ወጥሪ ኢራን ኣብ ዝዓበየሉ፡ ኣመሪካ ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣን ስድራቤቶምን ካብ ዒራቕ ተውጽእ ኣላ

ፕረዚደንታት ኣመሪካን ኢራንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters / Getty Images

ብመሰረት ምንጭታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ባቕዳድ ዝርከቡ ቀንዲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካን ስድራቤቶምን ሓደጋታት ጸጥታ ብሰንኪ ምውሳኹ ካብ ዒራቕ ክወጽኡ ምዃኖም ምንጭታት መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጾም።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ነቲ ምእላይ ዝደረኸ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ኣይገለጹን፣ እንተዀነ፡ ትማሊ ረቡዕ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እስራኤል ናብ ኢራን ስርሒት ክትጅምር ድልውቲ ምዃና ከም ዝተነግሮም ሲቢኤስ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰበስልጣን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣመሪካ ንገለ ኣመሪካውያን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ዘጠንቀቐትሉ ምኽንያት፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ገለ ቦታታት ኣመሪካ ከተጥቅዕ ትኽእል እያ ካብ ዝብል ጥርጣረ ምዃኑ እቶም ሰበስልጣን ይገልጹ።

እዚ ዝረአ ዘሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ መደብ ንዩክለስ ኢራን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ደው ድሕሪ ምባሉ እዩ።

ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ብሰንበት ንሻድሻይ ዙርያ ዝርርብ ምስ ሰበስልጣን ኢራን ክራኸብ መደብ ከም ዘለዎ እቶም ሰበስልጣን ንሲቢኤስ ሓቢሮም።

ሓደ ብዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ኵለን ኤምባሲታትና ግቡእ ኣቃውማ ሰራሕተኛታት ብቐጻሊ ንግምግም ኣለና፡" ኢሉ።

"ካብቲ ዝሓለፈ ትንታነና ብምብጋስ፡ ተልእኾና ኣብ ዒራቕ ከነጕድል ወሲንና።"

ትራምፕ ብረቡዕ ኣብ ማእከል ኬነዲ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ብዛዕባ ኢራን ክዛረብ ከሎ፡ ኣመሪካውያን ካብቲ ዞባ ክወጽኡ ከም ዝተመኸሩን ሓደገኛ ቦታ ክኸውን ስለ ዝኽእልን ክብል ብምግላጽ፡ "እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ክንርኢ ኢና፡" ኢሉ።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ከም ዘይትደሊ ደጊሙ ብምግላጽ፡ "ነዚ ኣይንፈቅድን ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ቴህራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ደው ንምባል ስምምዕ ክትገብር ተስፋ ገይሩ'ሎ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ምምዕባል ዩራንየም ከተቋርጽ እያ ዝብል እምነት እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል 40 ደቒቕ ዝወሰደ ርክብ ብተለፎን ኣካዪዱ ነይሩ። እቲ ዝርርብ "ወጥሪ" ዝነበሮ ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ በንያሚን ናታንያሁ ካብ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ወተሃደራዊ ስጕምታት ክውሰድ ከም ዝመርጽ እዩ ዝፍልጥ።

እቲ ዝርርብ ንዩክለስ ኣብ ወሳኒ ህሞት ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቲ ኣመሪካ ዘውጽኣቶ መግለጺ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ድዩ ወይስ ሓቀኛ ስግኣት ኣሎ እዩ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ምኒስተር ምክልኻል ኢራን ዓዚዝ ናስርዛደ ግን፡ እቲ ዝርርብ እንተ ዘይተዓዊቱን፡ ትራምፕ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንተኣዚዙ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቒቑ።

ኣራክ ሪኣክተር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ካብ ኩዌትን ባሕረይንን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ስድራቤታት (ናይ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ) ብወለንታኦም ክወጽኡ ከም ዘጽደቐ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብረቡዕ ኣብ ቅድሚ ፓነል ኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፔንታጎን፡ ኢራን "ናብ ብዙሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝመስል ነገር ትኸይድ ከም ዘላ፡" ዝሕብር "ብዙሕ ምልክታት" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኢራን መደብ ምምዕባል ዩራንየም፡ ንስቪላዊ መዓላ ዝውዕል ጸዓት ንምፍራይ ከም ዝዀነን ኣቶሚክ ቦምብ ክትሰርሕ ከም ዘይትፍትንን እያ ትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ትካል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝውስኽ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ፡ ንጕዕዞ መራኽብ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ብረቡዕ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

እዚ ናይ ኣመሪካውያን ምውጻእ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ተሰምዐ፡ ዋጋ ነዳዲ ኣብ መጀመርታ ብልዕሊ 4 ሚእታዊት ወሲኹ።

ኣስታት 2,500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ዓስኪሮም ከም ዝርከቡ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ይሕብር።