ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ 'ድኽመት ሕጊ' ዶ ወይስ 'ማሕበረሰባዊ ቅልውላው'?

ሄቨን ዓወት፡ ዘውዱ ሃፍቱን፡ ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ኣዳነሽ ኣብርሃ፡ ካሚላት መህዲ፡ ሃና ላላንጎ፡ መዓዛ ካሳ፡ ፋጡማ ኡጋስ፡ ኣያንቱ ሙስጠፋ፡ ኣዳናዊት ይሄይስ፡ ጫልቱ ኣብዲ...
እዚአን ኵለን ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ድማ ይርከባ።
እታ ጓል 7 ዓመት ሄቨንን እተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና እየን።
ሄቨን ብቐረባ ሰብ እያ ተዓሚጻ ተቐቲላ። ሃና ላላንጎን ፋጡማ ኡጋስን ድማ ብጭካነ ብጕጅለ እየን ተዓሚጸን ተቐቲለን።
ኵለን እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣይፋለጣን። ዘጋጠመን በደል ግን ንዅለን ዘመሳስለን ነገር እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዘጋጠመ ግጭታት፣ ኲናት ሓድሕድን ምጥሓስ ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ዘጋደደ እዩ።
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣረሜናዊ ኲናት ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ከምዝተጠቕመ ሕቡራት ሃገራት ዘመልከቶ ነገር እዩ።ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት እውን ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ደው ኣይበለን።
ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ዝዋግኡሉ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ገበናት ዓመጽ እናወሰኸ ከምዝመጸ ኮሚሽን ፖሊስ ክልልን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት ኣመልኪቶም እዮም።
ይዅን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ኲናትን ግጭትን ጥራይ ዘጋጥም ኣይኰነን። ጎንጺ ኣብ ዘይብሉ እዋን እውን እንተዀነ ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ዘይወርደን እዩ።
ካልእ መጥቃዕቲ. . . ካልእ ስግኣት. . .
ኣዳናዊት ይሄይስ ክትቅተል እንከላ ጓል 17 ዓመት’ያ ነይራ። ጓል ዓሰርተ ዓመት እንከላ ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰብኣይ ኣዲኣ ተዓሚጻ’ያ።
ኣብ 2015 እቲ ፈለማ ዘጋጠማ ዓመጽ ካብ ኣደኣ ጀሚሩ ፖሊስ ክፈልጡ ክኢሎም ነይሮም።
ፖሊስ ነቲ ተኸሳሲ ንምእሳር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ እቲ ሚካኤል ሽመልስ ዝበሃል ገበን ከም ዝፈጸመ ዝተጠርጠረ ሰብ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ።
ድሕሪ ሰዓታት እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ ነታ ምስ ኣደኣ ዝነበረት ኣዳናዊት ይሄይስ "ናብ ፖሊስ ጠቝምኪ ዘዋርድካኒ ንስኺ እኺ" ብምባል ብኻራ ወጊኡ ቀቲልዋ።
እዚ ፍጻመ ምስ ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዙሕ ተመሳሳልነት ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ዓመጽ ስለዝተዛረባ ጥራይ ህይወተን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ’ዩ። ናይ ቀረባ ኣዝማዶም እውን ከይተረፉ ንድሕነቶም ይፈርሑ’ዮም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ውላዳ ብኣከራዪ ገዛኣ ተደፊራ ዝተቐትለት ኣበቅየለሽ ኣደባ ሓንቲ ኣብነት እያ።
ጓል 7 ዓመት ሄቨን ዓወት እትበሃል ጓላ ዝቐተለ ጌትነት ባየ ብዝብል ዝፍለጥ ውልቀሰብ፡ ብኣኽበርቲ ሕጊ ቅድሚ ምኽሳሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ እዩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣበቅየለሽ ምስ ካልኣይቲ ጓላ ክትሕባእ ተገዲዳ እያ።
ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣባላቶም ሓራ ንምውጻእ ናብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም ድሕሪ ምእታዎም፡ ጌነትት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።
እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠ ጌትነት ብረት ተዓጢቑ ንኣደ ሄቨን ክደሊ ጀሚሩ። ዳግም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክሳብ ዝኣቱ ድማ ወርሒ ኣቝጺሩ ነይሩ።
ሓይልታት ጸጥታ እታ ከተማ ዳግም ኣብ ምእሳር እቲ ጥርጡር ሸለልትነት ከምዘርኣዩ እትዛረብ ኣበቅየለሽ እቲ ጥርጡር ዳግማይ ክእሰር ክትልምን እንተጸንሐት’ኳ ኣብ ሞንጎ እዚ ግን ጌትነት ከፈራርሓ ጀሚሩ።
ኣበቅየለሽ ውሕስነት ከይስምዓ ገይሩ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝነበረ ዓመት ብተደጋጋሚ ገዛውትን ስራሕን ክትቅይር ነይርዋ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ጥሪ፡ መኣዛ ካሳ ዝተበሃለት ኣደ ኽልተ ቈልዑ ብመሳርሕታን ብኻራ ተቐቲላ’ያ። ንኽልተ ኣዋርሕ ሕክምና ክትከታተል ድሕሪ ምጽንሓ ድማ ካብዛ ዓለም ተፈልያ።
ንመኣዛ ሞት ዘስዓበላ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንሕክምና ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ኣምሊጡ እዩ። ብድሕሪኡ ብተሌፎን እናደወለ ንስድራኣ ከፈራርሕ ከምዝጸንሐ ይንገር።
እዚ ኣብ ትካላት ጸጥታ ዝርአ ሸለልትነት ተባሂሉ፡ ኣብ ስድራቤታት ግዳያት ዝያዳ ሓደጋ የስዕብ ከምዘሎ ይንገር።
ገበነኛታት ተፈሪዶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታዎም ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ካብ ቤት ማእሰርቲ ይወጹ ከምዘለዉ ብዙሓት ይዛረቡ።
ናይዚ ኣብነት ቅድሚ 17 ዓመት ኣብ ልዕሊ ካሚላት መህዲ ኣብ ዋዜማ ልደት ብኣሲድ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ዝተፈረደ ገበናዊ ጉዳይ እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ሓላፊ መርመራታት ብልሽውና ፖሊስ ፌደራል ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር ታደሰ ኣያሌው፡ "ብዙሕ ግዜ ተኣሲሩ'ዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተደጋጋሚ መርመራታት ኣካይዱ'ዩ፡ ናብ ፍርዲ ከቕርቦ ዝኸደሉ ኣገባብ ግን ቅኑዕ ኣይነበረን" ክብል ንመደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ ዝወሃብ መቕጻዕቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ ንኽብርኽ ምኽንያት ከምዝዀነ ክኢላታት ሕጊ ይሕብሩ።
ካሚላት መህዲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት "መጥቃዕተይ ከም ዋዛ፡ ንኻልኦት ሕማቕ ኣብነት እዩ ነይሩ። ሕጂ መጥቃዕቲ ኣሲድ ከም ንቡር ተወሲዱ ክሳብ ብርሃን ዓይኒ ምጥፋእ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ግዚኡ ዘይምለስ ውሳነ እንተዝወሃብ ነይሩ፡ ሎሚ ብናይ ኣሲድ መጥቃዕቲ ኣይምተሳቐናን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።
መብዛሕትኡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘመሳስሎ ነገር እንተሃልዩ፡ እቶም ገበናት ዝፍጸሙ ብናይ ቀረባ ሰባት ምዃኖም እዩ።
ዶክተር ስህን፡ "እዞም ኣብ ማሕበረሰብና ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋትና፡ ኣቦታትናን ፈተውትናን እዮም። ካብ ካልእ ቦታ መጺኦም ዝዓመጹ ኣይኰኑን" ትብል።
‘ኣብ ሕጊ ዘለዉ ሃጓፋት ሓደ ሓደ ግዜ ተስፋ ዘቝርጹ’ዮም’
ቢቢሲ ቃለመሕትት ዝገበረሎም ጠበቓታትን ተጣበቕቲን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ዘለዉ ሃጓፋት ጾታዊ ዓመጽ ንኽውስኽ ምኽንያት ከምዝዀኑ ይጠቕሱ።
መስራትን ዳይረክተርን ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ዶክተር ስህን ተፈራ፡ "ኣብ መስርሕ ፍትሒ ዓቢ ክፍተት ኣሎ" ትብል።
ዶክተር ስህን "እቶም ገበነኛታት ብሓቂ እንተዝሕዙ፡ ብሓቂ እንተዝቕጽዑ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ እዚ ዅሉ ሃጓፋት ኣይምሃለወን፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ናብ ፖሊስ ምስ ዝሕብራ ዝረኽብኦ ምልሽ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። ፖሊስ የላግጹለን፤ ፋይል ንምኽፋት ዘይድልዉነት ኣሎ። ሕጻናት ተደፊረን ክኸዳ እንከለዋ ዘይምእማን ኣሎ።"
ኣብ መንጐ ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕጊን "ዓቢ ክፍተት ኣሎ" ትብል እታ ዶክተር። እዚ ክፍተት እዚ፡ ኣብ መርመራ ገበናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘይምስምማዕን "ሞጐትን" ከምዘስዕበ ወሲኻ ትገልጽ።

ጠበቓን ኣማኻሪ ሕጊ ኣዲስ መሓመድን እውን "ኣብ መስርሕ ፍትሒ ሃጓፍ ኣሎ" ኣብ ዝብል ርእይቶ ትሰማምዕ። ንሸሞንተ ዓመታት ዓቃቢ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኰይና ዝሰርሐት ኣዲስ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ድንጋገታት ሕጊ ገበን "ክመሓየሽ ኣለዎ" ትብል።
ወሲኻ እውን፡ "እቲ ፍርዲ ኣዝዩ እንተዝመሓየሽን እቲ ገበን ክሳብ ክንድዚ ጽዩፍን ዘጠንቅቕን ናይ ምዃን ዓቕሙ ከምዝዛይድ" ዘለዋ ርእይቶ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣዲስ መሓመድ ኣብ ገበናዊ ሕጊ ክመሓየሽ ኣለዎ ካብ እትብሎ ጉዳያት፡ ድንጋገታት ብዝያዳ ንጹር ምግባር ቀዳማይ ምዃኑ ተተሓሳስብ።
ካብዚ ብተወሳኺ "ኵነታት መቕጻዕቲ እንተተመሓይሹ ናይ መጠንቀቕታ ዓቕሚ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን እዩ" ዝብል እቲ ጠበቓ ንገበነኛታት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዝውስን ድንጋገታት ሕጊ'ውን ክመሓየሽ ከምዘለዎ ይሕብር።
እታ ጠበቓ እቲ መቕጻዕቲ ምስተዋህበ እውን ኣብ ኣፈጻጽማኡ ምምሕያሽ ክህሉ ከምዘለዎ ኣመልኪታ።
"ኣተገባብራኡ ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ገበናት ተፈጺሙ እንከሎ፡ [እቲ ገበነኛ] እንተበዝሐ ንዕድመ ልክዕ እዩ ዝቕጻዕ፡ እዚ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ከይመሃር ዓጊትዎ'ዩ" ትብል።
ዶክተር ስህን፡ "ነዚ ሕጋዊ ሃጓፍ" ምምሕያሽ ጥራይ ነቲ ጸገም ይፈትሖ እዩ ዝብል እምነት የብላን።
"ኣብ ሕጊ ዝረኣዩ ድኽመታት ሓደ ሓደ ግዜ ተስፋ ዘቝርጹ እዮም" ትብል ዶክተር ስህን፡ ንባዕሉ ኣብቲ ዘሎ ሕጊ ንባዕሉ ከምዘይተሰርሓሉ ትዛረብ።
ጐድኒ ጐድኒ ጽገና ሕጋዊ ድንጋገታት ግን፡ ክውሰዱ ዝኽእሉ ስጕምትታት ከምዘለዉ ክኢላታት የስምሩ። ካብቶም በቲ ገበን ዝጥርጥሩ ክሳብ እቶም ፍርዲ ዝህቡ ሰባት "ፍሉይ ስልጠና ክወስዱ" ከምዝግባእ ድማ የተሓሳስቡ።
ኣዲስ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ሓላፍነት ዘይብሎም መርመርቲ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖም ዳያኑ ንዘይግቡእ ፍትሒ ዕድላት ይፈጥሩ" ትብል።
"እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝወርዳ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከምዘሎ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ጉድኣት ዘስዕቡ ሕቶታት ዝሓቱ ዳያኑ ኣለው" ትብል።
ወሲኻ ድማ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝምልከት "ፍሉይ ፍርዲ ክካየድ" ከምዘለዎ ተስምር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







