ኣብ ዓመተ 2022 ሓሙሽተ ቢልዮን ሞባይል ቴለፎናት ክጉሓፋ’የን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዛ ክትዛዘም ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፋታ ዘላ ዓመተ 2022 ብሓፈሻ፡ 5 ቢልዮን ሞባይላት ናብ ዳግማይ ምምስራሕ ከይኣተዋ ክጉሓፋ ምዃነን ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት (WEEE) ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ዝድርበ ዘሎ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታትን ካብ ዓለምለኻዊ ንግዲ ኤሌትሪኖክስን ብዝረኸቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር እዩ ነዚ ኣሃዝ ቀሚርዎ።
ብዙሓት ሰባት ንዝገኣረጋ ሞባይላቶም ኣብ ክንዲ ናብ ዳግማይ ዝምስርሑ ትካላት ዝህብወን ወይ ዝሸጥወን ኣብ ገዝኦም ከምዘቐምጥወን’ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ኣብ ውሽጢ ገመዳት ናይ ሞባይላት ዝርከብ ኮፐርን ኣብ ባትሪ ናይ ሞባይል ዝርከብ ኮባልት ዝተብሃለ ክቡር ንጥረ ነገራት ተዓዲኖም’ዮም ዝርከቡ።
ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ፓስካል ሊሮይ “ሰባት እዞም ኣብ ውሽጢ ሞባይላት ዝርከቡ ንጥረ ነገራት ዋጋ ዘለዎም ኣይመስሎምን’ዩ፡ እታ ሞባይል ምስራሕ ዋላ ተቋርጽ እቶም ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ኮፐርን ኮባልትን ግን ዳግማይ ከገልግሉ ይእኽሉ’ዮም፡ ነዚ ብደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሞባይላት እንተሓሲብናዩ ብዙሕ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ዓለም 16 ቢልዮን ሞባይላት ከም ዘለዋ’ዩ ግምት ዘሎ፡ ካብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ሞባይላት ኸኣ እተን ሓደ ሲሶ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾና’የን።
ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለም ክንዲ ዓቢ እምባ ዝኸውን ጉሓፍ ናይ ኤለትሮኒካዊ መሳርሒታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ካብ መሕጻቢ ማሽን፡ መውዓዪ መግቢ፡ ታብለት፡ ኮምፒተር፡ ጂፒኤስን ሞባይላትን ዝውህለል ጉሓፍ ኣብ ዓመተ 2030 ናብ 74 ሚልዮን ቶን ክብ ክብል ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣብ መጀመርታ ናይ'ዚ ዓመት ‘ሮያል ሶሳይቲ ኬሚስትሪ’ ዝተብሃለ ትካል ካብ ዝተደርበየ ኤሎትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ንምምስራሕ ዝጽውዕ ጎስጓስ ምጅማሩ ዝዝከር’ዩ።
ኣባል ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ዝኾነት ማግዳሊና ቻርይታኒዊከዝ “እዚ ዝጉሓፍ ኤሌትሮኒካዊ መሳርሒታት ሓደሽቲ ኤሎትሮኒካዊ መሳሪሒታት ንምምስራሕ ኣዝዩ ዓቢ ግደ’ዩ ዘለዎ፡ ከም ናይ ንፋስ መመንጨዊ ጽዓት [ዊንድ ተርባይን] ባተሪ ናይ መኪናን ካልእን ካብዚ ክስራሕ ይኽእል’ዩ” ትብል።
ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝድርበ ኤሎትሮኒካዊ መሳርሒታት፡ እቲ 17 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ዳግማይ ዝምስራሕ፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ግን፡ እቲ ዳግመ ምምስራሕ ናብ 30 ሚኢታዊት ክብ ክብል ሕቡራት ሃገራት ወጢኑ ኣሎ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኣብ ገዛ ብጥዕንኡ ዝርከብ ግን ሰብ ዘይግልገለሉ 5.63 ቢልዮን ፓውንድ ዝዋግኡ ኤለትሮኒካዊ ኣቑሑት ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







