ጥዕና ኵሊት ንምሕላው ዝሕግዙ 6 ቀለልቲ ነገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵላሊት ካብቶም ኣውራ ኣገደስቲ ክፋል ኣካላትና ኰይነን፡ ኣብ ደም ዝፍጠር ርስሓት ብምጽራይ ብመልክዕ ሽንቲ ከምዝወጽእ ዝገብራን እየን።
ዓለማዊ ማሕበር ኔፍሮሎጂ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ጸቕጢ ደም ንምቍጽጻር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ኬሚካላት ሚዛኑ ንምሕላው እውን ይሕግዛ።
እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ኣገልግሎት እዘን ክፋል ኣካላትና ኣብ መስርሕ ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ዝገብራኦ ኣበርክቶ እዩ።
ስለዚ ኵሊት ሓንሳእ እንተተጐዲኣ ሳዕቤናቱ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ብሕማም ኵሊት ይሳቐዩ።
ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ሕማም ኵሊት ብቕልጡፍ ከምዝወሰኸ ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ሕማም ኵሊት ንብረቶም ሸይጦም ኣብ ኢድ ሰብ ዝወደቝ ብዙሓት እዮም። እቲ ሕማም እናኸበደ እንተኸይዱ ዝሓመሙ ብህይወት ንኽጸንሑ፡ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ዳያሊሲስ ክገብሩ ይግደዱ።
እዚ ብትካላት ግብረሰናይ ወይ መንግስቲ እንተዘይተደጊፉ ዝሓቶ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን።
ዳያሊሲስ ነታ ዝፈሸለት ኵሊት ተኪኡ ብማሽን ዝግበር መስርሕ ምጽራይ ደም እዩ።
እዚ ይዅን እምበር ናብቲ ዘስፋሕፍሕን ጥዕናን ህይወትን ብዙሓት ሰባት ዝዘርግን ዘሎ ጸገም ኵሊት ቅድሚ ምብጻሕካ ግን ዝተፈላለየ ጥንቃቐታት ክግበር ከም ዝከኣል ክኢላታት ይመኽሩ።
ስለዚ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምትግባር ጥዕና ኵሊት ክሕሎ ከምዝኽእል ይንገር፤
1. እኹል ማይ ምስታይ
ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ኩባያ ማይ ምስታይ፡ እዚ ድማ ንጥዕና ምሉእ ኣካላትና፡ እንተላይ ንኵሊትና ኣገዳሲ እዩ።
ነቲ ሕማም ዘቃልዑ ኵነታት ጥዕና ከም ሕማም ሽኮር፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ወዘተ እንተሃልዮምኻ ድማ፡ ዝያዳ ማይ ምስታይ ይምከር።
መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት ድሕሪ እቲ ሕክምና እኹል ማይ ክሰትዩ ሰብሞያ ይመኽሩ።
2. ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተን
ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ቀንዲ ጠንቂ ማህሰይቲ ኵሊት ምዃኖም እዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ክልቲኦም ካብ ምውሳድ ምቝጣብ ማለት፡ ጥዕና ኵሊት ምውሓስ ማለት እዩ። መጠን እትወስዶ ኣልኮላዊ መስተ ምጕዳልን ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽን ካብቲ ዝምከር እዩ።
ነዚ ነገራት እዚ ምግባር ንዅሊት ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓፈሻዊ ጥዕና ኣካላትና እውን ጠቓሚ ምዃኑ’ውን ምግንዛብ የድሊ።
3. ብኣቝጽልቲ ካብ ዝተቓመሙ ‘ኣፋውስ’ ምጥንቃቕ
ንጥዕናን ንዝተፈላለዩ ካልኦት ነገራትን ተባሂሉ ብክኢላታት ኢና ዝብሉ ይዅኑ መቕርብ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣቝጽልቲ ዝተቓመሙ ነገራት ቅድሚ ምስታይና ክንሓስብ ኣገዳሲ እዩ።
ብፍላይ ድማ፡ ዓቐኖምን ትሕዝቶኦምን ዘይተፈልጠ፡ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ካልእ ክብደት ሰብነት ንምጕዳልን ንዝኣመሰለ ዕላማን ዝተዳለዉ ፍርያት ኣቝጽልቲ ምውሳድ፡ ጸገም ኵላሊት ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ምፍላጥ የድሊ።
ኣብዚ እዋን ብፍላይ ንጥዕና ጠቐምቲ እዮም ዝበሃሉ ኣትክልቲ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ይርአ እዩ፤ ንዅሉ ከምዘለዎ ክትኣምኖን ከተተግብሮ ምፍታንን ግን ኣጸጋሚ እዩ።
ስለዚ፡ ነዞም ካብ ኣትክልትን ኣቝጽልትን ዝተወሃሃዱ ነገራት ቅድሚ ምውሳድ ብዝተኻእለ መጠን ንሓኪም ምውካስ ይምከር።
እዚ ብምግባርካ ኵሊትካን ምሉእ ጥዕናኻን ካብ ጉድኣት ከተድሕን ኢኻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ምውጋድ
ብሓኪም ክሳብ ዘይተኣዘዘ፡ ዝዀነ ዓይነት መድሃኒት ይጠቅም እዩ ኢልካ ወይ ንኻልኦት ክጠቅም ስለዝረኣኻ ክትወስዶ ግቡእ ኣይኰነን።
ፈውሲ ቃንዛ ኢልና ኣዘውቲርና እንወስዶም መድሃኒታት እውን ብሓቂ ክሃስዩና ይኽእሉ እዮም።
ገለ መድሃኒታት ፈውሲ ቃንዛን ካልኦት መድሃኒታትን ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትና ክጸልዉ ይኽእሉ። ካብቶም ብኸምዚ ዝጥቅዑ ክፍሊ ኣካላትና ድማ ብቐዳምነት ኵላሊትና እየን።
ስለዚ፡ ብሓኪም ዘይተኣዘዘ መድሃኒት ቅድሚ ምውሳድካ፡ ሓኪም ምውካስ ክመጽእ ንዝኽእል ሳዕቤን የወግድ።
ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ኣብ ዘይብሉ ተራ ድኳናት ዝሽየጡ መድሃኒታት ካብ ምግዛእን ምጥቃምን ምጥንቃቕ የድሊ።
5. መርመራ ምግባር
ጥዕና ኵሊት ጥራይ ዘይኰነ፡ ጥዕና ካልኦት ክፋል ኣካላትና ንምርግጋጽ’ውን ብዝተኻእለ መጠን ቀጻሊን ስሩዕ መርመራ ምግባር የድሊ።
ኣብዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ጸገም ጥዕና ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ምክልኻል ስለዝከኣል፤ ብኣጋ እንተተሓኪሙ’ውን ሰፊሕ ዕድል ምሕዋይ ይፈጥር እዩ።
ንዅሊት ከኣ ብፍላይ፡ ብተደጋጋሚ ዘይኮነስ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብቲ ክኢላታት ዝመኸርዎ መቓን ግዜ፡ መርመራ ኣልትራሳውንድ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
ዝዀነ ምልክታት’ውን እንተዘይተራእየ፡ እንተወሓደ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ መርመራ ኣልትራሳውንድ ክግበር ይምከር።
እዚ፡ ንጥዕና ኵሊትን ካልኦት ኣካላትን ንምፍላጥን ኣድላዪ ሕክምናን ጥንቃቐ ንምግባርን ይሕግዝ።
6. ምቍጽጻር ጸቕጢ ደም
ልዑል ጸቕጢ ደም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደ እዩ።
ጸቕጢ ደም ንባዕሉ ሓደ ጸገም ጥዕና ኰይኑ፣ እንተዘይተቘጻጺርናዮ ግን ካልኦት ጸገማት ጥዕና’ውን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ጸቕጢ ደሞም ከም ዝወሰኸ ምስ ዝግንዘቡ ሸለል ከይበሉ ብዕቱብ ክከታተልዎ ይግባእ።
ልዑል ጸቕጢ ደም ቀዳማይ ምልክት ናይቲ ምልክት ዘይብሉ ጸገም ኵሊት ምዃኑ እዮም ክኢላታት ዝገልጹ፤ ጸቕጢ ደም ብምቍጽጻር ጥዕና ኵሊት ምሕላው ይከኣል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







