቢሲ፡ ንዓኻ ግና ህወሓት'ዩ ሓርዩካ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ድማ ነዚ ናይ ህወሓት እማመ ተቐቢሉ ኣፅዲቕዎ። ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ነቲ ዝነበር ግዝያዊ ምምሓዳር ኣፍሪሱ ናይ ባዕሉ ኣመራርሓ ዝተክአ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኢኻ ንስኻ'ውን ናብ ስልጣን መፂእኻ ዘለኻ። ህዝቢ ኣይደልን እንተ ኢሉስ፡ ብኸመይ መልክዑ ኢኻ ነዚ ከም ምኽንያት ተምፅኦ ዘለኻ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ህዝቢ ዝበሎ ኣይኰነን። ንህዝቢ ኣደናጊሮም ዝበልዎ እዩ። ሓደ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፕሪቶርያ እዩ ተጣይሹ፤ ዞባን ወረዳን ቅድም ብዝነበሮ ኵነታት እዩ ዝቕፅል። እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ሰብ፡ ናህተይ ወኪል እዩ ንዝበሎ ሰብ ዝምድበሉ መሓውር እዩ። ዝተቐየረ ሕጊ የለን፣ ዞባን ወረዳን ብናይ ህወሓት'ዩ ክኸድ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ዘለዋ 14 ወረዳታት እተን 12 ወረዳታት፡ 'ዝተኻየደ ናይ ህወሓት ጉባኤ ኣይውክለናን' ብምባል ውክልነአን ኣልዒለን እየን። ካብታ ዕለት ንሳ ጀሚሩ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣንፃር ህወሓት ተቓውሞታት ተራእዮም እዮም።
ኣይተ ዝናቡ፡ ሓደ እቲ ጉባኤ ህዝቢ ወሲንዎ ኣይኰነን - ጉባኤ ናይ ህወሓት እዩ። ስለዚ፡ ጉባኤ ኣይንኸድይ ክብሉ ዝግበኦም ናይ ህወሓት ኣባላት'ምበር ናይ ዞባ ደቡብ ህዝቢ ብምሉኡ ኣይዀነይ። ኣብቲ ዞባ 36,000 ኣባላት ህወሓት ኣለዉ። እቲ ኣባል ድማ ተኣኪቡ ከይውስን፡ ናብ ጉባኤ ከይኸድ ዝዓፈንዎ እቶም ዞባ እዮም፡ 'ሆስተጅ' ገይረሞ እዮም። ህዝቢ ዞባ ደቡብ ግና ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝፀር ህዝቢ እዩ። ስለዚ፡ ከም ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ኣይተወከልናይ፡ ካብ ጉባኤ ተዓፊንና ዝበሃል ጌጋ እዩ።
ቢቢሲ፡ እቶም ኣንፃር ህወሓት ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞኸ?
ኣይተ ዝናቡ፡ እንድሕር ኣደናጊረሞ ደኣ፡ የምስል እኮ እዩ። ተቓውሞታት ኣይኸሓድኹይ፡ ግና እቶም ተቓውሞታት ዝካየድሉ ዘለዉ መበገሲ፡ ካብ ምድንጋር ዝተልዓሉ እዮም እየ ዝብለኪ ዘለኹ።
ቢቢሲ፡ ህዝቢ እዚ ዝመፅአ ምምሕዳ ኣይውክለንን'ዩ እንተበለኸ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ምቅዋም ሕዚ ዝተጀመረ ኣይዀነይ። ንዅሉ ሰብ ከተሕጕስ ኣይትኽእልይ። ንሕና ሕዚ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ስለ ደየውፃእና፡ ተቓወምቲ ድዀኑ ሰባት ስለ ድወፅኡ፡ ህዝቢ ተቓዊምኩም'ዩ ኣይተቐበለኩምይ ክበሃል ኣይኽእልይ። ስለዚ፡ እተን ምስ ታደሰ ኣይወዳእናዮን ዝብልዎ ጉዳይ እንድሕር ሃልዩ፡ ምስኡ እዮም ዝውድኡ ንዓና ዝምልከት ጉዳይ ኣይዀነይ ማለተይ እየ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ኢኹም ከተመሓድርዎ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ቍፅሪ ሓደ ንሰርሖ ስራሕ፡ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ'ዩ ክኸውን። ካብቲ ብ21 ክንኣቱ እንከለና ዝነበረ መንፈስ፡ ሕዚ ኣዐርዩ ዝተቐየረ'ዩ። እቲ ሰራዊት ዝበሃል፡ ብዝሑ ርብዒ ናይቲ ህዝቢ ኣይኸውንን። ብሓይሊ ድመሓደር ወይ ብሓይሊ ድግበር ዋላ ሓደ ነገር የለይ። ኣሕና እተን ሓቅታት ኣቐሚጥና፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ፡ ነቲ ህዝቢ ከደናግረለን ድፈተነን ነገራት እናብራህና ኢና ንኸይድ ዘለና። ካብአን ወፃኢ ካልኦት ድተኸተልናዮ መንገዲ እንተ'ልዩ ክንእረም ኢና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ከተማ ጨርጨር ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስራሕኻ ኣብ ዘካየድኻዮ መድረኽ፡ "መንግስቲ ከም መንግስቲ ተልቕየም፡ ህወሓት ከም ህወሓት ተልቕየም፡ ዝተርፍ ሰብ ኣይህልይ። ብዙሕ በደላት በፂሑ'ዩ። ኣብዚ ከም ተወለድቲ ጨርጨር ምስ ኵሉ ሰብ ብዝፈፀሞ ፀገም ኣሳዲድና ክነፀባፀብ ኣይንደልይ፡" ኢልኻ ኣለኻ።
ኣይተ ዝናቡ፡ እወ።
ቢቢሲ፡ እዚ ዘረባኻ፡ ህዝቢ ንህወሓትን መንግስትን ኣቐይሙ፡ ህወሓት ድማ ሓዳግ ኰይኑ ገዲፍዎ'ምበር ዝብል ትርጕም'ዩ ዘለዎ። ካብ ምንታይ ተበጊስካ ኢኻ ነዚ ክትብል ክኢልካ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ከም ኣረዳድኣና እዩ። ኣብቲ ኣደራሽ ዝተልዓሉ ሕቶታት ነይሮም። ካብቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ተደጋጊሙ ድተልዓለ፡ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መሪሕነት ኸዚ'ውን ኣብ ስራሕ ዘሎ፡ ኣብ ዞባ ይዅን ኣብ ወረዳ ድነበሩ ውልቀሰባት በዲሎምና፡ ኣሲሮምና፡ ንብረትና ወሪሮምና፡ ጨፍጪፎምና ዝብሉ ተደጋጋሚ ሕቶታት ተላዒሎም። ከም መፍትሒ ድማ እቲ ተሳታፋይ ባዕሉ 'ክእሰሩ ኣለዎም፡ ካብ ሓላፍነቶም'ውን ክለዓሉ ኣለዎም፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ወረዳ ዘለዉ' ዝብል ኣልዒሉ። ድዚኣ ኢና መብርሂ ሂብና።
ኣሕና ከም ኣመራርሓ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዙሕ ድበደልናዮ ነገር ይህልይ። ኣነ ሕዚ ናብ ዞባ ኣመሓዳሪ መፅየ ኣለኹ፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኻልእ ቦታ ኰይነ፡ ዘጥፋእኽዎ ጥፍኣታት ይህልይ እዩ። እቲ ውድብ ግን ነቲ ሽዑ ዘጥፋእኽዎ ጥፍኣታት ስለ ደይቐፅዐኒ፣ ስለ ዘየባረረኒ ግን ሕዚ ናይ ምቅላስ ዕድል ረኺበ ድኣኹም ይመርሐኩም ኣለኹ። ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ መሪሕነት ትማሊ በዲሉና'ዩ ብዝብል፡ እንድሕር ኣባሪርናዮ ወይ ኣሳዲድናዮ፡ ፅባሕ ክሕግዘና ዝኽእለሉ ዕድል ኢና ነጥፍእ ዘለና። ስለዚ፡ እቲ ውድብ ተልቕየም ነይሩ፡ ኵላህትና ናብዚ ብርኪ እዚ ኣይምመፀናይ፡ ክንቃለስ ዕድል ስለ ዝሃበና ኢና ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሕና ዝብል መልእኽቲ እየ ኣሕሊፈ።
ህዝቢ ደኣ እንታይ ገይሩ? ኣሕና እንዲና ኣብ ስልጣን ዝነበርና ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብዙሕ ሽግር ንፈጥር'ለና። ግና ንሕድሕድና ክንተሓዳደግ ኣለና፡ ናተጠላለፍና ክንኸድ የብልናይ እየ ኢለ። እቶም ሕዚ ሕማቓት ዝበሃሉ ሰባት፡ እንድሕር ዕድል ሂብናዮም ፅባሕ ፅቡቓት መገልገልቲ ክዀኑ እዮም። እንተዘይዀይኑ ክሳራ እዩ ኢለ፤ እቲ መልእኽቲ ተቘሪፁ ስለ ድወፅአ ግና ናብ ኻልእ ተሰንጢቑ።
ቢቢሲ፡ ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማ መኾኒ ገፆም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት ተዋፊሮም፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ከም ዘእተውዎ ዝገልጹ ሓበሬታት ኣለዉ። ህላወ እዞም ዕጡቓት ኣብዘን ከተማታት ክሳብ መዓዝ እዩ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ሓደ እቲ ሰራዊት ዝተጣየሸሉ ዕላማ ይፍለጥ እዩ። ትግራይ እኮ ክሳብ ሕዚ ኣብ ክባን ዕፅዋን እያ ዘላ። ካልኣይ መኾኒ፡ ማቻረ፡ ጨርጨር ድበሃሉ ከባብታት፡ ካብ ከባብታት ዓፋር እናኣተዉ ቅድሚ ሕዚ ህፃናት ዝተቐተልሉ እዩ። ብተደጋጋሚ ዓበይቲ ዝበሃሉ ገበናት ዝፍፀምሉ ከባቢ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ህዝቢ ካብ ደገ ንዝመፅኦ ናይ ፀጥታ ፀገም ውሑስ ንምግባር እዩ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ዓሪፉ።
ቢቢሲ፡ ሰራዊት ገፆም ተሸፊኖም ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሮም ይበሃል?
ኣይተ ዝናቡ፡ ኣብዚ ናይ መኾኒ ክስተት፡ እወ ርኢናዮም ኢና። ግና ንሶም ገፆም ዝተሸፈንሉ ምኽንያት፡ እቲ ከባቢ ብጣዕሚ ኣቦራ እዩ፡ በተለይ ኸዚ። ማይን ኣቦራን ዝፈራረቐሉ ግዘ ስለ ዝዀነ'ዮም ተሸፊኖም።
ቢቢሲ፡ ኮለኔል ትንሳኤ ብርሃነ (ወዲ ብርሃነ) ዝመርሖ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኣርሚ ሓይልታት ትግራይ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ገፆም ሸፊኖም ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈፂሞም እዮም፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት እናተኸታተልናዮ ስለ ዝመፃእና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወይ ኣብ ቅነ ኣሸንዳ ዝተፈለየ ኵነታት ኣየር ተፈጢሩስ ዶረና ንምክልኻል ብዝብል ገፆም ክሽፍኑ ኣይኽእሉን።
ኣይተ ዝናቡ፡ ኖኖ ኻልእ መበገሲ የብሎምን። እቲ ሰራዊት እኮ ኣብ ፅርግያ ገፁ ተሸፊኑ ዋላ እንተ ራእኽዮ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ ገዛ እዩ ድሓድር፣ ናይ ህዝቢ እንጀራ'ዩ ድቅለብ፣ ናይ ህዝቢ ማይ'ዩ ድሰትይ። ስለዚ፡ ንህዝቢ ብዝፈተፈለየ ንምርዓድ ኢሉ ድሽፈነሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለይ። ብስነምግባር ፀጥታ መሰረት ሰራዊት ኣብ ከተማ ሓላፍነት ስለ ዝወስድ ክሽፈኑ የብሎምን ዝብል ግና የረዳድአና እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መኾኒ ምስ ምሊሻታት ብዝተሓሓዝ ህይወት ዝሓለፈሉ፡ ላዕለዋት ሓለፍቲ ሓይሊ መብራህቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝተዋፈሩ ሰራዊት ናብ በረኻ ተወሲዶም ዝተወቕዕሉን ክስተታት ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ድማ ሓሙሽተ ሰባት ተጐዲኦም እዮም። ካብዞም ክስተታት እዚኦም ብምብጋስ፡ እቲ ሰራዊት ገፁ ተሸፊኑ ዝተዋፈረ ዶረና ንምክልኻል እዩ ክበሃልዶ ይከኣል?
ኣይተ ዝናቡ፡ ጉልበት ምጥቃም የለይ እናበልኹ ኣይዀንኹይ፡ መናእሰይ እዮም። እተን [ዝጠቐስክየን] ክስተታት ኰነ ኮለኔል ቴንሽን [ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ ራያ ዓዘቦ] ንምትሓዝ ዝነበረ፡ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣቦ ገረባት ብምዃን ብዕርቂ ተወዲኡ እዩ። ምስ ኣቦ ገረባት ድተወደአሉ ድማ እቶም ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ከምኣ ዝገበሩ ስለ ድተፈለጡ እዩ።
ቢቢሲ፡እዞም ዝተዋፈሩ ብዘይ ትእዛዝ ከምዚ ዓይነት ስጕምትታት ክወስዱ ይኽእሉ ድዮም?
ኣይተ ዝናቡ፡ብዘይ ትዝዛዝ ድግበር ነገር እኮ የለይ። እቲ ንህዝቢ ንምርዓድ ተሸፊኖም ዝብል ግና ጌጋ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ እቲ ብጌታቸው ረዳ ይምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝፈረሰሉ፡ ኣቦ ወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚኣል ናብ ደቡብ ትግራይ'ውን ንምእታው ምድላዋቶም ከም ዝወገኑ ብወግዒ ገሊፁ'ዩ። ህወሓት፡ ብብረት ተሰንዩ ዝወስዶ ስጕምቲ ትኽክል እዩ ኢልኻ ድኻ ትኣምን? ኣብዚ ዘለካ ቅዋም እንታይ እዩ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ብሓይሊ ዝፈረሰ ነገር የለይ። ኣብ ዞባ ደቡብ ብሓይሊ ምፍራስ እንተዝድለይ፡ ሓደ ዓመት ምፅባይ ኣይመድለየን። ውድብ ከም ውድብ መንግስቲ ከም መንግስቲ ሓደ ዓመት ድኣክል ተፀሚሙ እዩ።
ቢቢሲ፡ ከባብያዊ ሚሊሻን ውዳበታት መናእሰይን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣንፃርኹም ከም ዝተልዓሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሎ። ምስቲ ናትካ ምምሕዳር ዝተዋፈረ ዕጡቕ ሓይሊ'ውን ኣሎ። እዚ ኵነታት ካብ እምቢታ ሓሊፉ ናብ ዝኸፍአ ዕግርግርን ረፅምን ከየምርሕ እትወስዶም ስጕምቲታት ኣለዉዶ?
ኣይተ ዝናቡ፡ ሓደ እቶም ዕጥቂ ኣቕኒዖም ድበልኽዮም፡ ኣሕና ናብዚ ብምምፃእና ዘይኰኑስ ቅድም ኢሎም ዝወፅኡ ዝዀረዩ ኣለዉ። ንሕና ምስ መፃእና'ውን ካብ ከባቢኦምን ዝሰርሕሉ ትካልን ዝወፅኡ ዝተወሰኑ ሚሊሻታት ኣለዉ። ምኽንያቶም ድማ 'ዕጥቅኹም ከርግፈኩም'ዩ' ስለ ድተብሃሉ እዩ። እዚኦም ናይ ምምላስ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና። ትማሊ (ብሰንበት) ከባቢ 34 ዝኾኑ ሚሊሻታት ዕጥቂ ከም ዘየፍትሕ ምስ ፈለጡ ናብ ምምሕዳሮም ኣትዮም ኣለዉ። ካብኡ ናብ ረፅሚ ከይንኸድ ብዝተኽኣለ መንገዲ እናተጠንቀቕና ኢና ንኸይድ ዘለና።
ምስ ናይ ውልቀይ ዘተኣሳሰርኽዮ፡ ኣነ ብናይ ውልቀይ ውሳነ ኣይዀንኹይ እኮ ናብዚ መፂአ። ኣነ እዚ ከባቢ ተወሊደሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብዚ እየ ነይረ፤ ካብዚ እየ ናብ ክልል ከይደ። ሕዚ ድማ ካብ ክልል ዳብዚ መፂአ ኣለኹ። ኣብዚ ዞባ እዚ ዘለዉ ፀገማት ክንዲ ዝከኣል ንምፍታሕ ክሕግዝ እኽእል እየ ኢለ ስለ ዝኣመንኹ እየ፡ ናይ ውድብይ መንግስትይ ልኡኽ ሒዘ ዳብዚ መፂአ። ካብ ናይ ባዕለይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ተበጊሰ ኣብ ውልቀሰባት ድገበርኽዎ ሕማቕ ስጕምቲ ዀነ ዘጋፈዕኽዎ ሰብ የለይ። ከምኡ ዓይነት ሰብ'ውን ኣይዀንኩይ። በቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ ግና፡ ምንም ዘናስሐኒ ነገር የብሉይ።
ቢቢሲ፡ የቐንየለይ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







