ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት 'ፓራሲታሞል' ምስ ዝወስዱ ንሕማም ክቓልዑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

ፓሪስታሞል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት፡ ብትእዛዝ ሓኪም ብተኸታታሊ መዐገሲ ከኒና [ፓሪስታሞል] ዝወስዱ ሰባት ንወቕዒ ልብን ስትሮክን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ልዑል ምዃኑ ሓደ መጽናእቲ ሓቢሩ።

ክኢላታት ዩኒቨርሲቲ ኢዲንብራ ከም ዝበሉዎ ሓካይም ንተሓከምቶም ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝውሰድ ከኒና ክእዝዙ እንከለው ጥቕሙን ጉድኣቱን ኣብ ግምት ከእትው ኣለዎም።

ፓሪስታሞል፡ ንሕማም ርእስ፡ ረስንን ጸረ ቓንዛን ምውሳድ ውሑስ ምዃኑ ግን ኣስሚሮምሉ።

ካልኦት ክኢላታት ድማ እዚ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተጸኒዑ ውጽኢቱ ክረጋገጽ ኣለዎ ይብሉ።

ፓሪስታሞል ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጥ ቓንዛ ንምዕጋስ ዝውሰድ መድሃኒት ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ጽኑዕ ሕማም ንዘስዕቡ ሕማማት ክውሰድ'ውን ይምከር።

እንተኾነ እቲ ከኒና ዘላቒ መፍትሒ ዝህብ ኣይኮነን።

ኣብ 2018፡ ፍርቂ ሚሊዮን ስኮትላንዳውያን እዚ መዐገሲ መድሃኒት ክውሕጡ ሓካይም ኣዚዞምሎም ነይሮም።

እዚ ድማ ካብ 10 ስኮትላንዳዊ እቲ ሓደ ነዚ ከኒና ይወስድ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ካብ ሰለስተ ሰባት ነቲ ሓደ የጥቅዕ።

እቲ መጽናዕቲ 110 ወለንታውያን ብምስታፍ ክካየድ እንከሎ ካብዚኦም እቶም ክልተ መሰለስ መድሃኒት ጸቕጢ ደም ይወስዱ ነይሮም።

እዚኦም፡ ሓደ ግራም ፓሪስታሞል ኣብ መዓቲ ኣርባዕተ ግዜ እናወሰዱ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሑ ተገይሩ።

ቐጺሉ ድማ ንኽልተ ሰሙን ከኒና ዝመስል ጥቕምን ጉድኣትን ዘይብሉ ነገር ክወስዱ ተገይሩ።

ፓሪስታሞል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዚ መሰረት ፓራሲታሞል ዝወሰዱ ሰባት ጸቕጢ ደሞም ክውስኽ እንከሎ፡ እዚ ንወቕዒ ልብን 'ስትሮክን' ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ልዑል ምዃኑ ከም ዘርኢ ፕሮፌሰር እቲ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ዲና ተዛሪቡ።

ሓካይም ከም ጸቕጢ ደም ዝበሉ ሕማማት ንዘለዎም ሰባት ዓቐኑ ውሑድ ዝኾነ ፓራሲታሞል ክህቡዎም ይምዕድ።

መራሒ እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ኢያን ማካንታዬር እዚ መጽናዕቲ እቲ ንሓጺር ግዜ ሕማም ንምሕጋስ ዝውሰድ ፓራሲታሞል ዘካትት ኣይኮነን ይብል።

ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዶክተር ዲፔንደር ጊል ብወገኑ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጸዓዱ ስኮትላንዳውያን ምኽንያት ምውሳኽ ጸቕጢ ደም ኮይኑ እኳ እንተተራእየ ብዙሓት ዘይፍለጡ ጉድኣታታት ከም ዘለዎም የረድእ።

ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐ መጽናዕቲ ንነዊሕ ግዜ ፓሪስታሞል ምውሳድ ንወቕዒ ልቢ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።

ተመራመርቲ ኢድንብራ ድማ ኣብ ሞንጎ ፓሪስታሞልን ወቕጢ ልብን ዘሎ ርክብ እዚ'ዩ እኳ እንተዘይበሉ እቲ መጽናዕቲ ግን ንኻልእ ዓብዪ መጽናዕቲ ከም ዝጠቅም ተሓቢሩ።

ፋውንዴሽን ሀርት ዓዲ ኢንግሊዝ ግን፡ ሓካይምን ተሓከምትን ኣድላዪ እንተዘይኾይኑ ጥራሕ እምበር ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ምውሳድ ጥቕምን ጉድኣትን ከም ዘለዎ ክዝንግዑ የብሎምን ኢሉ።