በርሀ ጐይትኦም፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ካብ ዘዕተሩ ኤርትራውያን ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, twitter
ኣብ ውድድር ሳልሳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ካብ ዝተሰለፉ ሸሞንተ ኤርትራውያን ዝዀነ ውሩይ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ በርሀ ጐይትኦም [ፓታታ] ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ 16 ሕዳር 2022 ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ።
በርሀ ፓታታ፡ ኣብ ቦታ ምክልኻል ተሰሊፉ ዝጻወት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ 1962 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ግብጺ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ ብሉጽ ብቕዓት ከም ዘርኣየ መዛጋብቲ ታሪኹ ይሕብሩ ።
ኣብታ 12 ኤርትራውያን ተጻወትቲ ዝመረጸት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጲያ፡ ኣብ መዛዘሚ ግጥም ካብ ዝተጻወቱ ሸሞንተ ቀዳሞት ተሰለፍቲ በርሀ ፓታታ ሓደ እዩ ነይሩ።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርትሉ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ 60ታት- መፋርቕ 70ታት፡ ደረጃ ኵዕሶ እግሪን ብቕዓት ክለባትን ኤርትራ ልዑል ብምንባሩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ካብ ኤርትራ ክትመርጽ ከም ዝኸኣለት ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ የመልክት።
በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ብጥሪ 1962 ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪካ - ካፍ፡ ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ተጻወቲ፡ ጊላሚካኤል ተስፋማርያም [ወዲ ማርያኖ] ሓላው ልዳት፣ ኣስመላሽ በርሀ፡ ክፍሎም ኣርኣያ፡ በርሀ ጐይትኦም [ፓታታ] - ተኸላኸልቲ፣ ተስፋይ ገብረመድህን [ወዲ ቕጭነ] ኢታሎ ቫሳሎ - ኣከፋፈልቲ፣ ተኽለ ኪዳነ [ስልኪ] ኢታሎ ቫሳሎ - ኣጥቃዕቲ ከም ዝነበሩ ታሪኽ እታ ሃገራዊት ጋንታ ይነግር።
ብዘይካኦም፡ ብርሃነ በየነ፡ ሃይለ ተስፋጋብር [ዱባ] ነጋሲ ገብረሚካኤል [ወዲ ባኒ] ጸጋይ ተስፋይ [ሸሪፎ] ተቐየርቲ ከም ዝነበሩ’ውን ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, ENFF
ኣብቲ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተረኽቡሉ ኣብ ጥሪ 1962፡ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ በርሀ ፓታታ፡ ምስ ድልዳለ ሰብነቱን ብቕዓቱን ሓያል ናይ ምክልኻል ዕማም ከም ዝገበረ ብጾቱ ይምስክሩ።
ኣብቲ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሃገራዊት ጋንታ ግብጺ 4 ብ 2 ረቲዓ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዝዓተረት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ጸወታ ግብጺ ኣቐዲማ 2 ብ 0 ክትመርሖ ከም ዝወዓለት እዩ ዝፍለጥ።
ድሕሪ 74 ደቒቕ ግን ኤርትራውያን ተኽለ ስልኪን ኢታሎን ሓሓንቲ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡ ነቲ ውጽኢት ብምምዕርራይ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ከምርሕ ገበሩ።
ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኢታሎ ሓንቲ ወሲኹ፤ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ተጻዋታይን ደሓር ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታትን ኰይኑ ዝነበረ መንግስቱ ወርቁ ድማ መበል ራብዓይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብሓፈሻ 4 ብ 2 ክትዕወትን፡ ዋንጫ ካብ ኢድ ንጉስ ሃይለስላሰ ክትጭብጥን ኣብቅዑዋ።
በርሀ ጐይትኦም ፓታታ፡ ብሓፈሻኡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ሓሙሽተ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዝኸኣለ፡ ሓደ ካብ ስሙያት ገዳይም ስፓርተኛታት ኤርትራ እዩ።
ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ዝሃበበሉ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣብ ዝነበረ ውዳበታት ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ተወዲቡ፡ ምስጢራዊ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ታሪኹ የመልክት።
ፓታታ፡ ኣብ 1975 ናብ ሜዳ ቓልሲ ተሰሊፉ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ተመዲቡ ከም ዝተጋደለ’ውን ይፍለጥ።
በርሀ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ካብ 1995-1998 ብደረጃ ምኽትል ፕረዚደት፤ ከምኡ’ውን ኣብ መገዲ ኣየር ኤርትራን በዓል መዚ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሰሪሑ እዩ።
ገዲም ስፖርታውን ተጋዳላይን ነበር በርሀ ጐይትኦም ፓታታ፡ ብሓሙስ 17 ሕዳር ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተቐቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







