ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራን ቦምባ ዘስርሕ ዩራንየም ከተማዕብል ከም እትኽእል ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ድሕሪ ኣዋርሕ ቦምባ ክሰርሕ ዝኽእል ዩራንየም ከተማዕብል ከም እትኽእል ሓላፊ ተቘጻጻሪ ንዩክለር ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰለስተ ቦታታት ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ከቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ "ደምሳሲ" ዕንወት ግን ከም ዘየስዓበ ግን ገሊጹ።
እዚ ድማ ምስቲ ዶናልድ ትራምፕ ንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን "ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ፡" ዝበሎ ዝጻረር እዩ።
ግሮሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ሓደ ሰብ'ኳ ኵሉ ነበረያ ነበረ ኰይኑን ምንም የሎንን ክብል ኣይክእልን እዩ፡" ኢሉ።
እስራኤል፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ቀሪባ ኣላ ብምባል፡ ብ13 ሰነ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ንዩክለሳውን ወተሃደራውን ቦታታት መጥቃዕቲ ፈጺማ። ኣመሪካ ድሒራ ናብቲ መጥቃዕቲ ብምጽንባር፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን ማለት ፎርዶ፡ ናታንዝን ኢስፋሃንን ደብዲባ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እቲ ሓቀኛ መጠን ናይቲ ዕንወት ገና ንጹር ኣይኰነን ዘሎ።
ግሮሲ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቴህራን "ድሕሪ ኣዋርሕ... ሒደት ሕምብረተ-ነጻጊ [ሰንትሪፍዩጋዊ] ሓይሊ ዘለዎምን ዩራንየም ዘማዕብሉን፡" ክህሉውዋ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) ንዩክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን ገና ክቕጽል ከም ዝኽእል ዝሓበረ ናይ መጀመርታ ኣካል ኣይኰነን። ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ገምጋም ስለያ ፔንታጎን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ምምዕባል ንዩክለር ንኣዋርሕ ጥራሕ ንድሕሪት ከም ዝመለሶ ኣረጋጊጹ።
ትራምፕ ነዚ መግለጺ ብቝጥዐ መልሲ ሂብሉ። ንዩክለሳዊ መደባራት ኢራን "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ፡" ብምእዋጅ፡ ንማዕከናት ዜና ድማ፡ "እቲ ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብ ዕዉታት ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ንምንእኣስ ዝግበር ፈተነ፡" ክብል ወቒሱ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኢራንን እስራኤል ተዅሲ ደው ከብላ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ትራምፕ ግን ኢራን ምምዕባል ዩራንየም ናብ ዘሻቕል ደረጃ ከተዕብዮ ከም እትኽእል ስለላዊ ሓበሬታ እንተ ተረኺቡ፡ ዳግማይ ንምጥቃዓ ክሓስበሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ኢራን ንባዕላ፡ ክሳብ ክንደይ ዕንወት ከም ዝወረዳ ተገራጫዊ ሓበሬታታት እያ ትሰድድ ዘላ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝተፈነወሎም መጥቃዕትታት ውጽኢታዊ ከም ዘይነበረ ክገልጽ ከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ ግን "ልዑልን ከቢድን፡" ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።
ኢራን ምስ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ኣብ ርእሲ ዝጸንሓ ዘይጽቡቕ ዝምድና፡ ባይቶኣ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስቲ ተቘጻጽሪ ኣካል ርክብ ክቛረጽ ድሕሪ ምውሳኑ ዳግማይ ዝበኣሰ ኰይኑ ኣሎ።
ኢራን፡ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ከም ዝወገነ እያ ትኸስስ።
ኣመሪካን እስራኤልን፡ እቲ ትካል ተቘጻጻሪ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቴህራን ንምምዕባል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ደው ንምባል ንዝኣተወቶ ውዕል ኣፍሪሳ ድሕሪ ምባሉ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማ እየን ዝገልጻ።
ኢራን ንዩክለሳዊ መደባ ሰላማዊ ምዃኑን ንስቪላዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ከም ዝውዕልን ትምጕት።

ኢራን ምስ ትካሉ ምስራሕ እኳ እንተ ሓንገደት፡ ግሮሲ ግን ሕጂ'ውን ምስ ቴህራን ክዘራረብ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
"ምስ ኢራን ክዘራረብን ኣተኵሮ ክህቦን ኣለኒ። ድሕሪ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ነባሪ ፍታሕ ከድልየና'ዩ፣ እዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ጥራሕ'ዩ ክኸውን ዝኽእል፡" ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ኣብ 2015 ምስ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ዝተገብረ ስምምዕ ንዩክለር፡ ኢራን ልዕሊ 3.67% ዩራንየም ከተማዕብል ኣይተፈቕደላን። እዚ ድማ ንንግዳዊ መመንጨዊ ንዩክለሳዊ ጸዓት ዘድሊ ደረጃ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ፎርዶ ን15 ዓመታት ዝዀነ መስርሕ ምምዕባል ከይተካይድ ተነጊሩዋ።
ይዅን እምበር ትራምፕ፡ ኣብ 2018 - ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ - ነቲ ስምምዕ ገዲፉዎ። ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምብ ንኸይትሰርሕ ዝዓግት እኹል ስራሕ ከም ዘይገበረት ብምሕባር፡ እገዳ ኣመሪካ ናብ ቦታኡ ከም ዝመለሶ ገሊጹ።
ኢራን ነቲ ሕግታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምምዕባል ዝምልከት ሕግታት ብዝያዳ ብምጥሓስ ምላሽ ሂባ። ኣብ 2021 ኣብ ፎርዶ ዳግማይ ዩራንየም ምምዕባል ጀሚራ።
ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት፡ ኢራን ትሽዓተ ንዩክለሳዊ ቦምባታት ከስርሕ ዘኽእል እኹል 60% ዝማዕበለ ዩራንየም ከም ዘለዋ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







