ምኽባር ዋጋ በረራ ንቝጠባ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ'ሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ብነፋሪት ምጕዓዝ ካብቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝግበር ጕዕዞ ኣዝዩ ዝኸበረ እዩ፤ ተጓዓዝቲ ልዑል ዋጋ መጓዓዝያን ብዙሕ ቀረጽን ይኸፍሉ፡፡
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ዘላ ሃገር ካብ ምጕዓዝ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ምብራር ይሓስር፡፡
ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ጀርመን በርሊን ናብታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ፡ ኢስታንቡል፡ ትሕቲ 3 ሰዓት ንዝወስድ ቀጥታዊ በረራ ኣስታት 150 ዶላር ትኸፍል፡፡
ኣብ ወሽጢ ኣፍሪቃ፡ ንተመሳሳሊ ጕዕዞ፡ ንበል፡ ካብ ርእሰ ከተማ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ፡ ኪንሻሳ፡ ናብ ናይጀርያዊት ዓባይ ከተማ ሌጎስ ንምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ክሳብ 20 ሰዓት ዝወስድ ናይ ነፋሪት ለውጢ ተወሲኽዎ፡ ካብ 500 ዶላር ክሳብ 850 ዶላር ትኸፍል፡፡
እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ንግዲ ንምሳላጥ ኣዝዩ ከቢድን ክቡርን ይገብሮ፡፡ እቶም ዝጕድኡ ድማ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ኣይኰኑን፡፡
ኣስታት 83 ሚእታዊት በረራታት ዓለም ዝሽፍኑ ኣስታት 300 መንገዲ ኣየራት ዝሓቁፍ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር (ኣይ ኤ ቲ ኤ)፡ 12 ቀንዲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መጓዓዝያ ኣየር ንምምሕያሽ ሓቢረን እንተዝሰርሓን ዕዳጋአን ክፉት እንተዝገብራን፡ 150 ሽሕ ዕድል ስራሕ ምፈጠራን ሓፈሻዊ ምህርተን ድማ ብልዕሊ 1.3 ቢልየን ዶላር ምዓበየን ክብል ይምጉት፡፡
‘‘መጓዓዝያ ኣየር ኣብ ሕድሕድ ሃገር ሓፈሻዊ ምህርቲ ክዓቢ ቀጥታዊ ኣበርክቶ ኣለዎ፡፡ ስራሕ ይፈጥርን ቍጠባ የነቓቕሕን’’ ይብል ዞባዊ ምክትል እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ካሚል ኣል-ኣዋድሂ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ብሪጣንያ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሕጊ ንግዲ ዝዀነ ኣደፎላኬ ኣደየየ ብተመሳሳሊ፡ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ድኹም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ብዙሕ ትስእን ከምዘላ ይሰማማዕ፡፡
‘‘መጓዓዝያ ኣየር ቍጠባ ከምዘዕቢ ተራእዩ እዩ፡፡ ኣብ ካልኦት ክፍለ ኣህጉራት ከምዝረኣይናዮ፡ ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎም መንገዲ ኣየራት ርክብ ወጻእን የመሓይሹ፤ እዚ ብግደኡ ቱሪዝም የሰስን፤ ንሱ ድማ ብዙሕ ዕድል ስራሕ ይፈጥር’’ ክብል ረድእ፡፡
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ድኹም ዝርገሐ መንገድን መንገዲ ባቡር ዘይምህላውን፡ ንጽዕነት መጓዓዝያ ኣየር ተመራጺ ክኸውን ገይሩ፡፡
ብዛዕባ ክሊማ ዓለም ዝግለጽ ዘሎ ሓደጋታት እውን ንኣፍሪቃ ሃስዩዋ እዩ፤ ኵሉ ብዛዕባ ልቀት ካርበን ክጥንቀቕን ዝነኣሰ በረራታት ከካይድን ስለዝመክር፡፡
ዋላኳ 18 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብር እንተዀነ ኣብታ ኣህጉር ዝግበር በረራታት ትሕቲ 2 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ዝሽፍን፡፡
ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ ኣፍሪቃ 3.8 ሚእታዊት ልቀት ጋዝ ጥራይ እዩ ዘለዋ፡፡ ምስታ 19 ሚእታዊት ልቀት እትሽፍን ኣመሪካን 23 ሚእታዊት ዘለዋ ቻይናን ዝዳረግ ኣይኮነን፡፡
ኣፍሪቃ ብ ሃብቲ ተፈጥሮ ሃብታም ክትከውን ትኽእል፤ እንተኾነ ካብተን ሕቡራት ሃገራት ዝዘርዘረን ትሑት ምዕባለ ዘለወን 46 ሃገራት እተን 33 ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ኮይነን፡ ድኽነት ንሚልዮናት ነበርታ መዓልታዊ ስግኣት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ፡፡
ዋጋ በረራ ከም ናይ ኣውሮጳ ወይ ካልኦት እንተዝኸውን፡ ብነፋሪት ክጓዓዝ ዝኽእል ማእከላይ እቶት ዘለዎ መጠን ህዝቢ ይዓቢ እዩ ዘሎ፡፡
ሃገራት ኣፍሪቃ ዓውዲ መጓዓዝያ ኣየር ንምውህሃድ ንዓመታት ዝገበራኦ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡
ንትካል ኢንቨስትመንት ፈየርፋክስ ኣፍሪቃ ፈንድ ዝመርሕ ዘመዴነህ ንጋቱ፡ ‘‘ቁጠባ ኣፍሪቃ ክሰጋገር እንተተደልዩ፡ ድኹም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ንምፍታሕ ዝተዋደደ ትልሚ ክህሉ ኣለዎ’’ ይብል፡፡
ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ መንገዲ ኣየራት ብክልተኣዊ ስምምዕ ሃገራት ከምዝሰርሑ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ሃገራት ኣፍሪቃ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ከምዝጽገሙን ገሊኦም ድማ ብኽሳራ ከምዝጓዓዙን ይዛረብ፡፡
‘‘መብዛሕትኦም መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጭራአን ባንዴራ ሃገረን ዝለጠፋ ነፈርቶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂዝሮ ወይ ጄኤፍኬ ክርእዩወን እዮም ዝደልዩ፤ እንተኾነ በይኖም ደው ዝበሉ መንገዲ ኣየራት ክቕጽሉ ከምዘይክእሉ ክፈልጡ ኣለዎም፡፡’’
ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣውሮጳ ትምህርቲ ብምውሳድ ምሕዝነት ክፈጥራ ከምዘለወን ዝገልጽ ኣቶ ዘመዴነህ፡ ሕብረት ምፍጣር ዋላ ኣብቲ ሃብቲ ዘለዎ ዕዳጋ ኣውሮጳ፡ ንቐጻልነት መንገዲ ኣየራትን ዝሓሰረን ዘተኣማምንን ዋጋ ንምቕራብን ወሳኒ እዩ ይብል፡፡
ሕብረት ኣፍሪቃ ሰማያት ኣፍሪቃ ናጻ ንምግባርን ዋጋ ንምቕናስን ንዝጀመሮ ተበግሶ ‘ሓደ ዕዳጋ መጓዝዓያ ኣየር ኣፍሪቃ’ 35 ሃገራት ዝፈረማ ኰይነን፡ ተግባራዊ ንምግባር ግን ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ፡፡
ካሚል ኣዋድሂ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይብሎም እዩ ዝገልጽ፡፡
ኣብ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዝጥቀስን ኣብነት ዝኸውንን ሓደ መንገዲ ኣየር ግን ኣሎ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡፡
ቅድሚ 15 ዓመታት 4 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝነበሮ እዚ መንገዲ ኣየር፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 17 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ኣሎ፡፡
ዋላ'ኳ ሃብቲ ናይታ ሃገር እንተኾነ፡ ከም ሓደ ንግዳዊ ኣካል ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ነጻ ኰይኑ እዩ ዝሰርሕ፡፡
ብዝሒ ነፈርቱ ብዕጽፊ ብምውሳኽን ኣዲስ ኣበባ ዞባዊ ማእከል ብምግባርን ናብታ ሃገር ሸርፊ ወጻኢ የእቱ ኣሎ፡፡
ኣብ ምእታው ሚለንየም፡ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ካብተን ብቕልጡፍ ዝዓብያ ዘለዋ እያ፡፡
ኣብ ምምዕባል ስትራተጂ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምምኻር ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ ኢትዮጵያዊ ኣመሪካዊ ዘመዴነህ ንጋቱ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ነታ ሃገር ሚልዮናት ዶላራት ከምዘእቱን ንዜጋታታ እውን ምንጪ ኩርዓት ከምዝኾነን ይገልጽ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







