ኣብ ሓደ መዋዕለ ህጻናት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 34 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ታይላንድ ሓደ ኣባል ፖሊስ ነበር፡ ኣብ መዋዕለ ህጻናት ብሽጉጥን ብካራን ተጠቒሙ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 34 ሰባት ከምዝሞቱን ኣስታት 12 ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።
ነቲ ኣብ ግዝኣት ኖንግ ቡኣ ላምፉ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ንምሓዝ ዝተገብረ ሃድን ስዒቡ እቲ ሰብኣይ ንገዛእ ርእሱን ስድርኡን ከም ዝቐተለ’ውን ፖሊስ ሓቢሩ።
እቶም ግዳያት፡ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዓመት ዝኾኑ ህጻናት፡ ዓበይትን ነፍሰጾርን ይርከብዎም።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ቅድሚ ምህዳሙ ንግዳያቱ ብጥይት ከም ዝሃረሞምን ብኻራ ከም ዝወግኦምን ካብ ፖሊስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘለዓዓሎ እንታይ ከምዝኾነ ንጹር ኣይኮነን።
ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣባልነት ፖሊስ ተባሪሩ እዩ።
"እቲ ተኳሲ ኣብ ከባቢ ሰዓት ምሳሕ ኣትዩ፡ መጀመርታ ንኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል ክንክን ህጻናት ጥይት ተኲሱሎም" ክትብል፡ ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ ትሰርሕ ዝነበረት በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ጂዳፓ ቡንሶም ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪባ።
"ኣብ መጀመርታ ሰባት ርችት መሲልዎም ነይሩ" ትብል፡ ድሕሪኡ እቲ ዕጡቕ ናብቲ ህጻናት ዝድቅሱሉ ዕጹው ክፍሊ ሰይሩ ከምዝኣተወ ትገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ዘሰንብድ ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ።
ብተወሳኺ፡ ብቕልጡፍ ምርመራ ክግበር’ውን ከምዝኣዘዘ ሓቢሩ’ሎ።
ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ እቲ ዘሕዝን ፍፋመ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ብቕልጡፍ መርመራ ክካየድ ከም ዝኣዘዞ ገሊጹ።
ነቲ "ዘስካሕክሕ" መጥቃዕቲ ዝኾነነ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ንስድራቤታት እቶም ግዳያትን ቁሱላትን 'ጽንዓት ይሃብኩም' ኢሉ።
ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ፓንያ ካምራብ ከምዝበሃል ይገልጽ።
ንሱ፡ ብናይ ባንኮክ ታርጋ ዘለዋ ጻዕዳ ቶዮታ ፒክ-ኣፕ መኪና፡ ካብቲ ቦታ ከምዝሃደመ ይንገር።
ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ግዝኣት ኖንግ ቡኣ ላምፉ፡ ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት 23 ህጻናት ይርከቡ ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ንሱ ወሲኹ’ውን፡ እቲ ካምራብ ዝተባህለ ሌተናል ኮሎኔል ፖሊስ ነበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ምጥቃም ሓሽሽ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተባረረ ገሊጹ።
ኣብ ታይላንድ ዋላ እኳ መጠን ዋንነት ጠበንጃ ብተዛማዲ ልዑል እንተኾነ፡ ጃምላዊ ተኹሲ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ እዩ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዝሕብሮ፡ ኣብታ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ምሓዝ ልሙድ እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ ሓደ መኮነን ሰራዊት ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ መደበር ክልተ መሳርሕቱ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ኣብ 2020፡ ኣብ ከተማ ናኮን ራትቻሲማ ሓደ ወተሃደር 29 ሰባት ቀቲሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ኣቑሲሉ ከምዝነበረ’ውን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







