ካናዳ፡ ውዲታዊ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዝገበረ ትካል 50 ሚልዮን ተቐጺዑ

ባኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ሰንከትቲ ባኒ እቲ ቀንዲ፡ ምስ ካልኦት ተመሳጢሩ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ብምግባሩ፡ 50 ሚልዮን ዶላር ካናዳ ተቐጺዑ።

እቲ ‘ካናዳ ብረድ’ ዝተበሃለ እንዳ ባኒ፡ ካብ ዓመት 2000 ጀሚሩ ዋጋ ባኒ ይውስኽ ከም ዝነበረን ገበነኛ ከምዝዀነን ብረቡዕ ተኣሚኑ።

ቤት ጽሕፈት ውድድር ዕዳጋ ካናዳ፡ ነቲ ትካል ባኒ መጸዋዕታ ብምቕራብ ንዓመታት ምርመራ ከካይድ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝተበየነ መቕጻዕቲ ድማ “ዓብይ ምዕራፍ” ክብል ገሊጽዎ።

ሰራሕተኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ማቲው ቦስወል፡ “ዋጋ ባኒ ኰነ ኢልካ ምውሳኽ፡ እሞ ድማ መዓልታዊ ምግቢ ካናዳውያን ንዝኾነ ባኒ? እዚ ዓብይ ገበን እዩ፡” ኢሉ።

“ነቶም ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ኣካላት ካልኦትን እውን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዓቕምና ዝፈቐዶ ኵሉ ንገብር ኣለና” ብምባል ኣጠንቂቝ።

ኣብ ቤት-ፍርዲ ኦንታርዮ ዝተሰነደ መዝገብ ክሲ፡ ትካል ‘ካናዳ ብረድ’ ዋጋ ባኒ ክውስኽ ከም ዝገበረ ይሕብር።

ካናዳ ብረድ፡ ምስ መወዳድርቱ ዌስተን ፉድስ ተሻሪዅ ኣብ ፍርያት ባኒ፡ ባኒ ሳንድዊች ባኒ፣ ሃት ዶግን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባኒ ወሰኽ ከም ዝገበረ ተኣሚኑ።

እቲ ትካል፡ ካብ 2007 ክሳን 2011[ኣ.ኣ] ኣብ ዝነበረ ግዜ እዩ ነዚ ወሰኽ ዋጋ ገይሩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ትሕቲ ትካል ማፕል ሊፍ ፉድስ ዝውነን ዝነበረ ካናዳ ብረድ፡ ኣብዚ እዋን ብሜክሲካዊ ትካል ግሩፖ ቢምቦ እዩ ዝውነን።

ግሩፖ ቢምቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ትካል ብ 2014 ክውንኖ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ ገሊጹ።

ምክትል ፕረዚደንት እቲ ትካል ኣሊስ ሊ፡ “ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ዋንነት ዝርከብ ካናዳ ብረድ፡ ንዓማዊሉ ሓላፍነት ዝስምዖ መሻርኽቲ ብምዃን ባኒ ንካናዳውያን ተበጻሕን ዘተኣማምንን ምንጪ ምግቢ ንምግባር ክሰርሕ’ዩ” ኢላ።

ቤት ጽሕፈት ውድድር ዕዳጋ እታ ሃገር፡ ካልኦት ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዝገብሩ ትካላት እንተልዮም እውን ናይ ኢዶም ከም ዝረኽቡ ኣጠንቂቝ ኣሎ።