ትግራይ፡ ተላጊበን ዝተወልዳ 'ህያብን ውህብቶን' ድሕሪ 80 መዓልታት ከመይ ኣለዋ?

ውህብቶን ህጻንን ኣብ መዓልቲ ጥምቀተን

ምንጪ ስእሊ, AXUM HOSPITAL/ DOCTOR TSEGAY

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ‘ኮምፕረሀንሲቭ’ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ሓንቲ ኣደ ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወለዳ መናቱ ከምዝሓረሰት ይዝከር።

ቅድሚ መዓልታት ብመሰረት ሃይማኖታዊ ስርዓት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ኣክሱም ቤተክርስትያን ጽዮን ማርያም ዝተጠመቓ ኮይነን ውህብቶን ህያብን ዝብል ስም ከኣ ተዋሂበን ኣለዋ።

“ሰለስተ ወርሒ መሊእወን ኣሎ። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና እየን ዝርከባ። 80 መዓልቲ ምስመልአን ስነስርዓት ጥምቀት ተፈጺሙ። ካብቲ ተጣቢቐን ምውላደን ወጻእ ካልእ ዝተፈለየ ጸገም ጥዕና ክሳብ ሕዚ ኣይረኣናለንን” ይብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ መዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ ተኽለሃይማኖት።

ዶ/ር ፀጋይ ከምዝብሎ: እታ ኣደ ምክትታል ጥንሲ ትገብር’ኳ እንተነበረት ብኣልትራሳውንድ ዝተሓገዘ ስለዘይነበረ ግን “ኣብ ከብዳ ዝተጣበቓ ዕሸላት ከምዘለዋ ኣይትፈልጥን ነይራ።

“ኣነ ሓኪም ኰይነ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ’ዩ ኣጋጢሙኒ” ዝበለ ዶ/ር ጸጋይ፡ ብዛዕባ ተጣቢቘም ዝውለዱ ህጻዉንቲ ካብ መጽሓፍ ብንባብ ዝረኸቦ እንተዘይኰይኑ ርእዩ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ

እተን መናቱ ካብ ዝተወለዳሉ እዋን ጀሚረን ክሳብ ሎሚ ካብቲ ሆስፒታል ከምዘይወጽኣ ዝሓበረ እቲ ዶክተር እዚ ድማ ብቐንዱ ምስ ኩነታት ወለደን ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ገሊጹ።

“ወለዲ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ነገር ንምቕባሉ ከቢድዎም ኣሎ። ስለዚ እቲ ክትትል ኣብ ሆስፒታል እናተኻየደ እዩ። ሰብ ሞያ ሕክምና ይሕብሕብወንን ይምግብወንን ኣለዉ። እቲ ናይ ጥምቀት ስነስርዓት እውን እቶም ሰብሞያ እዮም ኣዋዲዶሞ” ክብል ኣረዲኡ።

ኣብቲ ናይ ቤተክርስትያን ስነስርዓት ብዘይካ ኣደ እተን ቆልዑ፡ ኣቦአን ኣቶ ሙዑዝ ኣብርሃ፣ ስድራ ኣዶን ሰብሞያ ሕክምናን ተረኺቦም ነይሮም።

“ኣደኣተን ክሳብ ሎሚ ኣይረኣየተንን ዘላ። ቤተሰባ ምስቲ ዝነበረትሉ ኩነታት ከይትስንብድ ብዝብል ናብ ሆስፒታል ከይትመጽእ ወሲኖም። ኣቦአን ግን እናተመላለሰ ይርእየን እዩ። ምስ ግዜ ነቲ ነገራት ዳርጋ እናለመዶ ይመጽእ ኣሎ” ይብል መዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ።

ውህብቶን ህያብን እናተጠመቓ

ምንጪ ስእሊ, AXUM HOSPITAL/ DOCTOR TSEGAY

“ናብ ምርግጋእ ንምለስ ኣለና”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወላዲ ውህብቶን ህያብን : ኣቶ ሙዑዝ ኣብርሃ ካብ ኣኽሱም ውጽእ ኣብ ዝበለ ገጠር ብሕርሻ እዩ ዝናበር።

ኣብቲ ፈለማ ነቲ ዝተፈጠረ ነገር ምቕባል ከቢድዎም እኳ እንተነበረ ኣብዚ እዋን ግን “ናብ ምርግጋእ ንምለስ ኣለና” ይብል።

“ሽዑ ንመዓልታት ኣጨናኒቑና ነይሩ። እታ ኣዶ’ውን ብመጥባሕቲ ስለዝወለደተ ኣሻቒሉና። ተመስገን እዩ ዝበሃል፤ ‘ንምንታይ ከምዚ ሂቡኒ?’ ዝበሃል እውን ኣይኮነን። ንኣዲአን ምስተን ቆልዑ ኣየራኸብናያን ዘለና። ምስቲ ዝነበረትሉ ኩነታት ክነርእያ ኣይመረጽናን” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

መናቱ ደቆም ክሳብ ሎሚ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከባ ዘረጋገጸ ኣቶ ሙዑዝ “ዝሓሸ ሕክምና ተስፋ ብምግባር” ኣብኡ ከምዝጸንሓ ይዛረብ።

“ገለ ገበርቲ ሰናይ ክወስድወንን ክሕግዝወንን ይኾኑ’ዶ ዝብል ተስፋ ነይሩና። ሰለስተ ወርሒ ኮይንወን ግን ክሳብ ሕዚ ኣብኡ እየን ዝርከባ። እናኸድኩ ይርእየን እየ። ጎቢዘን ኣለዋ። ዝከናኸንወን ሓኻይም ኣለዉ። ንሕክምና ክኸዳ ከምዝኾና እናነገሩ ተስፋ ይህቡኒ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ብኹነታት እተን ኣብ ሆስፒታል ዘለዋ ደቁን ኣዴአንን ኣብ ከቢድ ሓሳብን ጭንቀትን ከምዘሎ ዝዛረብ ኣቶ ሙዑዝ ሎሚ ብኹነታት ኣፈጣጥረአን ኣብ ዝተረጋግአ መንፈስን ጥንካረን ከምዘሎ ይሕብር።

“ናብቲ ሆስፒታል ክኸይድ ከለኹ ነተን ቆልዑ ዘድልይ ጨርቅን ዳይፐርን ወሲደ ቀይረለን እየ ዝምለስ። ቅያር ጨርቂ እውን ባዕለይ እሓጽበለን” ብምባል ካብታ ዘላቶ ዳይፐር ከምዝዕድግ ተዛሪቡ።

ሰኣን ዓቕሙ ዝግባእ ኩሉ ንደቁ ክገብር ከምዘይከኣለ ዝገለጽ እቲ ካልኦት ክልተ ቆልዑ'ውን ዘለውዎ ወላዲ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ከምዘይረኸበ ይሕብር።

ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ነተን ቆልዑ ዘድልይ ጸባ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ኣድላዪ ክትትልን ክንክንን እናገበሩለን ሰለስተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ።

“ሓገዝ ሕክምና ከምዝረኽባ እዮም እቶም ሓኻይም ዝነግሩኒ ዘለዉ” ክብል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እንታይ ተስፋታት ኣሎ?

ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕብየተን ጽቡቕ ለውጥታት ዘርእያ ዘለዋ ውህብቶን ህያብን ኣብዚ እዋን ልክዕ ከምቲ ካልእ ህጻን ዘርእዮ ንቕሓትን ንጥፈትን ከምዘለወን መዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ ተኽለሃይማኖት ይዛረብ።

ነቲ ዕድሜአን ዝምጥን ከይዲ ዕብየት ዝሓልፋ ዘለዋ ኮይነን ርእሰን ተላጊበን ስለዝተወለዳ ግን ዝተወሰነ ሰራውር ደምን መትኒታን ሓንጎለን ከምዝተላገበ ብምርመራ ‘ሲቲ ስካን’ ተፈሊጡ’ሎ።

ሓንጎለን ተጣቢቑ ከም ምውላደን መጠን ሓደ ዓይነት ባህርያት ከርእያ እዩ ትጽቢት ዝግበር፡ ዶ/ር ጸጋይ ግን “ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ህጻናት ዝረኣ ዝተፈላለየ ብህርያት እዩ” ይብል።

“እታ ሓንቲ ክትድቅስ ከላ፤ እታ ሓንቲ ንቕሕቲ ትኸውን። ኣብ ኣደቓቕሳ፣ ጸዋታን ምብካይን ኣይረኸባን። ዝተፈላለየ ሓንጎለን ሒዘን ግን ከኣ ገለ ምርኻብ ከምዘሎ ኢኻ ትርዳእ” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

እቲ ዶክተር ከምዝበሎ እተን መናቱ ካብ ዝተወለዳሉ እዋን ጀሚሩ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣካላት ንምርካብ ብዙሕ ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ’ሎ። ገለ ተስፋታት እውን ተረኺቦም ኣለዉ።

“ስድራ እተን ቆልዑ ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሓረስቶት ስለዝኾኑ ንዝኾነ ወጻእታት ዓቕሚ የብሎምን። እቲ ሆስፒታል እውን ዝኸኣሎ ኩሉ ይገብር እኳ እንተሃለወ ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ግን ኣሎ። ስለዚ ክሕግዙ ምስ ዝኽእሉ ርክባር ንምፍጣር ኢና ንጽዕር ዘለና” ይብል።

ሰብ ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ኣኽሱም ንመናቱ ህፃናት ውህብቶን ህያብን ናብ ቤተክርስትያን ወሲዶም ኣጠሚቖመን

ምንጪ ስእሊ, AXUM HOSPITAL/ DOCTOR TSEGAY

መግለጺ ስእሊ, ሰብ ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ኣኽሱም ንመናቱ ህፃናት ውህብቶን ህያብን ናብ ቤተክርስትያን ወሲዶም ኣጠሚቖመን

ዛጊድ ሰብሞያ እቲ ሆስፒታል ብዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪታት ብኣተሓባባርነት ፕሮፌሰተር ሙልጌታ ገብረእግዚኣብሄር ዝተብሃለ ግዱስ፡ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ነተን መናቱ ብሕክምና ንምሕጋዝ ተስፋ ሂቡ’ሎ።

“ምስቲ ሆስፒታል ኣብ ምርኻብ ኢና ዘለና። ብርግጽ ግዜ ዝወስድ እዩ። ብኸመይ መገዲ እየን ናብኡ ክኸዳ? መን’ዩ ሒዝወን ዝኸይድ? ዝብሉን ካልኦት ሕጋዊ ጉዳያትን ኣለዉ። ወጻእታት ግን በዓልቶም ከምዝሽፍንዎ ቃል ኣትዮምልና ኣለዉ” ይብል እቲ ሜዲካል ዳይረክተር።

በዓል ፕሮፌሰር ሙልጌታ ንኻልኦት ወጻእተኛታት ብምትሕብባር እተን መናቱ ክሕገዛ ካብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብተወሳኺ፡ ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ሊያ ታደሰ እውን ኣብ እንግሊዝ ምስ ዘለዉ ሰብሞያ ሕክምና ሓንጎል ንክራኸቡ ኩነታት ኣመቻችያትሎም ኣላ።

እዚ ኩሉ ገና ከም ጽቡቕ ተስፋታት ዝግለጽ ምዃኑ ዝሕብር ዶክተር ጸጋይ ንኽሰምር ግን ናይ ካልኦት ግዱሳት ተሳትፎን ሓገዝን ከምዘድልይ ይዛረብ።

እቲ ኣብ ደገ ከይደን ክረኽብኦ ተስፋ ዝግበረሉ ሓገዝ ሕክምና ክሳብ ዝሳለጥ ከኣ እቲ ሆስፒታል ዝገብረለን ዘሎ ደገፍ ዝተማልአ ንክኸውን ናይ መግቢ ይኹን ካልኦት ወጻእታት ደገፍ ክግበር ፃውዒት ኣቕሪቡ።