‘ዕላማይ ብሽግር ንዝፍተኑ ዘለው ኣብነት ምዃን እዩ’ ኤርትራዊት ሞዴል ኣይዳ መብራህቱ

ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ

ምንጪ ስእሊ, Aida

ኣደይ፡ ገና ቈልዓ እንከለኹ፡ “ሆስተስ ኢኺ ትዀኒ” እናበለት፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ፍሉጥ ‘ዲዛይነር ዓይኒ’ ትወስደኒ ስለዝነበረት፡ ፍቕሪ እቲ ሞያ ኣብ ውሽጠይ ሰሪጹ ትብል፡ እታ ስሩዕ ቍመናን ንቝሕ ኣእምሮን እትውንን ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ኣይዳ መብራህቱ።

ንሳ ኣብ ብዙሕ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ውድድር ጽባቐ ዝተወዳደረት ኰይና፡ ኣብ ዝመጽእ 4 ሕዳር 2022፡ ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ፡ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋኦ ዓቢይ ውድድር ‘ፋሽን-ሾው’ ንኤርትራ ወኪላ ክትወዳደር እያ።

ኣይዳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ተመሃሪት እንከላ እያ ውድድር ጀሚራ። ኣብ 2017 ከኣ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ "Miss university Africa" ተመሳሳሊ ውድድር ብምስታፍ፡ ሓንቲ ካብተን 10 ብሉጻት ኰይና ተመሪጻ።

ምስ ኣይዳ መብራህቱ ተላለዩ

ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ

ምንጪ ስእሊ, Aida

ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣይዳ፡ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓወት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብ መበል 25 ዙር ንሳዋ ወሪዳ ተማሂራ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኮሌጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓዲቐይሕ፡ ብዓውዲ ኣፕላይድ ኢንግልሽን ሊትረቸርን ተማሂራ። ኣብ 2016 ድማ ናብ ስደት ኣምሪሓ::

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዓውዲ ሳይኮሎጂን ካውንስሊንን ትምሃር ዘላ፡ ዓቢይ ራእይ ዘለዋ ስደተኛ መንእሰይ እያ።

ንሳ ማሕለኻታት ስደት በዲሃ፡ ኣብ ትምህርታን ሞያ ጽባቐን መሰላት ስደተኛታትን ዘተኮረ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ትነጥፍ።

ብፍላይ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝግበር መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊልያነትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዅንን “ኣብ ሊብያ ጊላነት ደው ይበል” ዝብል፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ንጥፈታት ከም ግድስቲ ዜጋ ድምጻ ኣስሚዓ ነይራ።

ሞዴሊስት ኣይዳ፡ መንእሰያት ዓቕሞም ክጥቀምሉ፡ ነቲ ዘጋጥሞም ስነ ኣእሞሮኣዊ ጸቕጢ በዲሆም ብዅሉ መዳይ ኣፍረይቲ ንክዀኑ ኣርኣያ ብምዃን ሓገዝ ክህብ’ዩ ድሌተይ ትብል።

“ኣብ ፈለማ ስደትና፡ ብዘይካ እቶም ብመርዓን ምጥርናፍ ስድራን ብሕጋዊ መገዲ ዝመጽኡ ሰባት፡ ኵላትና ንግዜኡ ዋላ ይኵን ኣብ ጐደና ንሓድርን ንጽገምን ነይርና። ዳሕራይ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተና ግን መንግስትን ትካላት ግብረ ሰናይን ብዘይ ዝዀነ ፍልልይ ዓሌት፡ ሰብ ብምዃንና ጥራይ ንዓይን ንብዙሓት ከምዚ ከማይን ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ክንሰርሕን ክንመሃርን ደጊፎምና፡” ትብል።

ኣይዳ ኣብዚ እዋን ንዅሉ ሰጊራ ትመሃርን ትሰርሕን’ኳ እንተላ፡ ብዙሓት ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለው መንእሰያት ተተባብዕ።

“ብዙሓት ካባና ነቶም ግዙኣት ወልፍን ጠላዕን ኰይኖም ኣብ ግዳም ዝሓድሩ ኣሕዋትና ከም ሰነፋት ንቘጽሮም ኢና። ግን እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ብድሆን ፈተናን እዩ ናብ ዘይተደልየ ጸገም ዘእትዎም። ገሊአን ጸገም ገዛ ዘጋጠመን ኣሕዋትና ደቀንስትዮ ምስ ኣዕሩኽተን ምስተጸገዓ ጥንሲ ዘጋጥመን ኣለዋ። ግን ስለዝሰነፋ ኣይኰናን፣ እቲ ዝግባእ ሓገዝ ስለዘይረኽባ እየን ኣብ ከምኡ ዝወድቃ። ስለዚ ኣክንዲ ንፈርድን ግምታትና ንህብን ክንሕግዝን ከነተባብዕን እዩ ዝግበእ፡” ትብል።

ስለዝዀነ ኣይዳ፡ ነዞም ጸገማት ዘጋጥሞም ዘሎ ግዳም ሓደር ስደተኛታት፡ መዕቈቢ፡ መግቢ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ትምህርቲ ንምሃብ ምስ ዝሰርሕ Whitechapel Mission ብምትሕብባር ብመልክዕ gofundme ሓገዝ ምውህላል ትሰርሕ።

ኣይዳ ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገማት፡ ግዳም ሓደር ዝዀኑ ስደተኛታት “ፍትሒ ስለዘሎ ኣብ ውሽጥኹም ገይርኩሞ ንበይንኹም ኣይትጨነቝ፡ ዝዀነ ዓይነት ሽግር ከጓንፈኩም እንከሎ ኣክንዲ ስቕታ ኣብ ከባቢኹም ንዘሎ ምምሕዳር ኣካፍሉ፡” ብምባል ጸገማቶም ንመቕርቦም ከካፍሉን ተስፋ ከይቈርጹን ትላቦ።

ትካል ግብረ ሰናይ ‘Whitechapel Mission’ መን’ዩ? ንምንታይ ዕላማ’ኸ ተመስሪቱ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ትካል፡ ብወለንተኛታት ዝካየድ ኣብ 1876 ዝተመስረተ ትካል ኰይኑ፡ ንጽጉማት ማይ፡ መግቢ፡ ክዳን፡ ሕክምናዊ ሓገዝን መጽለልን ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ እዩ።

ኣብዚ ትካል ብዙሓት ወለንታውያን ግዱሳት ይሳተፉን የበርክቱን። እተን ኣብዚ ሞያ’ዚ ክነጥፋ ዝደልያ ደቀንስትዮ ከኣ ንውሽጠን ሰሚዐን ጸገማተን ንምብዳህ ተስፋ ከይቈረጻ ክሰርሓን ክጽዕራን ትላቦ።

“ከም ጓለንስተይቲ ሓያል የለን፤ እግዚኣብሄር ንጓል ኣንስትይቲ ክፈጥራ እንከሎ ሓያል ገይሩ እዩ ፈጢርዋ። ስለዚ ንውሽጥኽን ስምዖኦ፣ ንዅሉ ጸገማት ከኣ እናሰዓርክናኦ ክትከዳ ኢኽን፡“ ብምባል ነቲ ኣብ ምጅማራ ዘጋጠማ መሰናኽል ሂወት፡ ድሌታታት ብውሽጣ ብምስማዕን ብምትግባርን ከም ዘበርዓነቶ ተመኵሮኣ ተካፍል።

ኣብ ስደት ኣታዊ ኣብ ዘይብልካን፡ እሞ ድማ ስደተኛ፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ትምህርቲ እንከለኻ ወይ እውን ኣብ ትሕቲ ስድራኻ ከለኻ፡ ውድድር ጽባቐ ክትጅምር ቀሊል ኣይኰነን። ከም ኣልባሳት፡ መመላኽዒ ነገራትን ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ነገርን ስለዘድልየካ ከቢድ እዩ። ግናኸ ተስፋ ከይቈረጻ በቲ ዘለወን ተቢዐን ክጅምራኦ ትመክር - ኣይዳ።

ምኽንያቱ ንሳ’ውን ኣብ ስደት እንከላ ትዕግስትን ኣዶናይን ዝበሃሉ መሓዙታ ብዛዕባቲ ውድድር ምስ ሓበርዋ፡ “ክዕወት እየ!” ዝብል ተስፋ ሒዛ እያ ናብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝካየድ ዝነበረ ‘ወይዘሪት ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪቃ’ ክትወዳደር ትቀራረብ ነይራ።

“ሽዑ ሓድሽ ክዳን ክገዝእ ስለዘይከኣልኩ፡ ዝነበረኒ ክዳውንቲ ኣራርየ ክጠራንፍ ዝረኣያኒ ገለ መሓዙተይ ክዳውንተን ሂበናኒ። ካብ ኣእምሮይ ዘይርስዖ ዮርዳኖስ ትበሃል ሓትነይ ዝሰደደትለይ ባህላዊ ክዳውንቲ ነይሩ። ካልእ’ውን፡ ንኤርትራ ወኪለ ክወዳደር ምዃነይ ዝሰምዑ ኣቶ ነጋሽን ኣቶ ሰለሙንን ዝበሃሉ ኤርትራውያን፡ ዘይፈልጡኒ ክንሶም፡ ነፍስወከፎም ሚእቲ ዶላር ኣበርኪቶምለይ፡” እትብል ኣይዳ፡ ዕላማኻ ንምውቃዕ፡ “ዘይከኣል የለን” ብምባል ንዅሉ ነገር ብምሉእ ነብሰ ምትእምማን ክትከዶ ከምዝግባእ ትዛረብ።

ኣይዳ፡ “ዝበለጽካ ሰብ ክትከውን ዝደፍኡኻ፡ ብምኽሪን ሓሳብን ዝድግፉኻ ዓርከ ምሓዛ ምጥራይ፡ ኣብ ዕላማኻ ክትሕይል ብዙሕ እዩ ዝሕግዘካ፡” ትብል።

ኣተሓሒዛ፡ “ሞዴሊን ክትወዳደር እንከለኻ ድማ መልክዕን ቅርጽን ጥራይ ሒዝካ ዘይኰነስ፡ ብጠባይ፡ ብግብሪ፡ ብሕያውነትን ብዅሉ ነገር ነቲ ወኪልካዮ እትወዳደር ዘለኻ ሕብረተሰብ ኣርኣያን ኣብነትን ክትከውን ኣለካ ኢለ’የ ዝኣምን፡ ትብል እሞ፡ “ከም ድሌተይ ድማ እዚ ውድድር እዚ ደጋዊ ጽባቐ ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ውሽጣዊ ብስለትን ልቦናን ዘጠቓለለ ብምንባሩ፡ ተሓጒሰ እየ ጀሚረዮ። ነቲ ዝነበረ መጻረዪ ውድድራት እናሓለፍኩ ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሐ ኣለኹ።” ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ደረጃ ንቕሓት ድምጺ ምሃብ ሕብረተሰባ ትሑት ምንባሩ እትዛረብ ኣይዳ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ብተዛማዲ ክብ ኢሉን ብዙሕ ሰብ ድምጹ ይህባ ከምዘሎ ትዛረብ። ብዙሕ ሰብ ኣድሚጹልካ ማለት ከኣ፡ ህዝብኻ ሓርዩካ ኣሎ ማለት ስለዝዀነ ኣብ ምዕዋት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ተረድእ።

“ኣብዚ ሰዓት እዚ ከም ኤርትራውያን ብብዙሕ ጸበባ ንሓልፍ ስለዘለና፡ ብዛዕባ ግዳም ሓደር ጐስጓስ ክገብር ከለኹ ቅሩብ ዘይግዚኡ ኰይኑ ይስምዓኒ። ግን ከኣ ንዓና’ውን ከም ዝውክል ክትርድኡለይን ድምጺ ክትህቡንን እላቦ። እንተ ተዓዊተ ድማ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ጸገማት ከይትሓልፍ ብዝተኻእለኒ መጠን ክጽዕር እየ፣ ነታ ድሕረይ እትመጽእ ኤርትራዊት ድማ ዝጠጥሐ ጐደና ከጽንሓላ እየ” ትብል።

መንእሰይ ኣይዳ መብራህቱ: ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2022 ኣብ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ኣብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ውድድር እንተ ተዓዊታ ኣምባሳደር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ብምዃን ነቲ ዝካየድ ናይ ግበረ ሰናይ መደባት ባዕላ ክትመርሖ እያ።

ብተወሳኺ፡ ንመላእ ዓለም ባህላ ከተላሊ እያ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ተገሊፈን'የን፡፡ ኣብቲ ብ3 ሕዳር ፍርቂ ለይቲ ዝዕጾ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ካብተን ተሪፈን ዘለዋ 16 ሃገራት፡ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ኣይዳ መብራህቱ ብድምጺ ብልጫ ንኽትዕወት ናይ ኣስታት 15ሽሕ ድምጺ ክትረክብ ትሕልን።

ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ

ምንጪ ስእሊ, Aida

ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ መን’ያ?

The Miss Africa GB pageant’ ኣብ 2011 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ንኣብ ብሪጣንያ ዝተወልዳ ይዅና ኣብታ ሃገር ዝነብራ ደቀንስትዮ ብመልክዐን ጥራይ ዘኰነ፡ ባህለን፡ ፈጠራውነተንን ሞያአንን ንምልላይ ዝዐለመ መድረኽ እዩ።

ኣብተን ደቀንስትዮ፡ ናይ ምሃብ ባህሊ ከስርጽ ዝጽዕት፡ ኣፍሪቃዊ ባህልን ኣነባብራን ንመላእ ዓለም ንኸላልያ ባይታ ዝፈጥር፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝምውልዎ እዩ።