ስርዓት ክፍሊት ኢትዮጵያ ዘመናዊ ንምግባር ዝጽዕሩ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, CHAPA TECHNOLOGIES
ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ንብዙሓት ፍጻመታት ካብ መሰረቱ ኣብ ዝቐየረሉ እዋን፡ ቁጠባዊ ፋይናንሳዊ ጽላት እታ ሃገር ዘመሓድርን ዝቈጻጸርን ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ'ሎ።
እዚ መምርሒ'ዚ፡ ባንክ ዘይኰኑ ትካላት ኣገልግሎት ዲጂታዊ ፋይናንስ ክህቡ ዘኽእል እዩ።
እዚ ዝተረድኡ ናኤል ሃይለማርያምን እስራኤል ጐይቶኦምን ድማ ነቲ ዕድል ክጥቀሙሉ ጀሚሮም።
ቻፓ ፋይናንሻል ቴክኖሎጂስ ኮ ሊሚትድ፡ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘሎ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምምሕያሽ ፍቓድ ዝረኸቡ እዩ።
ንፋይናንሳዊ ስርዓት ዘመናዊ ንምግባር ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂታት፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ብሎክቸይን፡ ክላውድ ኮምፒዩቲንን ዳታን ይጥቀም።
መስረትቲ ቻፓ ዝዀኑ ናኤል ሃይለማርያምን እስራኤል ጐይቶኦምን ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ቻይና እናተመሃሩ እዮም ተራኺቦም።
ናኤል ብዳታ ሳይንስን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ናይ ማስተርስ ዲግሪኡ ይሰርሕ ነይሩ፣ እስራኤል ድማ ፊዚክስ፡ ማይክሮኤሌክትሪካል ሳይንስን ምህንድስናን እናተመሃረን ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ መጽናዕቲ የካይድን ነይሩ።
ናኤል ብዛዕባ ዕላማ እቲ ትካሎም ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰብ ሃብትን ንግድን ንምትብባዕን ምስ ዓለማዊ ቁጠባ ንምትእስሳርን እዩ" ይብል።
ቻፓ፡ ንግዳዊ ትካላት ብቐሊል ኣገባብ ብኢንተርነት መስርሕ ክፍሊት ክፍጽሙ ዘኽእል ስርዓት እዩ።
ካብ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዝዀነ ዓለምለኸ መተሓላለፍቲ ገንዘብን ባንክታትን እውን ብኢንተርነት ክፍሊት ምሃብን ምቕባልን የኽእል።
ቻፓ ብኸመይ እዩ ተመስሪቱ?
ናኤልን እስራኤልን ንትምህርትን ስራሕን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ ተጓዒዞም እዮም።
“ናብ ኢትዮጵያ ክንምለስ ከለና ዲጂታዊ ስርዓት ድኹም ምዃኑ ነስተብህል። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ሰባት ፈጠራ ስለ ዝጐድሎም ወይ ዲጂታዊ መድረኻት ስለ ዝጐድሎም ኣይኰነን። እቲ ጸገም ብኦንላይን ክፍሊት ዝገብሩሉ ስርዓት ስለዘየለ እዩ” ይብል።
ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ሰባት ተሌፎኖም ወይ ካርድ ባንኮምተጠቒሞም ክፍሊት ክገብሩ ይመርጹ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ሰባት ናይ ወረቐት ገንዘብ ወይ ሳናቲም ሒዞም እዮም ዝኸዱ።
ሃገራዊ ባንክ ነዚ መምርሒ ቅድሚ ምውጽኡ፡ እስራኤል ብኸመይ ብኢንተርነት ክፍሊት ከም ዝገብር ይሓስብ ነይሩ።
"ሃገራዊ ባንክ ነቲ ፖሊሲ ክእውጅ ከሎ፡ ክልተና ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ነይርና።" ስለዝዀነ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ትልምና ንምዕዋት ነዚ ዕድል ተጠቒምና” ክብል ይገልጽ።
እቲ ስርዓት ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ይዅን ዘይመንግስታዊ ትካላት ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ንዓማዊል ውሽጢ ሃገር ይዅን ወጻኢ ሸይጦም ብቐሊሉ ክፍሊት ይረኽቡ ኢልካ ኣይሕሰብን።
ካብዚ ንላዕሊ ድማ እቲ ኣገልግሎት ብኢንተርነት ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ብቻፓ ፋይናንሻል ቴክኖሎጂስ ዝተዳለወ ስርዓት ነዚ ንምቅላል ዝዓለመ እዩ።
ብኢንተርነት ዝግበር ክፍሊት ካብ ሃገር ወጻኢ ዝግበር ክፍሊት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ክፍሊት'ውን የጠቓልል።
"ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ብኢንተርነት ናብ ዓማዊል ውሽጢ ዓድን ዓለምን ንኽበጽሓ ክንሕግዘን ክኢልና ኢና" ይብል ናኤል።
“ኩባንያና ሞባይል ማኒ ወይ ፔይፓል ወይ ቴሌ ብር ኣይኰነን። ነቶም ዝነበሩ ስርዓታት ክፍሊት ብሓባር ኣተሓሒዝናዮም ኣለና’” ክብል ይውስኽ እስራኤል ብወገኑ።
ዘጋጠሞም ብድሆታት
ሃገራዊ ባንክ ቅድሚ እዚ መምርሒ ምእዋጁ፡ ናኤል ኣገዳስነትን ዲጂታዊ ክፍሊት ከረድእ ማዕጾ ብዙሓት ትካላት መንግስቲ ኳሕኲሑ እዩ።
ዋላ'ኳ 80 ገጻት ዝሓዘ መብርሂ ናብ ሃገራዊ ባንክ እንተ ኣቕረቡ፡ ጻዕሮም ግን ከምዘይተዓወተ ይዝክሩ።
ደሓር ከምቲ ለበዳ ኮሮና ንዓለም ካብ ሱሩ ዝቐየረ፡ ኵነታት ጽላት ዲጂታዊ ፋይናንስ እታ ሃገር’ውን ብቕልጡፍ ተቐይሩ።
“ሰበስልጣን መንግስቲ ቴክኖሎጂ ፈሊጦም፤ ቅድሚኡ ግን ብፍላይ ብመንጽር ፖሊሲ ጸገም ነይሩ።"
እዞም ክልተ መንእሰያት ዘጋጠሞም ብድሆታት ሰጊሮም ሕጂ 18 ሰራሕተኛታት ቈጺሮም ኣለዉ።
ኣገልግሎቶም ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀጺሎም ድማ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ከስፍሑ'ውን ይሓልሙ።
"ትልሚና ክሳብ 2025 ኢትዮጵያ ምስ ቍጠባ ዓለም ብምትእስሳር 100 ሽሕ ሰብ ሃብትን ትካላት ንግድን ንምሕጋዝ እዩ" ክብል ናኤል ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







