ሜሲን ሮናልዶን ዳግማይ ዝራኸቡሉ ግጥም ብዛዕባ መጻኢ ኵዕሶ እግሪ እንታይ የአንፍተለና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻምፕዮን ሊግ ፈረንሳን ስዑድያዊት ጋንታ ‘ኦል ስታርስ XI’ 19 ጥሪ ኣብ ስዑድያ ከተማ ርያድ ምሕዝነታዊ ጸወታ ክህልወን’ዩ፡ ተንተንቲ ሰፖርት ከኣ ነቲ ሜሲን ሮናልዶን ዝራኸብሉ ኣፍካ ማይ ዘምልእ ጸወታ ዝተፈላላየ ግምታት ይህብሉ ኣለዉ።
እዛ ‘ኦል ስታርስ XI’ ተባሂላ ተሰምያ ዘላ ጋንታ ካብ ኣል ናስርን ኣልሂላልን ዝትብሃላ ክልተ ስዑድያዊያን ጋንታታት ተዋጺኣ ዝቖመት እያ፤ እቲ ድሕሪ ዋንጫ ዓለም ምስ ስዑድያዊት ጋንታ ኣል ናስር ዝፈረመ ፖርቱጓላዊ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ከኣ ምስታ ኣንጻር ፒኤስጂ እትገጥም ጋንታ ተመሪጹ ኣሎ።
እዚ ጸወታ ምሕዝነታዊ ጸወታ’ኳ እንተኾነ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ኵዕሶ ዝፈጥርኦ ዘለዋ ጽልዋ’ውን ዘርኢ’ዩ።
ነታ ነዚ ጸወታ ተአንግድ ስዑድ ዓረብ ከኣ ዝያዳ ኣቓልቦ ንኽትረከብ ቀሳቢ ኮይኑ ኣሎ።
ፒኤስጂ ኣብ 2011 ምስ ንጉሳውያን ስድራ ርክብ ብዘለዎም ቐጠራውያን ኣውፈርቲ’ያ ካብ እትዕደግ፡ እቲ ናብታ ጋንታ ዝፈስስ ዘሎ ሰልዲ ንከም ብዓል ሜሲ፡ ነይማርን ክልያን ምባፐን ኣብ ሕቑፋ ንኸተእትዎም ኣኽኢልዋ’ዩ።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ጥራይ እትፍለጥ ኣል ናሰር ዝተብሃልት ጋንታ፡ ንሮናልዶ ክብረ ወሰን ብዝሰበረ መጠን ደሞዝ ንዓመት 200 ሚልዮን ዶላር እናኸፈለት ንክልት ዓመትን መንፈቕን ምስኣ ክጻወት ምስ ኣፈረመቶ ከኣ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ስፖርት ካሜራታቶም ናብታ ጋንታ ከቕነዑ ኣይደንጎዩን።
እቲ ኣብ ኣውሮጳን ካልኦት ግጥማትን ንነዊሕ ዓመታት መተሃላልኽቲ ሜሲ ዝኾነ ሮናልዶ ከኣ ምስ ‘ኦል ስታርስ XI’ ኮይኑ ኣንጻር ሜሲን ጋንትኡን ክጻወት’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ደጋፊ’ውን ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ብጨረታ ንሓንቲ ትኬት ብ2.6 ሚልዮን ዶላር ብምዕዳጉ፡ እቲ ኣብ ኣውሮጳን ላቲን ኣሜሪካን ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸነሐ ጠመተ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዘቕንዕ ገይርዎ’ሎ።
እተን ኣብ ዓለም ብወፍሪ፡ ባህላዊ ንብረትን ነዳድን ብምሻጥ ዝፍለጣ፡ ከም ብዓል ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቐጠርን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ጠመተአን ናብ ስፖርት’ውን ብምስፋሕ በቲ ‘ረቂቕ ሓይሊ’ እናተባሃለ ዝግለጽ ስፖርት ኣቶኩሮ ንኽረኽባን ጽልወአን ንኸዕብያን ይሰርሓ ኣለዋ።
ቐጠር ንዋንጫ ዓለም 2022 ዘአንገደትሉን ስዑድያዊት ጋንታ ንሮናልዶ ዝዓደገትሉን ከኣ ገለ ካብቲ ኣብነታት’ዩ።
ኣውሮጳዊ ኵዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፒኤስጂ እታ እንኮ ብኣውፈርቲ ተወለድቲ ወሽመጥ ዓረብ እትውነት ጋንታ ኣይኮነትን።
ኣብ 2008 ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ቢልዮነር ሸክ መንሶር ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ንእንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ብዘይተኣደነ ገንዘብ ምስ ዓደጋ’ዩ ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ክግሃድ ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ውሑድ ዓመታት፡ ብዓረባውያን ዝውነና ክለባት ኩዕሶ እግሪ ክብርክታ ጀሚረን፡ ኒውካስል’ውን ብሓደ ስዑድያዊ ትካል ተገዚኣ።
ኒውካስል ናብ ስዑድያዊ ትካል ክትሽየጥ ምዃና ምስተገለጸ፡ ብዙሓት ደገፍቲ እታ ጋንታ፡ ምስ ቅትለት ውሩይ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣተሓሒዞም፡ ብስዑድያውያን ክትውነን ኣይደለዩን ነይሮም፡ ሰልዲ ግን ነየናይ ማዕጾ’ሞ ዘይከፍት።
ጀማል ካሾጊ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑድ ዓረብ ጉዳያቱ ንኸሳልጥ ኣብ ዝኸደሉ’ዩ ተቐቲሉ።
ትካላት ስለያ ሃገራት ምዕራብ እቲ ቅትለት ብወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ተኣዚዙ ከምዝተፈጸመ’የን ዝኸሳ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ’ዚ ይነጽጎ’ዩ።
ኒውካስል ቅድሚ ናብዚ ዝዓደጋ ትካል ምስግጋራ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብቲ ትካል ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሉ ምስ ተረጋገጸ’ዩ እቲ ዕድጊ ምሉእ ንምሉእ ተፈጺሙ።
ጽልዋ ሃገራት ዓረብ ግን ምዕዳግ ውሩያት ክልባት ጥራይ ኣይኮነን፡ ጸወታታት ብምእንጋድን ዓበይቲ ናይ ምወላ ውዕላት ብምክያድ’ውን ኣብ መትኒ እቲ ስፖርት ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልወን ይገብራ ኣለዋ።
ንኣብነት ስዑድ ዓረብ መዛዘሚ ጸወታታት ‘’ሱፐር ካፕ’ ናይ ዓዲ ጣልያንን ስጳኛን ፍሉይ ምወላ ብምግባር ኣብ ከተማታታ ከምዝእንገድ ገይራ ኣላ።
መንገዲ ኣየር ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ኢሚረትስ’ውን ሚልዮናት ዶላራት ብምፍሳስ ምስ ርያል ማድሪድን ኤሲ ሚላንን ናይ መወዓውዒ ውዕል ከቲሙ።
ብሓፈሻ ሃገራት ዓረብ ኣብ ስፖርት ብፍላይ ከኣ ኵዕሶ እግሪ ሰርሲረን ብምእታው ጽልወአን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከዕብያ ይርኣያ ኣለዋ።
ዓበይቲ ስፖርታዊ ንጥፈታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ስፖርት ካብ ዘመዝገበኦ እቲ ዝዓበየ ዓወት ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል፡ ቐጠር ንዋንጫ ዓለም 2022 ከተአንግድ ምኽኣላ’ዩ።
እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፤ ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠርን ባሕረይንን’ውን ንውድድር ቅድድም መኪና ፎርሙላ 1 ንግራንድ ፕሪክስ ወቕቲ 2023 ከአንግዳ’የን።
ቐጠር’ውን ኣቐዲማ ንዓለማዊ ቻምፕዮና ምሕንባስ፡ ኣትለቲክስን ጂምናስቲክን ኣአንጊዳ ምንባራ’ውን ዝዝከር’ዩ።
ስዑድ ዓረብ’ውን ንዓበይቲ ግጥማት መኸተ ጉስጥን ረስሊንግን ኣአንጊዳ’ያ።
ብዓብዩ እቲ ናይ ረስቲሊንግ ውድድር’ውን ናብ ሓደ ስዑድያዊ ክሽየጥ’ዩ ዝብል ጽንጽንታ’ውን ክስማዕ ጀሚሩ ኣሎ።
ምምጥጣር ናብ ኦሎምፒክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዋንጫ ዓለም 2022 ዘአንገደት ቐጠር፡ ካብ ሃገራት ወሽመጥ እታ ዝበዝሐን ዝዓዘዘን ዓለምለኻውያን ጸወታታት ዘአንገደት ሃገር ተባሂላ ክትጥቀስ ትኽእል’ያ።
ስዑድ ዓረብ ከኣ ምስ ግብጽን ግሪኽን ብሓባር ኮይነን ንዋንጫ ዓለም 2030 ንኸአንግዳ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።
ብዘይካ’ዚ ቐጠር’ውን ኣብ 2036 ኦሎምፒክ ኣብ ዶሓ ክካየድ ካብ ሕጂ ጎስጓሳት ጀሚራ ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ።
እታ ከተማ ክልተ ግዜ’ኳ ኦሎምፒክ ንምእንጋድ ተወዳዲራ እንተነበረት ኣይሰለጣን፡ ሕጂ ግን ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ዘንጸፈቶ ትሕተ ቅርጺ ዝያዳ ተመራጺት ንኽትከውን ክሕግዛ ከምዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።
ስዑድ ዓረብ ነቲ ኣብ 2029 ዝካየድ ናይ ኤስያ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ከተአንግድ ተረቊሓ ኣላ።
እቲ ውድድር ኣብታ ከይተሰርሐት እንከላ ንዮም ዝብል ስም ተዋሂብዋ ዘሎ ብ500 ቢልዮን ዶላር ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ክትህነጽ ውጥን ወጺእላ ኣብ 2026 ክትዛዘም ተሓሲባ ዘላ ዘመናዊት ከተማ’ዩ ክካየድ።
እተን ብምፍራይ ነዳዲ ፍሉጣት ዝኾና ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠርን ባህረይንን እቲ ዘለወን እኹል ትሩፍ ሃብቲ፡ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ንኸአንግዳ ባይታ ኣጣጢሑለን’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ዝኸደኦ መገዲ ጥጡሕን ነቐፌታ ዘይነበሮን ኣይኮነን።
እታ ንዋንጫ ዓለም 2022 ዘአንግደት ቐጠር፡ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝነበራ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ንመሰላት ኤልጂቢቲ ኣይተኸብርን’ያ ብዝብል ኣባትር ነቐፌታት ኣብ ዝባና ዓሊቡ’ዩ።
ምስዚ ኩሉ ነቐፌታታት ግን ገስጋስ ዕብላላ እዘን ሃገራት ዘቋርጽ ኣይመስልን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







