ኣየር ካናዳ ብተምላስ ኣብ ዝጠልቀየ መንበር ኮፍ ምባል ንዝኣበዩ ገያሾ ካብ ነፋሪት ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
መገዲ ኣየር ካናዳ፡ ክልተ ገያሾ ብተምላስ ኣብ ዝጠልቀየ መንበር ኮፍ ምባል ድሕሪ ምእባዮም ካብ ነፋሪት ምውራዱ ይቕረታ ሓቲቱ።
ካብ ላስ ቬጋስ ናብ ሞንትርያል ኣብ ዝነበረ በረራ ዝነበረት ሱዛን ቤንሰን፡ እቲ ፓይለት ነቶም ገያሾ ምዕዝምዛም እንተቐጺሎም ካብ በረራ ክእገዱ ምዃኖም ከምዘጠንቀቖም ሓቢራ።
ንሳ ወሲኻ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ነቲ “ሕማቕ ጨና” ንምሽፋን ሽቱ ከምኡ’ውን ጥሑን ቡን ከምዝገበሩሉ ገሊጻ።
ኣየር ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ገያሾ “ብርግጽ እቲ ዝግብኦም ክንክን ኣይተገበረሎምን፡” ኢሉ።
ሱዛን ብፌስቡክ ኣብ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ “ፈለማ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጥናን ኔርና፤ ደሓር ግና ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ በረራ ሓደ ሰብ ኣምሊሱሉ ምንባሩ ተረዲእና።
“እታ ኣሳሳዪት ይቕሬታ ብምሕታት፡ እታ ነፋሪት መሊኣ ምንባራ ትገልጸሎም ኔራ፤ እቲ መንበርን መቐነትን ጠልቅዩ እዩ ኔሩ ገለ ምልክታት ናይ ተምላስ’ውን ይረአ ኔሩ፡” ኢላ።
እቲ ፓይለት ግና ድሕሪ ንደቓይቕ ዝቐጸለ ታዕታዕ ናብቲ ስፍራ ከምዝመጸ’ውን ገሊጻ።
እቶም ገያሾ “ካብታ ነፋሪት ክወርዱን ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ካልእ በረራ ክረኽቡን ከምዝኽእሉ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ብኣባላት ተሰንዮም ከምዝወርዱን ካብ በረራታት ክእገዱን” ምዃኖም ተነጊርዎም።
ሽዑ ብኣባላት ጸጥታ እዮም ተሰንዮም ወሪዶም።
በቲ ኩነታት ከምዝሓዘነት ዝገለጸት ሱዛን፡ ካናዳዊት ምዃና ከምዘሕፈራን ብኣየር ካናዳ ከምዝሓፈረትን ገሊጻ።
ኣየር ካናዳ ነቲ “ዕቱብ ኩነታት ይምርምሮ” ከምዘሎን “ኣገባብ ኣሰራርሓ ብግቡእ ከምዘይተተግበረን” ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







