ኣመሪካ ካብ ተወሳኺ መጥቃዕታት ክትቍጠብ ኢራናዊ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ

ኣመሪካ ዳግማይ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ክትጅምር እንተዀይና ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ካብ ምክያድ ክትቍጠብ ከምዘለዋ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቴህራን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ማጂድ ታኽት-ራቫንቺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኢራን ናብ ዘተ ክምለስ ከምዝደሊ ብመንገዲ መንጐኛታት ከምዝተዛረቦም'ኳ እንተገለጸ፡ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ግን፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዘይፍጸም "መረጋገጺ ከምዘይሃበ" ተዛሪቡ።
ኣብ ድሮ 13 ሰነ ዝጀመረ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል፡ ነቲ ክልተ መዓልቲ ድሒሩ ኣብ መስካት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሻድሻይ ዙርያ ዘይቀጥታዊ ልዝብ ኣፍሪሱ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ዝነበረ ግጭት ብቐጥታ ዝተሳተፈት ኰይና ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ናይ ኢራን ኒዩክለራዊ ቦታታት ደብዳብ ከምዘካየደት ዝፍለጥ'ዩ።
ታክት-ራቫንቺ ብተወሳኺ ኢራን ንሰላማዊ ዕላማታት ዩራንየም ንምህብታም "ክትጽዕር" እያ ብምባል፡ ኢራን ብሕቡእ ናብ ምምዕባል ኒዩክለራዊ ቦምብ ትሰጋገር ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጉ።
ኢራን ንናይ ምርምር መደባታ "ኒዩክለራዊ ጥረ ኣቕሓ ከይትረክብ ከምዝተኸልከለት" ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ "ዓርሰ ምርኮሳ" ከምዘድልያ ገሊጹ።
"ደረጃን ዓቕምን ናይቲ ቴክኖሎጂ ክዝረበሉ ይኽእል'ዩ፡ ግን ጠቕሊሉ ክህልወኩም የብሉን እንተዘይተሰማሚዒኹም ድማ ቦምባ ክንድርብየልኩም ኢና ምባል ሕጊ ጫካ'ዩ" ይብል እቲ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ።
እስራኤል፡ ቴህራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምውናን ቀሪባ ኣላ ብዝብል ብ13 ሰነ መጥቃዕትታ ዝጀመረት ኮይና ንኒኩለራውን ወተሃደራውን ቦታታት ዒላማ ብምግባር ኣዘዝትን ሳይንቲስትን ኢራን ቀንጺላ'ያ።
ኢራን ብወገና ናብ እስራኤል ሚሳይላት ብምንውንጫፍ ምላሽ ሂባ።
ትራምፕ፡ ስለያኡ ኢራን ዩራንየም ክሳብ ዘተገመተ ደረጃ ከተማዕብል ከምእትኽእል ሓበሬታ እንተረኺቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግማይ መጥቃዕቲ ቦምባ ንምክያድ ክሓስበሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ዘተ ክካየድ ከምዝኽእል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ታክት-ራቫንቺ ዝርርብ ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ዕለት ከምዘይተሳማምዑን እቲ ኣጀንዳ እንታይ ከምዝኾነ ከምዘይፈልጥን ገሊጹ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን "ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይዚ ሕቶ መልሲ ንደሊ ኣለና፡ ኣብ ዘተ እንከለና ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ክፍጸመልና ድዩ?" ኢሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ንጹር መርገጺ ክህልዎ ኣለዎ" ዝበለ እቲ ኢራናዊ ሚኒስተር "ንኸምዚ ዝበለ ዘተ ዘድሊ ኣድላዪ ምትእምማን ንምፍጣር እንታይ ከቕርቡልና እዮም" ኢሉ።
ኢራን ንናይ ኒዩክለር መደባታ ከም ኣካል ዝኾነ ስምምዕ ዳግማይ ክትሓስበሉ ትኽእል ድያ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ "ንምንታይ ኢና ንኸምዚ ዝበለ እማመ እንሰማማዕኸ" ኢሉ።
ንሱ ደጊሙ፡ ዩራንየም ክሳዕ 60 ምኢታዊት ምምዕባል፡ መደባት ኢራን "ንሰላማዊ ዕላማታት" ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት ኣብ 2015 ምስ ሓያል ሃገራት ዓለም ዝተገብረ ስምምዕ ኒዩክለር፡ ኢራን ልዕሊ 3.67 ምኢታዊት ጽሬት ዘለዎ ዩራንየም ከተማዕብል ኣይተፈቕደላን።
ይኹን እምበር ትራምፕ ኣብ 2018 ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝነበረ እገዳ ኣመሪካ ዳግማይ ኣተግቢሩ።
ኢራን ምስ ምምዕባል ዩራንየም ዝተኣሳሰሩ ገደባት ብምጥሓስ ሕነ ፈዲያ። ኣብ 2021 ኣብ ፎርዶ ዳግማይ ዩራንየም ክተማዕብል ከምዝጀመረትን ትሽዓተ ኒዩክለራዊ ቦምባታት ንምስራሕ ዘኽእል 60 ምኢታዊት ዝተሃብተመ ዩራንየም ከምዘዋህለለት IAEA ይሕብር።
ንኢራን ብዛዕባ ኒዩክለራዊ መደባታ ዝነቕፉ ዘለዉ መራሕቲ ኤውሮጳን ምዕራባውያንን ንኣመሪካን እስራኤልን ክነቕፉ ምተግበአ ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "ንኣመሪካ ክነቕፉ ድፍረት እንተዘይብሎም ድማ፡ ስቕ ክብሉ እምበር ነቲ ኣብ ርእስና ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምምኽናይ ክጽዕሩ ኣይግባእን" ኢሉ።
ታኽት-ራቫንቺ ኣስዒቡ ሃገሩ ኢራን፡ ኣመሪካ ንላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ዒላማ ብምግባር "ኣብ ኢራን ኣብ ናይ ስርዓት ለውጢ ክትዋፈር ከምዘይትደሊ" ዝገልጽ መልእኽቲ ብመንገዲ መንጐኛታት ከምዝተቐበለት ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ኢራናውያን ንመንግስቲ ካሜኒ ንምውዳቕ "ንናጽነቶም ክለዓሉ" ጸዊዑ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ግን፡ ትራምፕ ተመሳሳሊ ድልየት ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ገለ ኢራናውያን "ብገለ ተግባራት መንግስቲ ቅረታ ክህልዎም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ወራር ክመጽእ ከሎ ግን ሓደ ኮይኖም ክገጥምዎ እዮም" ኢሉ።
እቲ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ምስ እስራኤል ዝተገብረ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክቕጽል ስለምዃኑ "ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን" ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ ኢራን "ኣብ ልዕሌና ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ዘይተፈጸመ" ብደቂቕ ክትከታተሎ ምዃና ገሊጹ።
ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝርከባ ኣዕራብ ሃገራት መሓዙት ኢራን "ንዝርርብ ዘድሊ ሃዋህው ንምድላው ዝከኣለን ይጽዕራ ኣለዋ" ኢሉ።
ቀጠር ነቲ ሕጂ ዘሎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ምትእስሳር ቁልፊ ተራ ከምዝተጻወተት ይዝረብ።
ወሲኹ ድማ፡ "ኲናት ኣይንደልን። ኣብ ዘተን ዲፕሎማስን ክንዋፈር ንደሊ፡ ግን ድማ ክንዳሎን ክንጥንቀቕን ኣለና፡ ዳግማይ ክንግራህ ኣይግባእን" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







