ፕረዚደንት ኢሳይያስ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፡ እንታይ ከ ኣመልኪቱ?

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2024፡ ብማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓጺር መልእኽቲ፡ ዝሓለፈት ዓመት፡ ሰብሰርሖን ባህሪያዊን ሓደጋታትን ግጭታትን ዝመልኣ ምንባራ ኣመልኪቱ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይርጉእን ቅልውላውን ዝመልኦ ዓመት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት፡ ሰላምን ልኡላውነትን ሃገሩ ከውሕስ ምኽኣሉ፡ ምስክር “ናይ መኸተን ዓወትን ያታኡ” እዩ ኢሉ።
ኣብታ ንሓበሬታ ክፍትቲ ዘይኰነትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘለዉ ሰበስልጣናት ንዝመርሕዎን ዘካይድዎን ትካላት ዝምልከት መግለጺ ይዅን መብርሂ ክህቡ ዘይርኣየላ ሃገር፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝወሃብ ሓበሬታ ልዑል ኣቓልቦ እዩ ዝወሃቦ።
እቲ ናይ ሎሚ ዓመት መልእኽቲ፡ ዝርዝራት ዘይብሉ፡ እዚ እናኣትዎ ዘለና ዓመት፡ “ዝሓሸ ዕድላት ከተርሕወልና፡” ዝተመነየ ምዃኑ ጥራይ እዩ ኣቐሚጡ ዘሎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቍጠባውን ኵነታት ንምፍታሕ ዝሃቦ ተስፋ ይዅን ዘመልከቶ ውጥን እውን የለን።
ኣብ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ፕረዚደንት ንዞባዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምዕባለታት ምርኩስ ብምግባር፡ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐንዐ ነቐፌታ ዝሓዘለ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፡ ኤርትራ “ንዝሓየለ መኸተ” ትዳሎ ከምዘላ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቲ፡ “ኣብ ጐደቦና ብተመሳሳሊ ቅኒት፡ በንጻር ዝበለየ ኣጀንዳታቶም፡ ቅልውላው ንምንቛት ዘካይድዎ ሸርሓዊ ምትእትታዋት ዛይዱ’ዩ። ሂስተርያ ቅርሕንታዊ ተጻብኦኦም ኣንጻር ኤርትራ ኸኣ ይዓርግ ኣሎ” ክብል ኣቶ ኢሳይያስ ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ዝውቱር ዝጸንሐ፡ ‘ሽርሒታትን ተጻብኦታትን’ ምዕራባውያን ኣመልኪቱ፡ ንመኸተን ክተተን ክጽውዕ ዝጸንሐ መልእኽትን መግለጺታትን ኣብዚ ናይ ሕጂ መልእኽቲ ልዝብ ዝበለ ይመስል።
ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ብሪጣንያን፡ ብኣጋጣሚ መበል 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ ብ 12 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኣኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተኻየደ ደማዊ ዶባዊ ኲናት መዕለቢ ዝገበረ ስምምዕ ኣልጀርስ ደገፈን ብምርግጋጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝተባብዓ ኣፍሊጠን እየን።
እቲ ብስለስቲአን ሃገራት ዝወጸ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዝሓዘ መግለጺ፡ “ሰላም ንምስፋንን ሓባራዊ ዶብ ንምሕንጻጽን ስምምዕ ኣልጀርስ ምፍጻመን” ብምዝኽኻር፡ እተን ሃገራት ኣብ 2018 እውን ነቲ ስምምዕን ንእኡ ስዒቡ ብዝቘመ ኮሚሽን ዶብ ንዝተወሰነ ዶባት ንምኽባር “ዳግማይ ከምዝተመባጽዓ” ብምሕባር፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ክኽበር ይግባእ ይብል።
ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐረበ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ዘረባ፡ ሓድሽ ወጥርን ኲናትን ከየስዕብ ዘስግእ ዘሎ ዀይኑ፡ እተን ምዕራባውያን መንግስታት፡ ኵሎም ወገናት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብሩ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሕጂ ኣገዳሲ እዩ ክብላ ተማሕጺነን እየን።
ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ነዚ መግለጺ ምዕራባውያን ቀጥታዊ ምላሽ’ኳ እንተዘይሃቡሉ፡ እቲ ኣብ ኣልጀርስ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተወሰነ ሓባራዊ ዶባት ክምልከት ዘይከኣለ፡ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዝኽተልዎ ተጻባኢ ፖሊሲ እዩ ብምባል ክኸሱ ምጽሖም ይፍለጥ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ኣብ ሕዳር 2023 ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጸ፡ ንስትራተጅያዊ ኣጠማምታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝርኢ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ ግንቦት 2022 ዝቐረበ ተመሳሳሊ ሰነድ ዝኽልስን ዘመሓይሽን ኰይኑ እዩ ቀሪቡ ተዘርጊሑ ዘሎ።
እቲ ኤርትራ፡ ኣብ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣሉታዊ ተራ፡ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ምትእትታውን፡ ኣብ ትግራይ ዝፈጸመቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ዝነበረ ሰነድ ኣሜሪካ’ውን፡ ቃናኡ ቀይሩ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ወተሃደራዊ ህላወኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብምቕልባስ፡ ናብ ኣባልነት ኢጋድ ብምምላስን ካልእ እትገብሮ ብዘላ ስጕምትታት ብምንኣድ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ተላዚብካ ንምስራሕ ዘሎ ተኽእሎን ዕድላትን ብዝርዝር ኣቐሚጡ እዩ።
እዚ፡ ምስ ምቅይያር ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛሚዱ ብምዕራባውያን ብሓፈሻ፡ ብኣሜሪካ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝእመት ዘሎ ኣመለኻኽታ ዝምልከት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መልእኽቲ ብቕሉዕ ዝተቐመጠ ነጥቢ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ምህዳእ ናይቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ምትፍናን ዘመላኽት ምዃኑ ግን ቢቢሲ ዝተወከሶም ገለ ተንተንቲ ይግምግሙ ኣለዉ።
ክንዮ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምእታው ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘዘውትሮ ሰፋሕቲ ቃለመጠይቓት፡ ኣመት ናይቲ ኣብ ባይታ ዝኸውን ዘሎ ምቅይያራትን ምዕራይ ዝምድናታትን ክንጽር ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







