ሓዳስ ኣይፎን 14 ንምዕዳግ ናብ ዱባይ ዝተጓዕዘ ህንዳዊ

ኣብ ማእከል ዘሎ ድሂራጅ ፓሊይል ኣይፎን 14 ዝገዝኣ

ምንጪ ስእሊ, DHEERAJ PALLIYIL

መግለጺ ስእሊ, ፓሊይል፡ ሓዳሽ ኣይፎን 14 ንምዕዳግ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ኣቋሪጹ ናብ ዱባይ ተጓዒዙ

ሓደ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ፡ ግዝኣት ኬራላ ዝነብር ሰብኣይ፡ ሓዳሽ ኣይፎን 14 ንምዕዳግ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ኣቋሪጹ ናብ ዱባይ ተጓዒዙ።

ድሂራጅ ፓሊይል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዙ፡ ኣይፎን 14 ፕሮ ዝገዝኣሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓለምና ነዛ ሓዳስ ስልኪ ካብ ዝውንኑ ቀዳሞት ውሑዳት ሰባት ሓደ ንምዃን ብምህቃን እዩ።

ንትኬቱ 40 ሽሕ ሩፒ (500 ዶላር) ዘውጸአ ኾይኑ፡ 129 ሽሕ ሩፒ ሂቡ ድማ ነዛ ሓዳስ ሞዴል ዓዲጉ።

ኣይፎን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ዘበናውያን ‘ስማርትፎናት’ ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ንፈለማ እዋን ኣብ 2007 ብኩባንያ ኣፕል ዝፈረየት ኣይፎን፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ሞባይል ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት ኮይና፡ ነቲ ኩባንያ ካብ ዘዐወቱ ቀንዲ ረቛሒታት እያ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣድነቕታ ነተን ድሒረን ዝመጽኣ ሞዴላታ ንምዕዳግ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም - ብዙሓት ነታ ስልኪ ንምውናን ከም ምልክት ክብሪ ገይሮም'ውን ይቖጽርዎ።

ሰባት ክፍሊ ኣካላቶም ሸይጦም ኣብታ ስልኪ ዝተዘርግሐትላ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፍደገ ድኳናት ኣፕል ኣማኢት ሰዓታት ሪጋ ሒዞም ክጽበዩ ከምዝተርኣዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ወዲ 28 ዓመት ሚስተር ፓሊይል ድማ፡ ነዚ ነገር ሓድሽ ኣይኮነን - ሕዚ ንራብዓይ ግዜኡ እዩ ነታ ስልኪ ቀዲሙ ንምውናን ክብል፡ ናብ ዱባይ ዝገይሽ ዘሎ።

ፈለማ ኣብ 2017፡ ኣይፎን-8 ኣብ ዝተዘርግሐትሉ እዋን ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ 2019ን 2021ን ተመሳሰልቲ መገሻታት ገይሩ እዩ።

ንሱ፡ መዓልታት ክጽበ ከምዘይደሊ ብምዝራብ፡ "ካብቶም ቀዳሞት ነታ ስልኪ ዝረኽቡ ሰባት ንኽኸውን፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድኳን ኣፕል ምጽባይ ዝፈጥረለይ ሓጎስ ፍሉይ እዩ" ኢሉ።

ሚስተር ፓሊይል፡ ኣብ ዱባይ ካብ ዝርከብ ድኳን ኣፕል፡ ብ16 መስከረም፡ እታ ዳሕረወይቲ ዘመናዊት ዓይነት ኣይፎኑ ዓዲጉ ኣሎ።

"ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ምዝርጋሕ ስልክታት ኣይፎን፡ መብዛሕትኡ ግዜ እተን ስልክታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድሕሪ ምሻጠን ድሕሪ 10-15 መዓልታት እየን ኣብ ህንዲ ንዕዳጋ ዝቐርባ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን፡ ኣብ ህንዲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ጥራይ እዩ መሸጣ ክጅምር ነይሩ። እንተኾነ ግን ሕጂ እታ ዳሕረወይቲ ስልኪ ኣብ ዱባይ መጺኻ ምዕዳግ ዳርጋ ወልፊ ኮይኑኒ ኣሎ" ኢሉ።

ሚስተር ፓሊይል፡ ሲነማቶግራፈርን ነጋዳይን ኰይኑ፡ ወትሩ ኣፍቃሪ ቴክኖሎጂ ከምዝነበረን ነቲ ኣብ 2011 ዝሞተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ነበር ስቲቭ ጆብስ ዓቢ ኣድናቖት ከምዘለዎን ይዛረብ።

ንሱ ወሲኹ "እዚ መገዲ፡ ናቱ ብርተዐ ዝዝከረሉ ኣገባብ'ዩ" ይብል።

ሚስተር ፓሊይል፡ ስድርኡ ኣብ ፈለማ እዋን፡ ስለምንታይ ከምዚ ከም ዝገበረ ከምዘይተረድኦም ይዛረብ።

"ኣብ ክባር መጋየጺ ገንዘብ ኣባኺኑ ብምባል የላገጹለይ ነይሮም። እዚ ክቡር ፍርያት ምግዛእ ጥራይ ከምዘይኮነ ከረድኦም ፈቲነ"።

ኣብ መወዳእታ ግና ስድርኡ ክርድእዎን ክድግፍዎን ከምዝጀመሩ ይዛረብ።

"ብሓቂ፡ ሕዚ ንሳቶም እዮም ብዛዕባ ሓደስቲ ኣይፎን ምምጻእ ዝነግሩኒ፡ መዓስ ኢኻ ናብ ዱባይ ኬድካ ትገዝእ ኢሎምኒ" ኢሉ።