ኣመሪካን ሩስያን ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት ኣካይደን፤ በዓል መን ተፈቲሖም?

ምንጪ ስእሊ, US government
ኣብ ሩስያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣመሪካውያን ዜጋታት ዝሓዘት ነፋሪት ሜሪላንድ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ።
ኣመሪካ ሓዊሱ ኣብ መንጐ ጀርመን ገለ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ እሱራት 24 ሰባት ከም ዝተፈትሑ ተረጋጊጹ።
እዚኦም፡ ጋዜጠኛ ዎልስትሪት ጆርናል ዝዀነ ኢቫን ገርሽኮቭ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነበር ፖል ዌላንን ሩሲያዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ኣልሱ ኩርማሼቫን ይርከቡዎም።
ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ድማ፡ ቀንጻሊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ዝነበረ ቫዲም ክራሲኮቭ ብጀርመን ነጻ ወጺኡ።
ሓያለ እሱራት ካብቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ዝርከብ ሸላታት ናብ ዘይፍለጥ ቦታታት ከም ዝተሰጋገሩ ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ምልውዋጥ እሱራት ክግበር ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ እዩ።
እዞም ሕጂ ዝተፈትሑ እሱራት መነ መን’ዮም?
ብወገን ሩስያ ዝተፈትሑ
ኢቫን ገርሽኮቪች
ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሽኮቪች፡ ብስለያ ተኸሲሱ ክፍረድ እንከሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ን16 ዓመታት ተፈሪዱ ነይሩ።
ሪፖርተር ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል (WSJ) ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብታ ካብ ሞስኮ ንምብራቕ ኣስታት 1600 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ የካተሪንበርግ ንስራሕ ኣብ ጕዕዞ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኣገልግሎት ጸጥታ ተታሒዙ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ንትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ከም ዝሰርሕ ከሲሶምዎ፤ መንግስቲ ኣመሪካን ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናልን ግን ነዚ ክሲ ይነጽጕዎ።
ዝሑል ኲናት ካብ ዝዛዘም ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ሓደ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኣብ ሩስያ ብስለያ ክፍረድ እንከሎ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ሞስኮ ለፎርቶቮ ተኣሲሩ ጸኒሑ።
ፖል ዌላን
ወዲ 54 ዓመት ፖል ዌላን፡ ኣብ 2018 ኣብ ሞስኮ ብሰለያ ተጠርጢሩ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ 2020 ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
እዚ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝነበረ ዜግነት ኣርባዕተ ሃገራት - ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን እዩ ዘለዎ።
ጠበቓኡ ኣብ ዞባ ሞርዶቭያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።
ኣብ ታሕሳስ 2008 ብዘይግቡእ ስነ ምግባር ካብቲ ሓይሊ ባሕሪ ክሰናበት እንከሎ፡ ኣማኻሪ ድሕነት ኰይኑ ብስራሕ ናብ ሩስያ ይመላለስ ነይሩ።
ብ2018 ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ “ብስለያ” ከሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ። ስድራኡ ወትሩ ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።
ፖል፡ ኣብቲ ግዜ ኣብ ሞስኮ ንመርዓ ሩስያዊት መሓዛኡ ተዓዲሙ’ዩ ከይዱ ነይሩ።
ሩስያ፡ ኣብ ሃገራ ክስልል “ኢድ ብኢድ” ከም ዝሓዘቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ካብ ኣባል ኣገልግሎት ጸጥታ እታ ሃገር ካብ ዝዀነ ዓርኩ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ክቕበል ተረኺቡ’ዩ ኢላ ነይራ።
እንተዀነ፡ ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖ ወግዓዊ ኣይተገብረን።
ጋዜጠኛ ኣልሱ ኩርማሸቫ
ኢቫን ገርሽኮቪች ኣብ ዝተፈርደሉ መዓልቲ፡ ሩስያዊ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኣልሱ ኩርማሸቫ ድሕሪ ምስጢራዊ መስርሕ ፍርዲ ንሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ማእከላይ ጸጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ክትእሰር ተፈሪዳ።
ንሳ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ናይ ዝምወል ራድዮ ፍሪ ኣውሮጳ/ራድዮ ሊበርቲ ኣሰናዳኢት ኰይና፡ ብዛዕባ ሰራዊት ሩስያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ እያ ተኸሲሳ።
በዓል ቤታ ፓቨል ቡቶሪን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተሓትመት መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ንዝካየድ ኲናት ዝቃወሙ ሩስያውያን ዝገልጽ እኩብ ዛንታታት ብዝሓዘት መጽሓፍ ከም ዝተኣሰረት ገሊጹ ነይሩ።
እታ ጋዜጠኛ ዜግነት ኣመሪካን ሩስያን ዘለዋ ኰይና፡ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ኣብ ፕራግ ትነብር ነይራ። ኣብ ሰነ 2023 ኣብ ሩስያ ንእትርከብ ኣደኣ ክትበጽሕ እንከላ’ያ ተኣሲራ።
ቭላድሚር ካራ፟ሙርዛ
ቭላድሚር ካራ-ሙርዛ ፍሉጥ ሩስያዊ ተቓዋሚን ሓደ ካብቶም ብዕቱብ ንስርዓት ፑቲን ዝቃወሙን ኰይኑ፡ ኣንጻር ኲናት ዩክረይንን ኣብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ዓፈናን ብግልጺ ክነቅፍ ጸኒሑ።
እቲ ወዲ 42 ዓመት ነቓፊ፡ ኣብ 2023 ብዛዕባ ሰራዊት ሩስያ "ናይ ሓሶት" ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ምስ "ዘይተደልየ ትካል" ምትእስሳር ኣለዎን ተባሂሉ ን25 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።
ጋዜጠኛን ፖለቲከኛን ዝነበረ ካራ-ሙርዛ ነዞም ክሲታት ይነጽጐም።
ንሱ ዜግነት እንግሊዝን ሩስያን ዘለዎ ኰይኑ ማእሰርቱ ኣብ ሳይበርያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ኣሕሊፉዎ።
በዓልቲ ቤቱ ብሰንኪ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠሞ ምስማም ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ከም ዘማዕበለ ገሊጻ።
ኢልያ ያሺን
ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ተቓወምቲ ሩስያ ዝዀነ ኢልያ ያሺን፡ ብዛዕባ ሰራዊት እታ ሃገር "ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕ" ኣብ 2022 ተኣሲሩ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣብ ቡቻ ንጥርጡር ገበናት ኲናት ሩስያ ድሕሪ ምኹናን'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ድሕሪ ሞት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ነበር ኣሌክሲ ናቫልኒ ያሺን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ ንህይወቱ ከም ዘስግኦ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ስሞለንስክ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዝጽሕፎም ዝነበረ ተኸታታሊ ደብዳበታት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን “ብስልጣን ዝዓበደ’ዩ” ክብል ከሲስዎ ነይሩ።
ኦሌግ ኦርሎቭ
ኦሌግ ኦርሎቭ ሩስያዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኰይኑ፡ ኣብ ለካቲት ንሩስያ ፋሽሽታዊት ሃገር ብምባልን ኣብ ዩክረይን ንዝካየድ ኲናት ብምንቃፍን ተኣሲሩ።
እዚ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ፡ ሽም ዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ "ብተደጋጋሚ ብምጽላሙ" ማእሰርቲ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ተፈሪዱ ጸኒሑ።
ኣብ ሓምለ ኣንጻር ፍርዱ ኣብ ዘቕረቦ ይግባይ፡ ስርዓተ ፍትሒ ሩስያ ምስ ስርዓተ ፍትሒ ናዚ ጀርመን ኣነጻጺርዎ።
ነዚ ስዒቡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ዳግም ክርአ ተገይሩ፤ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ ዝተኻየደ መጋብኣያ ድማ 1,630 ዶላር ተቐጺዑ ነጻ ተባሂሉ።
ድሒሩ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ እቲ ኲናት ዝግበር ዝነበረ ዓፈናታት ምስ በርትዐ ተኣሲሩ።
ሊልያ ቻኒሸቫ
ሰበስልጣን ሩስያ ብኣኽራርነት ምስ ከሰሱዋ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንትሸዓተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ተፈሪዳ።
ምስ መራሒ ተቓውሞ ሩስያ ዝነበረ ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣተሓባባሪት መርበብ ጸረ ብልሽውና ኰይና ሰሪሓ እያ።
ቻኒሸቫ፡ ካብ መሻርኽቲ ናቫልኒ ካብ ዝተፈርዱ ሓንቲ እያ፤ መብዛሕትኦም ካብ ሩስያ ሃዲሞም ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣለዉ።
ክሴንያ ፋደየቫ፣ ሳሻ ስኮቺሌንኮ፣ ጀርመናዊ ሩስያዊ መንእሰይ ኬቪን ሊክ፣ ኣብ ቤላሩስ ነተጕቲ ብምቕባር ዝተኸሰሰን ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱ ዝነበረን ጀርመናዊ ሪኮ ክሪገር፣ ኣንድሪው ፒቮቫሮቭ፣ “ብክሕደት” ተኸሲሱ ማእሰርቲ 13 ዓመታት ተፈሪዱ ዝነበረ ሩስያዊ ጀርመናዊ ዲተር ቮሮኒንን እውን ካብቶም ሩስያ ዝፈትሓቶም እሱራት’ዮም።
ሃገራት ምዕራብ ዝፈትሓኦም ሩስያውያን
ቫዲም ክራሲኮቭ
ሓደ ካብቶም ናብ ሩስያ ክምለሱ ዝበሃሉ ኣዘራረብቲ እሱራት፡ ኣባል ኣገልግሎት ጸጥታ ፈደራል ሩስያ (FSB) ቫዲም ክራሲኮቭ ኰይኑ፡ ብ2019 ኣብ ፓርክ በርሊን ንሓደ ኣብ ስደት ዝነበረ ኣዛዚ ቸቸንያ ብምቕታል ተኸሲሱ ኣብ ጀርመን ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ ዝጸንሐ እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ካብ ሩስያ ትእዛዝ ተቐቢሉ ከም ዝፈጸሞን ካብ ቪምፐል ዝተባህለት ሚስጢራዊት ኣሃዱ ኤፍ.ኤስ.ቢ ምዃኑን ገሊጾም።
ጠበቓታቱ ግን፡ ሃናጺ እምበር ቀታሊ ኣይኰነን ኢሎም ሞጒቶም።
ክራሲኮቭ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ድማ ንነብሱ ቫዲም ሶኮሎቭ ኢሉ ከም ዝጽዋዕ ተኻቲዑ፤ እዚ ስም ኣብቲ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ፓስፖርት ዝሰፈረ’ዩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሃገሩ ንኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሽኮቪች ንምፍታሕ “ሓርበኛ” ክራሲኮቭ ክፍታሕ ከም እትደሊ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ሮማን ሰለዝነቭ
ሮማን፡ ኣብ 2017 ክሳራ 169 ሚልዮን ዶላር ናይ ዘስዓበ ውጥን ምጥላፍ ብምክያዱ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ካብ ቤት መግቢ ‘ክረዲት ካርድ’ ሰሪቑ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ከም ዝሸጦ ገሊጾም።
በቲ ካብ 2009 ክሳብ 2013 ከም ዝፈጸሞ ዝግለጽ ስርሒት ድማ ን27 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ሰሌዝነቭ ካብ ኣሽሓት ትካላት ንግዲ ሚልዮናት ቍጽሪ ‘ክረዲት ካርድ’ ክሰርቕ ዘኽኣሎ ሶፍትዌር ተጠቒሙ።
ኣቦኡ፡ ቫለሪ ሰሌዝነቭ ዝተባህለ ኣባል ባይቶን መሓዛ ፑቲንን እዩ።
ቫዲም ኮኖሽቸኖክ
ኣመሪካ ንቫዲም ኮኖሽቸኖክ ኣብ 2022 ብመንግስቲ ሩስያ ዝተዋህቦ ውክልና ሒዙ ምስ ዕድጊን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ዝተኣሳሰር ውዲት ብምፍጻም ከሲሳቶ።
ወኪል ኤፍ.ኤስ.ቢ ከም ዝነበረ እውን ይግመት። ኣብቲ እዋን፡ ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ፡ ንሱን ካልኦት ተሓባበርቱን ኣዝዮም ተሃወስቲ ዝዀኑ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቑሑ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝገዝኡን ናብ ወጻኢ ከም ዝሰደዱን፡ ገሊኦም ንወተሃደራዊ ዕላማታት ክውዕሉ ከም ዝኽእሉን የመልክት።
ኣርተም ዱልትሰቭን ኣና ዱልሰቫን
በዓል ቤትን በዓልቲ ቤቱን ኣርተም ቪክቶሮቪች ዱልትሰቭን ኣና ቫለረቭና ዱልሰቫን ኣብ ስሎቨንያ ብስለያ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተፈሪዶም።
ነፍሲ ወከፎም ን19 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም። ክልተ ደቆም እውን ምስኦም ናብ ሩስያ ተመሊሶም።
ሚካኤል ቫለረየቪች ሚኩሺን
መምህር ዩኒቨርሲቲ ሚካኤል ቫለርየቪች ሚኩሺን፡ ኣብ 2022 ብራዚላዊ ምሁር ተመሲሉ ኣብ ኖርወይ ንሩስያ ሓበሬታ ስለያ ብምእካብ ተኸሲሱ።
ሰበስልጣን ኖርወይ፡ ፓስፖርት ብራዚል ከም ዘለዎን ካብ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትሮምሶ ከም ተመራማሪ ኰይኑ ከም ዝሰርሐን ገሊጾም።
ጆሴ ኣሲስ ጂያማርያ ብዝብል ስም ክንቀሳቐስ ከም ዝጸንሐ’ውን ይንገር።
ንሱ፡ ብዛዕባ ዕድመኡ ከም ዝሓሰወ'ውን ይእመን ነይሩ፤ ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ክምስረት እንከሎ ድማ ወዲ 37 ዓመት ዘይኰነስ ወዲ 44 ዓመት እዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ካልኦት ኣብቲ ምልውዋጥ እሱራት ዝተኻተቱ ሩስያውያን ወግዓዊ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ብውሽጣዊ ንግዲ ኣብ ኣመሪካ ንትሸዓተ ዓመት ዝተፈርደ ቭላድስላቭ ክሊዩሺን ኣብዚ ዝርዝር ከም ዝተኻተተ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ፖላንድ ኣብ ለካቲት 2022 ዝተትሓዘ ስጳኛዊ ሩስያዊ ጋዜጠኛ ፓቨል ኣሌክሰየቪች ሩብትሶቭ’ውን ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ዝተኻተተ ኰይኑ፡ ሰብመዚ ፖላንድ ንናይ ጋዜጠኝነት ስርሑ ንስለያዊ ተግባራት ከም ሽፋን ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ይኸሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







