ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ ዝኽሰቱ ዘለው ጐንጽታትን መጥቃዕታትን ናበይ ከምርሑ ይዀኑ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ጐንጺታት፡ ቅትለታትን ምዝንባልን ክርኣዩ ጸኒሖም’ዮም።
ሓሓሊፉ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜን እዋንን ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጐንጺታት ይለዓሉ።
ኣብ ካልእ እዋን፡ ገለ ክፋል እታ ሃገር ብጐንጺ ክሕመስ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ክፋል ድማ ተዛማዲ ርግኣት ይርአ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሓድ ጠጠው ክብል እንከሎ ድማ መልክዖም ዝቐየሩ ካልኦት ግጭታት ይልዓሉ።
ጠንቂ እዞም ክስተታት ዝበሃሉ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ይቐርቡ እዮም።
ኣብ ሓደ ከባቢ ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎም ዜጋታት ብንኡሽቶ ነገር ናብ ዘይምቅድዳውን ጐንጽን ከምርሑ እንከለው፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ድማ ብፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ጐንጺታት ይለዓሉ።
እዞም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተራእዩ ክስተታት ብዘስዓብዎ ምጥፋእ ህይወት ሰባት፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ፡ ምዝንባል ሰባትን ዕንወት ንብረትን ከቢድ ስግኣት ፈጢሮም ኣለው።
ዳይሬክተር ማእከል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም፡ "ምኽንያት እዞም ጐንጺታት ዝተፈላለዩ እዮም" ብምባል፡ "ብመንግስታዊ ኣካላትን ትካላትን ከይተረፈ ጌጋታት ተፈጺሞም’ዮም፡" ኢሉ።
ሓደ ካብዚኦም፡ ብሄራዊ መንነት ኣግዚፍካ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ኣካል ገለ ፖሊሲታት’ውን ምዃኑ እዩ ክብል ይጠቅስ።
“እቲ ሕገ መንግስቲ ምርኩስ ብምግባር፡ ፍልልያት ዘግዝፍ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ ዘሎ። እቲ ፖለቲካ እውን፡ ሓድነት፣ን ማሕበረሰባዊ ምቅርራብን ዝፈጥር ዘይኰነስ ፍልልይ ማእከል ዝገበረ’ዩ” ክብል ይነቅፍ።
ሓሓሊፉ ፖለቲከኛታት ንውልቃዊ ረብሓኦም ክብሉ ግጉያት ትረኻታት ከም ሓቂ የቕርቡ፤ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ንኣሽቱ ታሪኻዊ ጌጋታት ኣግዚፍካ ናይ ምቕራብ ጸገማት ምህላዎም ይዛረብ።
ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ምኽንያት እናገበርካ፡ ካልእ ወገን ከም ጸላኢ እናርኣኻ ናተይ ካብ እትብሎ ክፋል ማሕበረተሰብ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ልሙድ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ያሬድ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ንሓድሕዱ ዘተኣሳስርዎ ነገራት እናማሕምሑ፡ ስምዒት ምክእኣል፡ ምትሕልላይን ሓድነት ክጠፍእ ምኽንያት ኰይኑ እዩ ይብል።
ተመራማሪ ቍጠባን ፖለቲካዊ ሳይንስን ስኩል ኦፍ ለንደን መብራህቱ ከለቻ ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ ሰብ መዚ ዘሎ ቍርቍስ ስልጣንን ፖለቲካዊ ንሕንሕን ምኽንያት እቶም ብቐጻሊ ዘጋጥሙ ዘለው ግጭታት እዩ ክብል ይዛረብ።
ፍልልያት ዓሌትን ሃይማኖትን’ውን ሓሓሊፉ ምኽንያት ጐንጺ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ’ውን ዶብ ሰጊሩ ምንጪ ጸገማት ክኸውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ።
እታ ሃገር ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ዝመጽኣትሉ መገዲ ነቶም ሕጂ ዝርኣዩ ዘለው ጐንጺታት መሰረት ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ዩኒቨርሲቲ ወሎ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ ሃይሉ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ምርድዳእ ንምህናጽ ዝተገብረ ጻዕሪ ብዘይምህላው፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንኽፍጠሩ ደሪኹ እዩ ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብታ ሃገር ዝርአ ቁጠባዊ ጸገማት’ውን ንመንእሰያት እኹል ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ብዘይምኽኣሉ፡ መንእሰያት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከዘንብሉ ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ እዩ ብምባል የረድእ።
“ቀደም፡ መንእሰያት ስራሕ እንተስኢኖም ፖሊስ ይዀኑ ነይሮም፤ ሕጂ ግን ምስ ፖሊስ ይጓነጹ። ገለ ሕቶታት እንተሃለዎም’ውን፦ ንኣብነት ጉዳይ ቁጠባ - ጐንጺ የልዕል’ዩ ኢለ እኣምን። እዚ ብቐሊሉ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ክሳተፉ’ዩ ዝገብሮም” ኢሉ።
መንግስቲ ስለ ምንታይ ነዞም ጐንጽታት ክቈጻጸር ኣይክኣለን?
መንግስቲ እዞም ኣብዝን ኣብትን ዝለዓሉ ዘለው ግጭታት ንምቍጽጻር ምስ ዓቕሚ ሰብ ዝተሓሓዝ ጸገም ከም ዘይብሉ ኣቶ ያሬድ ይኣምን።
ሰራዊት ኣዋፊሩ ናብ ኲናት ክኣቱ ምኽኣሉን በብግዚኡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ምምራቝን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዓቕሚ ሰብ “ጸገም ዘሎ ኣይመስለንን” ይብል።
ይዅን’ምበር ምውሓድ ዓቕሚ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብግልጺ ከም ዝርአ ሓቢሩ።
“እቶም ዘለው ጸገማት ብቐሊሉ ምቍጽጻር፡ ሓደጋታት ከመላኽቱ ዝኽእሉ ኣሰራርሓታት ተጠቒሙ እዋናዊ ምላሽ ምሃብን ጸገማት ፖለቲካዊ መሪሕነት ብግልጺ’ዮም ዝርኣዩ። እዚ ድማ ዓቕሚ ክንብሎ ንኽእል ኢና።”
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሰፊሕ ጸገም ፖለቲካዊ መሓውር ምህላው ዘልዕል ኣቶ ያሬድ፡ ኣብ ውሽጡ ካብ ሕሉፍ ስርዓት ተኣኪቡ ዝመጽአ ጸገም፡ ኣመራርሓ ፈደራልን ክልላትን ብዘይምውህሃዶም ዝርኣዩ ክፍተታት፡ ኣብ መንጐ ክልላት ንሕንሕ ምህላው ነቲ ጸገማት ኣጋዲዶምዎ’ዮም ይብል።
መንግስቲ ነዞም ጸገማት ንምፍታሕ ዘለዎ ድሌት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ፡ “ብዘሕዝን ኵነታት ምልክታት’ኳ ኣይርኣዩን” ዝብል ኣቶ ያሬድ “ሓሓሊፉ ዝፍጠሩ ጸገማት መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይህቦምን። ንኣብነት ኣብ ቀረባ ኣስታት 50 መራሕቲ መኪና ኣብ መገዲ ተጨውዮም። ግን ዋላ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ዝበሎ ነገር የለን - እዚ ዓብይ ጸገም’ዩ” ክብል የረድእ።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ ግን፡ መንግስቲ እቶም ጐንጺታት ጠጠው ንምባል ዓቕሚ ስኢኑ ድዩ ካልኦት ምኽንያታት ኣለው ዝብል ሕቶ ንምምላስ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ጐንጺታትን ጸገማት ጸጥታን ኣብ ምፍታሕ “ኣብ ውሽጢ ፕሮግራም ሰልፊ ብልጽግናን ነታ ሃገር ዘመሓድረሉ ስምምዕን ዘሎ ኣይመስለንን” ይብል።
ተመራማሪ ቁጠባን ፖለቲካዊ ሳይንስን መብራህቱ ከለቻ ብወገኑ፡ ድኹማት መንግስታዊ ትካላት ከምኡ’ውን ጥሩፍነት ብሄርን መንቀሊ እቶም ዝርኣዩ ዘለው ጸገማት እዮም ክብል ይጠቅስ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ዘይምህላው፣ ድሩትነት ዓቕምን ሃብትን ምህላው፣ ሓሓሊፉ ድማ ግዳማዊ መንግስታት ወይ ዕጡቓት ዝገብርዎ ድጋፍ ኣብ ምዝማት እቶም ግጭታት ተራ ክህልዎም ከም ዝኽእል የረድእ።
ስርዓት ኣልቦነት ድዩ ዝነግስ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ፡ ሓይሊ ተጠቒሙ ልዕልነት ሕጊ ከኽብር ሕጋዊ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ብሕታዊ ኣካል ምዃኑ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ መንግስታት ነዚ ሓላፍነት ኣይጥቀሙሉን ወይ’ውን ብኣዝዩ ግጉይ መገዲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዝዀነ ኣገባብ ክጥቀምሉ ይርአ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክልላት ኢትዮጵያን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ሓይሎም ሚዛን ደፊኡ ዝደለዩዎ ነገራት ከፈጽሙን ናብ ግጭታት ክኣትውን ጸኒሖም ኣለው።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መንግስቲ ፈደራል ህላወ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ንኸብቅዕ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ብዙሓት ብእወታ’ኳ እንተርኣዩዎ፡ ከቢድ ቅልውላው ዘስዓቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ንምቍጽጻር ግን ኣየኽኣለን።
ከምኡ’ውን ክልላት ኣብ ውሽጢ ዝተዋህበን ገደብ ስልጣን ኰይነን ሓላፍነተን ንከፈጽማ እዚ’ዩ ዝበሃል ስጕምቲ ኣይወሰደን ተባሂሉ ይሕመ።
በዚ መሰረት ኣገደስቲ መገዲታት ኣብ ትሕቲ ማእከላይ መንግስቲ እዮም ዘለው ዝብል ኣቶ ያሬድ፡ “እዞም መገዲታት ብሓደ ክልል ወይ ዕጡቕ ጕጅለ ክዕጸው እንከለው ብሸነኽ መንግስቲ ፈደራል ዝወሃቡ መልስታት ዘዕግቡ ኣይኰኑን፡ ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ዝወስዶ “ልሕሉሕን ዝንጉዕን ስጕምቲ ምኽባር ሕጊ” እቶም ግጭታትን መጥቃዕታትን ክሰፍሑ ምኽንያት ኰይኑ እዩ ክብል የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ "ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ኣዝዩ ትሑት ስራሕ ኢኹም ሰሪሕኩም። ልዕልነት ሕጊ ኣይተኽብሩን ዘለኹም ክብል ነቒፉዎም'ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ለውጢ የለን። እናገደደ ክኸይድ እንተዘይኰይኑ" ኢሉ።
ኣቶ ያረድ ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርአ ዘሎ ብዙሕ ግጭታትን መጥቃዕትታትን እንተቐጺሉ "ዝተፈለየ ስርዓት ኣልቦነት ክነግስ እዩ" ዝብል ስክፍታኡ ገሊጹ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቶም ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኣባላት ሕብረተሰብ፡ ንነብሶም ክከላኸሉ ክፍትኑ እንከለው፡ "እዚ ናብ ካልእ ናዕቢ፡ ካልእ ቅልውላው ከምርሕ'ዩ" ብምባል ነታ ሃገር ዓሚቝ ዓዘቕቲ ክመርሕዋ ይኽእሉ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ክልላት በበይነን ስጉምቲ ዝወስዳሉ ኵነታት ከም ዝህሉን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ኲናት ዝመሳሰል ኲናት ምስ ፈደራል መንግስቲ ይዅን ኣብ መንጎ ክልላት ከጋጥም ኣይኽእልን ዝብል ውሕስነት ከም ዘየለን እዩ ዝዛረብ። .
ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ኣልቦነት ብንጹር ይርአ ኣሎ ዝብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ ብወገኑ፡ ሰብ ኣብ ከተማ ተቐቲሉ ግቡእ መርመራ ከም ዘይግበረሉን ብምግላጽ፡ ሰባት ይጭነቝን ኣብ ፍርሒ ይነብሩን ይዕዘብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ስለዚ እቲ መፍትሒ መንግስቲ ብመሰረት ሕገ-መንግስትን ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ግቡኡ ክፍፅም እዩ ዘለዎ ዝብል ኣቶ ያሬድ፡ እንተዘይኰይኑ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ናይ ምዃን ልዑል ተኽእሎ ምህላው ይዛረብ።
ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ግጭታትን መጥቃዕትታትን ንምዝሕሓል ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምጻእ ክስርሓሉ ኣለዎ ዝብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ።
"ኣብ ዝተፈላለየ ረብሓን ኣረኣእያን ዘለዋ ሃገር ኵለመዳያዊ ፖለቲካዊ ድርድር ክህሉ ይግባእ። እዚ እንተዘይኰይኑ እቲ ግጭት ክቕጽልን ክጋደድን ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ጸገማት ብመንግስቲ ጥራይ ክፍትሑ ከም ዘይክእሉ ብምጥቃስ ካልኦት እጃሞም ክጻወቱ ከም ዘለዎም ይምዕድ።
ኵለመዳያዊ ፖለቲካዊ ዕረያ ምምጻእ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል ዶክተር መብራህቱ ብወገኑ፡ ግጭት ምፍታሕን ዕርቂ ምምጻእን፡ ስርሓት ቁጠባዊ ልምዓትን ጸረ ድኽነትን፡ ምኽባር ሕጊ፡ ምትሕብባር ክልላት ምዕባይን ድጋፍ ዓለምለኸ መሻርኽቲ ብምጥቃም እቶም ጸገማት ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ ይኣምን።
መንግስቲ እንታይ ይብል?
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣካላት መንግስቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን።
ይዅን'ምበር፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነዞም ጸገማት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦም መግለጺታት፡ "ካብ ግጭት ዝኸስቡ ኣካላት" ዘንቀልዎም'ዮም ብምባል ክነቅፍ ጸኒሑ'ዩ።
ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ መጀመርያ መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ንሰላምን ጸጥታን እታ ሃገር ዘጋጥም ዝነበረ ብድሆታት ካብ ሓሙሽተ ምኽንያታት ዝነቐለ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።
"ታሪኽ ካብ ዘሸከመና ዕዳ ዝምንጩ'ዩ" ዝበሎ ቀዳማይ ብድሆ ኢትዮጵያውያን ኣብ ታሪኾም ዘይፈትሕዎም፡ ከም ተወሳኺ ጸገም ዝወሰድዎን ዘይተዓረቑሎምን ዕዳታት ኣለው ይብል።
እዚኦም ጠንቂ ምስሕሓብ፡ ጎንጽን ምክፍፋልን ክዀኑ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ "እቲ ዕዳታት ወሪስናዮ እምበር ኣይፈጠርናዮን መጺኦምና እምበር ኣይከድናዮምን" ይብል ኣብ መግለጺኡ።
እቲ ካልእ ብድሆ ዝበሎ "ናጽነት ምምሕዳር ዘይምኽኣል" እዩ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳራት፡ ሚድያታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሒን ዘሎ ጸገም ምምሕዳር ናጽነት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክግታእ ከም ዘድሊ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ ንሃገራዊ ሓድነት ዝፈታተኑ ኵነታት እናወሰኹ ምምጽኦም፡ ዝቕባበ ገንዘብን ስርቅን ተወሳኺ ብድሆታት ምዃኖም እቲ ኮሚቴ ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ግርጭታትን ስእነት ሰላምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ሕጊ እናፍረስካ፡ መሰል ካልኦት ብምግሃስ፡ ጎንጽን ጽልእን ብምልዓል፡ ርግኣት ሃገር እናሓመስካ ምንቅስቓስ ገበን እምበር ናጽነት ክኸውን ኣይክእልን" ምባሉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







