ኣመሪካ፡ ጀይዲ ቫነስ ምክትል ትራምፕ ኰይኑ ክወዳደር ተሓርዩ

ትራምፕን ቫንስን ኣብ 2023

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ቫንስን ኣብ 2023

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ንሓደ ካብ ቀንዲ ነቐፍቱ ዝነበረ ሰነተር ኦሃዩ ጀይዲ ቫነስ ምክትሉ ኰይኑ ክወዳደር ከምዝሓረዮ ተገሊጹ።

ትራምፕ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ 'ትሩዝ' ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ንወዲ 39 ዓመት ጀይዲ ቫንስ ‘ነዊሕ ድሕሪ ምሕሳብ’ ምክትሉ ገይሩ ከምዝሓረዮ ኣፍሊጡ።

ጀይዲ ቫንስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሰነተር ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ በታ ንታሪኽ ህይወቱ እተዘንቱ ባዕሉ ዝጽሓፋ መጽሓፍ ኣዝዩ ግኑን ዝና ዝረኸበን እታ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ዝተሸጣን’ያ።

ጀይዲ ቫነስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ‘ሂልቢሊ ኢለጂ’ ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ፊልም ተቐይራ’ውን ዓቢ ተቐባልነት ክትረክብ ክኢላ’ያ።

ጀይዲ ቫንስ ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ካብ ነቐፍቲ ትራምፕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ’ውን ትራምፕ ‘ሂትለር ኣመሪካ’ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ ነይሩ። ድሒሩ ግን ሓደ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ትራምፕ ኰይኑ።

ኣብ 2022 ኣብ ዝተግብረ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ፡ ብባርኾት ትራምፕ ተወዳዲሩ ኣባል ሰነት ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ።

ጀይዲ ቫንስ፡ ትራምፕ ምክትሉ ኰይኑ ክወዳደር ከምዝሓረዮ ብወግዒ ምስ ፈለጠ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ድሮ ንጆ ባይደን ዝነቅፍ ዘረባታት ክፍኑ ተሰሚዑ።

ንሱ ምስታ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ኣመሪካውያን ኣብ 2020 “ባዶ ዝዀነ ኣቕሓ” መሪጾም ድሕሪ ምባል “እንሀለ ሕጂ ከኣ ዓቕሚ ኣልቦ ፕረዚደንት ኰይኑ” ኢሉ።

ጀይዲ ቫንስ ኣስዒቡ፡ ኣባላት ዲሞክራትስ ንዅነታት ጥዕና ባይደን ኣመልኪቶም ግጉይ ሓበሬታ ከምዝሃቡ ብምሕባር፡ “ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ነዚ ብመንገዲ እቶም ድምጾም ዝህቡ ኣመሪካውያን ክቅጽዕሉ ወይ ክሽለምሉ’ዮም” ኢሉ።

ጀይዲ ቫንስ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ትራምፕ ዝዛረቦ ዝነበረ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሓተተሉ ከኣ፡ “እወ ብዛዕባ ትራምፕ ሓማቕ ነገራት ተዛሪበ’የ፡ ጌጋ ምንባረይ ምእማን ከኣ ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።

ጀይዲ ቫንስ፡ እታ ካብ መጽሓፉ ርዒማ ዝተሰርሐት ፊልም ምስ ተዘርግሐት’ዩ ዝያዳ ክሃብብ ጀሚሩ።

ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ‘ትሩዝ’ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ መጽሓፍ ጀይዲ ቫንስ “ንጻዕሪ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣመሪካውያን እተርእን ትንእድን’ያ” ብምባል ወዲስዋ።

ትራምፕ፡ “ጀይዲ ቫንስ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ንቅዋም ኣብ ምቅላስን ምስ ሰራዊትና ደው ብምባልን ንኣመሪካ ዳግማይ ዓባይ ኣመሪካ ኣብ ምግባር ኵሉ ዝክኣሎ ነገር ክሕግዘኒ’ዩ” ኢሉ።

ኣባላት ሪፓብሊካን’ውን ጀይዲ ቫንስ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ንኽወዳደር ብሰናይ ተቐቢሎምሞ ኣለዉ።