'ከመይ ትህብትም' ዝሰብኩ ሰባት ንባዕሎም ከ ይህብትሙ ዶ?

መደረ ምንቕቓሕ

ህዝቢ ኣብ ዝተኣከቦ ኣዳራሻት ይዅን ኣብ መገዲ፡ ዋላ ኣብ ታኽሲ ዝመክርን ዝሰብኽን ሰብ በዚሑ ኣሎ - ኣብ ኢትዮጵያ።

እቲ መልእኽቲ መገዲ ሃብቲ - ብልጽግና ከነርእየኩም ኣብ ዝብል እዩ ዝጥመር።

ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን ይምረቝ - ስራሕ ኣይረኽቡን፤ ‘ስራሕ ፍጠሩ’ ዝብሉ ሰበኽቲ ግን ይቕበልዎም።

ብኽንደይ መከራ ዝተረኽበ ስራሕ፡ ‘ጠንጥንዎ’ ኢሎም ይመኽርዎም፤ 'ብዘይውዓል ሕደር ናይ ባዕልኹም ስራሕ ጀምሩ - ስራሕ ፍጠሩ፡' እዩ 'ቲ መልእኽቲ።

ዋጋ መነባብሮ ሰማይ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ‘እንተቘጢብኩም ድሕሪ ጽባሕ ሚሊዮነር ክትኰኑ እኹም’ ይብል።

ድርኺት ምትብባዕ ዘሕድሩ መጻሕፍቲ ህይወት ይልውጡ’ዶ? መደረታት መድረኽ ከ ብሓቂ የሀብትሙ’ዶ?

ገለ ገለ ሰባት ‘ንዓና ረኣዩ!’ ይብሉ።

ገሊኦም ድማ ድራኸ ዘሕድሩ መጻሕፍቲ፡ ህይወት ጸሓፍቶም እምበር ህይወት ካልኦት ኣይቅይሩን ክብሉ የባጭው።

ብኽልቲኡ መዳይ ውህሉል ተመኵሮ ዘለዎም ሰባት ኣቕሪብና እንተረኣናዮኸ?

ዶ/ር ወሮታው፡ “ህይወት ሓደ ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ንምልዋጥ ይሰርሕ ኣለኹ፡” እዩ ዝብል።

ብቝጠባ ዓለምለኸ ሳልሳይ ዲግሪ ኣለዎ። ስርሑ ግን ኣተሓሳስባ መንእሰያት ምስ ሃብቲ ከም ዝቃነ ምግባር እዩ።

ዝዀነ ኣእምሮ ገኒሕካ፡ ዓወትን ብልጽግናን ከም ዝጐናጸፍ ምግባር ይከኣል'ዩ፡ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ኣብ 1992 ኣቢሉ ዝረኸቦ ስልጠና ምሉእ ህይወቱ ከም ዝተቐየረ ይዝክር- ዶ/ር ወሮታው። ድሕሪ'ቲ ስልጠና፡ ንነብሰይ ሓራ ገይረያ፡ "ተቘጺረ ክሰርሕ የብለይን" ኢለ ወሲነ ብምባል ብኸመይ ናይ ባዕሉ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ከም ዝኣተወ የዕልል። ምስ ነብሱን ምስ ሕልሙን ተራኺቡ - ብስልጠና፡ "ሃብታማት ምፍራይ" ዝብል ስርሕ ከም ዘበገሰን ይዛረብ።

“ኣየጠራጥርን'ዩ! ሓደ ሚልዮን ሃብታማት ኢትዮጵያውያን ክነፍሪ ኢና፡” ይብል።

“ነዞም ኵሎም ሰባት መዓስ ኢኻ እተሀብትሞም?”

“ድሕሪ 20 ዓመት፤ ኣብ ነሓሰ 2023 [ግእዝ]።”

እዚ ምትእምማን'ዚ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስብእና ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ህይወትካን ኣተሓሳስባካን ዝቐየረ ስልጠና ከ እንታይ ዓይነት ስልተና ድዩ ነይሩ?

“...ሽዑ ኣብቲ ስልጠና ንወሮታው [ንነብሱ] ስሒቐዮ እየ፤ ግን ድማ ንወሮታውን ናጻ ኣውጺአዮ። ንሕልመይ እሙን ክኸውን፡ ሃብተይ ኣተሓሳስባይ ከምዝዀነ ዝኣምነሉ ነገር እናሰራሕኩ ክነብር ዘኽኣለኒ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ፡” ይብል።

ህይወቱ/ኣተሓሳስባኡ ብሓንቲ ስልጠና እንተተቐይሩ፡ ስለምንታይ ህይወት ካልኦት ከ ዘይቅየር?

ናትናኤል ፋንታ፡ “ኣነቓቓሒ ስልጠና፡ ተለቂሕካ ከም ምሕጓስ እዩ”

‘ናትናኤል ሜሞሪ’ ብዝብል ስሙ ብዙሓት ይፈልጥዎ።

ፍርቂ ህይወቱ ኣብ ስልጠና ስነኣእምሮ እዩ ኣሕሊፍዎ።

ናትናኤል ብፍላይ ብናይ ምዝካር ክእለቱ፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ንብዙሓት ሰባት ዘደነቐ፣ ክሳብ ሕጂ'ውን ብዙሓት ዝዝክርዎ ሰብ እዩ።

ናትናኤል ካብ ጥበብ ምዝካር ብቐጥታ ናብ ‘ሞቲቬሽን’ [ምንቕቓሕ] ተሰጋጊሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 21 ዓመታት ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ኣነቓቓሒ ስልጠናታት ሂቡ።

ምንቕቓሕ ናትናኤል ንኽሰምዑ ብዙሓት መንእሰያት እዮም ዝስርዑ ነይሮም።

“ንዅሎም ተኣከብቲ” ከመይ የለዓዕል ከምዝነበረ ይዝክር።

ሕጂ ግን ብኣንጻሩ እዩ ኰይኑ። ንኣነቓቓሕቲ መደረታት'ውን ኣየድንቕን እዩ። ካብኡ ሰጊሩ'ውን ‘ሞቲቬሽን’ ኣይሰርሕን'ዩ ኢሉ እዩ ዝከራኸር።

“ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት ዘረጋገጽክዎ ሓቂ፡ ህይወት ሰባት ንምቕያር ቅኑዕ መገዲ ንሱ ከምዘይኰነ እዩ፡” ይብል።

ስለምንታይ? ድሕሪ 21 ዓመት እንታይ ተፈጥረ? እሞ እቲ ቅኑዕ መገዲ ደኣ ኣየናይ እዩ?

ድሕረ ባይታ ኣነቓቓሕቲ መጽሓፍቲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንርእስኻ ዝሕግዙ መጻሕፍቲን መደረታት 'ይከኣል እዩ' ን ብጃምላ ኣብ ትሕቲ ‘ርእሰ ምምዕባል’ እዮም ዝምደቡ።

ቀደም፡ ብፍላይ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ኣሜሪካ፡ ካብ ሙዚቃ ቀጺሉ ሚልዮናት ዶላራት ዘንቀሳቕስ ኢንዱስትሪ እዩ ነይሩ።

ኣቦ እዞም ድራኸ ዝፈጥሩ መጻሕፍቲ ቻርለስ ሃናል እዩ።

ደሓር ዝመጹ ህቡባት ደቀ መዛምርቱ እዮም።

ኣብቲ እዋን ዝጸሓፎ ኣእምሮ ዘሸፍት'ዩ ነይሩ።

“…ደሓር፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም መጻሕፍቱ ኣኪባ ኣቃጺላቶ እያ” ይብል ናትናኤል።

ብድሕሪኡ ኣብረሃም ማስሎው'ዩ መጺኡ። “ኣእምሮን ብምቕናይ ዝዀነ ሰብ ዝደለዮ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ ተላዒሉ።

ቐስ ብቐስ ምንቕቓሕ ካብ ገዛን ካብ ቤት ጽሕፈትን ወጺኡ ናብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣትዩ።

ሰበኽቲ ናይ ይከኣል እዩ ዝብል መንፈስ ምስ ዓንቀጻት መጽሐፍ ቅዱስ ቃንዮም ክሰብኩ ጀሚሮም።

ሚልዮናት ብተስፋ ልቦም ጠፊእዎም፣ ንርእሶም ከይሰስዑ ሃብቶም ንሰበኽቲ ሸሊሞም።

ካብ ኣፎም መዓር ዘንጠብጥቡ ሰበኽቲ ኣብያተ መቅደስ ጸቢብዎምሲ ብተሌቪዥናት መጺኦም።

‘ተሌቫንጀሊስት’ ተወሊዶም። ኣብ ኣኼባታት ስብከት ብዝተዋጽአ ገንዘብ ናይ ብሕቲ ነፈርቲ ገዚኦም። ምእመናን ግን ንታኽሲ ዝኸውን ገንዘብ ከይተረፈ ስኢኖም እናደኸዩ ከይዶም።

ርእሰማልነት ሃጢሩ፣ ውድድር ዕዳጋ ሓይሉ።

‘ምንቕቓሕ’ መሸጣ ዘተባብዕ ቀንዲ መሳርሒ ከምዝዀነ ተፈሊጡ።

ሰባት ብጽሒት ስቶክ ማርኬት ንኽዕድጉ ግድል ኰይኑ ነይሩ።

ስለዚ፡ ብምንቕቓሕ ኣእምሮ ሰባት ክሰክር ምግባር ኣድላዪ ኰይኑ።

ከምዚ እናበለ ኣብ 80ታትን 90ታትን ኢንዱስትሪ ምንቕቓሕ ሰማይ ዓሪጕ። ጸሓፍቲ ብሚልዮን ዝቝጸር ቅዳሓት ክሸጡ ጀሚሮም።

ኣብ ኢትዮጲያ'ውን ‘ኔትዎርክ ማርኬቲን’ ብስፍሓት ተጀሚሩ።

‘ጐልድ ኴስት’ ዕዳጋ ፒራሚድ ዘሳልጥ ቀንዲ ስትራተጂ መሸጣ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ሐካይም ሆስፒታላት፡ መምህራን ኣብያተ ትምህርቲ ሓዲጐም ወጺኦም። ናብ ሃብቲ ዝወስድ ዝተባህለ መገዲ ብጻዕቂ ሰብ ዓቕሉ ጸቢብዎ።

ብዙሓት፡ “ፎርማጆይ መን ወሰዶ” እናንበቡ፡ ፎርማጆኦም ናብ ምድላይ ኣትዮም። ገሊኦም ረኺቦምዎ፣ ገሊኦም ግን ስኢኖምዎ።

“ኣብ ኣዳራሽ ‘I believe I can fly’ ዝብል ደርፊ ተኸፊቱ ሰባት ብተስፋ ክበኽዩ እርኢ ነይረ፡’ ክብል ናትናኤል ነቲ ግዜ ይዝክር።

“ታሕጓስ ልቓሕ” ዝበሎ ድማ ነዚ እዩ።

ዘመን ዴል ካርንጊ

ከም በዓል ዴል ካርንጊ፡ ናፖሊዮን ሂል ካልኦትን ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ፡ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኣሜሪካ'ውን ዓቢይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ፈጢሮም እዮም።

ብፍላይ ናፖሊዮን ሂል ን25 ዓመታት ኣብ 500 ዝዀኑ ሃብታማት መጽናዕቲ ኣካይዱ፡ “Think and Grow Rich” ዝብል መጽሐፍ ምስ ጸሓፈ፡ ምሉእ ኣሜሪካ ‘ይከኣል እዩ’ ብዝብል መንፈስ ተነቓቒሑ።

ብድሕሪኡ መዳይ ‘ምንቕቓሕ’ እናዓምበበ እዩ ጸኒሑ።

መጻሕፍቲ ምንቕቓሕ፡ ብሚሊዮናት ተሓቲሞም ኣብ ኢድ ሚሊዮናት ኣትዮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ንዘመነ ቲክቶክ ብዝምጥን መልክዕ ዝጸሓፉ ተነቢቦም ብኡ ንብኡ ዝድርበዩ (Use and throw) መጻሕፍቲ ናብ ዕዳጋ ይኣትዉ ኣለዉ።

ዕዳጋ ዝቕበሎም መጽሓፍቲ ምንቕቓሕ

መብዛሕትኦም ድራኸ ዝፈጥሩ መጻሕፍቲ ብሚሊዮናት ቅዳሕ ዝተሓተሙ እዮም።

ካብ ካልኦት ዓይነታት መጻሕፍቲ (Genre) ብዘይንእስ ብኣምሓርኛ ተተርጒሞም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካልኦት መጻሕፍቲ ዳርጋ 3 ሽሕ ቅዳሕ ክሽየጡ እንከለዉ፡ እዞም ኣነቓቓሕቲ ዓይነት ግን ብቐሊሉ 20 - 30 ሽሕ ይሕተሙ ነይሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብናይ መድረኽ መደረታት ይትክኡ ዘለዉ ይመስሉ።

ረብሓኦም ቀጻሊ ድዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግን ግድን እዩ።

ናትናኤል ‘ሞቲቬሽን’ ብሓቂ ምንጪ ‘ታሕጓስ ልቓሕ’ ድዮም? ወይስ ዶ/ር ወሮታው ከምዝብሎ ሰባት ናብ ዝለዓለ ብልጽግና ዝወስዱ መገዲታት እዮም?

ሰባት ተኣኪቦም መደረ ይሰምዑ

“ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ርእሰይ ፈንጢሐ ሰሪሐዮ”

ዩኒቲ ዩኒቨርስቲ ዘመቻችኦ ስልጠና ሓድሽ ዝመነ ብርሃን ዝኸፈተሉ ዶ/ር ወሮታው፡ ኣነቓቓሕቲ መጽሓፍቲ እናኣለሸ ከንብብ ጀሚሩ።

ንሱ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ፡ መጽሓፍቲ ቭላድሚር ሌኒን እምበር ናይ ናፖሊዮን ሂል ኣይነበሩን።

ብዛዕባ ብሕታዊ ንግዲ እውን ዝሕሰብ ኣይነበረን።

ድሕሪ 1992 ግን እኒ ናፖሊዮን ሂል መጺኦም። ዶ/ር ወሮታው ፈለማ "Think and Grow Rich" ዝብል መጽሓፍ እዩ ኣንቢቡ።

ልዑል ምንቕቓሕ ፈጢሩሉ። ብድሕሪዚ ናብ ሃድን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጽሓፍቲ ኣትዩ።

“ብድሕሪ'ቲ ስልጠና ኣብ ዝነበሩ 6 ዓመታት፡ ርእሰይ ፈንጢሐ ከም ብሓድሽ ሃኒጸዮ” ይብል።

መስርሕ ምንቕቓሕ ከመይ እዩ?

ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዙ ኣእምሮና መርበብ ሓሳባት እናማዕበለ እዩ ዝነብር።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ብገማግም ክሳዕ 60 ሽሕ ሓሳባት የልዕል።

መብዛሕትም እዞም ሓሳባት ጣዕሳን ተስፋን እዮም፤ ትማሊን ጽባሕን።

ብኻልእ ኣዘራርባ ኣእምሮና ናብ ትማሊ ይመልሰና፣ ወይ'ኣን ናብ ጽባሕ የዝልለና።

ኣብ ሎሚ ኴንና፡ ኖኣ ሕጂ ኵን እንተ ኢልናዮ ሐራይ ኣይብልን።

ምስ ውነኡ ዘሎ ሰብ ንምርካብ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፡ ይብል ናትናኤል።

ምስ ውነ ምዃን እንታይ ማለት እዩ?

ምስ ውነኻ ምዃን ቀሊል ኣይኮነን። ሓሳብ ደው ክብል ምግባር ከቢድ።

ንኣብነት ሰባት ዊስኪ ዝምዕጕ፡ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ዝጋልብ ሓሳባት ደው ከብሉ እዩ። እዚ ድሕሪ ዝተወሰነ ምዕጎ ክዕወት ይኽእል'ዩ።

ፊልም ንርእየሉ ምኽንያት እውን ተመሳሳሊ እዩ፤ ሓሳብና ደው ክነብል። ፊልም ብምርኣይ ንሕጐስ እንተ ወሓደ ንሓደ ሰዓት እቲ ሓሳብና ደው ስለዝብል እዩ።

እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ናይ 15 ዓመት ዘጣሕሰና ነገራት እናሓሰብና ኣብ ሕማም ክንወድቕ ኢና፣ ክንኣርግ ኢና።

ናብቲ ቀንዲ ነጥብና ንመለስ።

ብዛዕባ ምንቕቓሕ ክንሰምዕ እንከለና ብሓጎስ ንጽለል።

መብዛሕትና ብደውና ጠስሚ ንሰቲ። ሕልምና ክንሕይኽ የሕግዙና፡ ብመደረ ብመጽሑፍ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ክንንሳፈፍ ይገብሩና።

ስለዚ ልዑል ናይ ምንቕቓሕ ስምዒት ይፈጥረልና።

ኣብ መስርሕ፡ ካብ ሰባት ተመኵሮ ምቕሳም፡ ልዑል ፍቕሪ ምንባብ ከምኡ'ውን ርእሰ ምትእምማን ክፍጠሩ ይኽእሉ።

“ሞቲቬሽን - ምንቕቓሕ - ናብ ተሪር ዲሲፕሊን ዝመርሖም ሰባት ኣለዉን እዚ ኣዎንታዊ ጐድኑ እዩ” ይብል ናትናኤል።

እቲ ሕማቕ ነገር ግን ኣነቓቓሒ መደረ ወይ ቲቪ ወልፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናብ ንቡር ዓለም ክንምለስ እንከለና ስለዘሕመና ኣብኡ ክንተርፍ ንመርጽ።

ብመነቓቕሒ መድሃኒት ንሰርሕ እንተዄንና ናይቲ መድሃኒት ጽግዕተኛ ምዃንና ኣይተርፍን፤ ምንቕቓሕ ወልፊ እዩ። ኵሉ ወልፊ ቀጨውጨው ኣለዎ፡ ይብል።

ናትናኤል ኣብ እዋን ሰውራ ምንቕቓሕ ብዙሓት ቅኑዓት ነገራት ከምዝተፈጥሩ ኣይክሕድን።

‘ሰባት ምንባብ ለሚዶም። ምስ ሓድሽ ሓሳባት ተላልዮም። ኣጠቓቕማ ግዜ ኣመሓይሾም።’

መሰረታዊ ጸገም እዚ ምንቕቓሕ ግን “ልቍሕ ታሕጓስ ምፍጣሩ” ከምዝኾነ ይገልጽ።

“ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት መኪና፡ ከምዚ ዓይነት ገዛ፡ ከምዚ ዝበለ ሓዳር ክህልወኒ እንከሎ ሕጕስ ክኸውን እየ…” እንተ ኢልካ ኣብ መስርሕ ታሕጓስ ኣለኻ ማለት እዩ።

ንምዃኑ ሰባት ድሕሪ መነቓቕሒ ንባብ/መደረ ዝተወሰነ ጭንቀት ዝስምዖም ንምንታይ እዩ?

“ኣብ ሓጐስ ልቓሕ ስለ ዝነበሩ እዩ” ዝብል ምላሽ ይህብ ናትናኤል።

“ከምዝበልኩዎ፡ ኣነ ኣብ ኣነቓቓሕቲ መደረታት ሰባት ጸልየ እየ። እዚ ተመሃሮይ ዝምስክርዎ እዩ። ግጕይ ከምዝነበረ ንኽርዳእ ግዜ ወሲዱለይ እዩ።”

እሞ ፍታሕ ኣለዎ’ዶ?

ንባዕልኻ ከይሃብተምካ ምስጢር ምህብታም ክትምህር ኣይከብድን’ዶ?

ኣብ ኣሜሪካ መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ብልጽግና እንተ ወሓደ ሃብታም ናይ ምዃን ሕቶ መሊሶም እዮም።

ሚልዮናት ቅዳሓት መጽሓፍቲ ሸይጦም፡ ህዝቢ ኣነቓኒቘም እዮም።

እዚ ግን ኣብ ሃገርና ኣይርኣይን።

"ሚስጥር ሃብቲ፡ መፍትሕ ብልጽግናን እንካ" ዝብሉ ሰባት ንርእሶም እውን ዘይፈለጡ ዝመስልሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ብዛዕባ'ዚ ዶ/ር ወሮታው፡ ንዅሉ ኣብ ሓደ ዘንቢል ምንባር ግቡእ ከምዘይኰነ'ዩ ዝጠቅስ።

ብልምድን ብተመኵሮ ህይወትን ሓሊፎም ዝስልጥኑ ሰባት ኣለዉ። ህዝቢ ኣብ ኣዳራሽ ኣኪቦም ብዘይ ገለ ልምዲ ዘሰልጥኑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተዋስኦ ዝሰርሑን እውን ኣለዉ።

“ኣብነት ናፖሊዮን ሂል ‘ቲንክ ኤንድ ግሮው ሪች’ ንምጽሓፍ 25 ዓመት ወሲዱሉ እዩ።”

ስለዚ እቲ ጸገም ኣብቲ ስልጠና ዘይኮነስ ኣብቲ ኣሰልጣኒ እዩ።

“ንኣብነት ኣሰልጣኒየይ ዝሓሰብካዮ ስለዝሓለምካ ጥራይ ክትረኽቦ ኢኻ ኣይበለንን፣ ዝኸፍሎ ዋጋ ከምዘሎ እዩ ኣምሂሩኒ።”

ብዘይተፈተነ ህይወት፡ ብጥዑም ለዛ ጥራይ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ምጽዋት ጌጋ እዩ ዝብል ዶ/ር ወሮታው፡ “ምሉእ ኣዳራሽ ኣሐጒስካ ምስዳድ ይከኣል እዩ። ንሕና ግን ከምኡ ኣይንገብርን፡” ይብል።

ስለዚ ስልጠና ምንቕቓሕ ይሰርሕ እዩ ማለት ድዩ?

“ከመይ ደኣ! ሰብ ካብ በዓቲ ዝወጽኦ ካብ ሽግር ክገላገል እዩ። ቈራጽነት እንተ ሃልዩ ዘይሰርሕ ነገር የለን። ሓደ ሰብ 8 ሰዓት ኣብ ኦፊስ፡ 8 ሰዓት ድማ ኣብ ታክሲ እንተሰርሐ እንታይ እዩ ጸገሙ? ቈራጽነት እንተ ሃልይዎ ማለተይ እየ።”

ወርሓዊ ደሞዝተኛ ካብ ምዃን ተገላገል እናበልካ ሰበኻ ኸ እንታይ እዩ ጥቕሙ?

“ተቈጺርካ ኣይትትረፍ እምበር ኣየተቈጸር ኣይኰነን፣ ሰብ ተመኵሮ ከማዕብል ኣለዎ።”

ሃብትን ብልጽግናን ዝሰብኩ ሰባት ግን ስለምንታይ እዩ ንባዕላቶም ዘይሃብተሙ?

“እዚ ጌጋ እዩ። ንኣብነት ንኣስልጣኒ ሃይለ ገብረስላሰ፡ ጎያዪ ከይኮንካ ስለምንታይ ተሰልጥን ይበሃል ድዩ? ምሁር ሰብ ነታ ዝተምሃራ እንተምሂሩ እዅል እዩ።”

ዶ/ር ወሮታው ባዕሉ ግን ካብ መንጐ እቶም ዘይሃብተሙ ከምዘይኰነ ብምግላጽ፡ “ኣነ ሚሊዮነር ኰይነ እየ። 20 ግዜ ዝተሓትመ መጽሐፍ ኣለኒ። ካልእ 12 ግዝ ዝተሓትመ'ውን ኣለኒ። ኣብ ባንክ ሕብረት ናይ 6.6 ሚሊዮን ኣክሲዮን ኣለኒ። ዘካረኽዎ ገዛ ኣለኒ። ገንዘብ ከእቱ ዝጀመረ ዩቲዩብ'ውን ኣለኒ። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ደሊኻ?”

ስለዚ ሞቲቬሽን ውጽኢት ኣለዎ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ?

“እወ! ቀንዲ ሃብቲ ሰብ ኣተሓሳስባኡ እዩ።

ኣማራጺ መገዲ ናትናኤል

ዶ/ር ወሮታው ካብ ዝብሎ ብኣንጻሩ ዘሎ ናትናኤል ከም ውልቀ ሰብ ኮነ ከም ሃገር ካብቲ ዝኣተናዮ ቅልውላው ዘውጽኣና ሞቲቬሽን ኣይኰነን ይብል።

እንታይ ደኣ “ኮንሽየስ ምዃን” ዝብል ድፉን መልሲ ይህብ።

‘ምስ ውነኻ ምዃን፡ ምንቃሕ፡ ዘለኻዮ ምፍላጥ’ ማለቱ እዩ።

ምንቕቓሕ ኣብ ጁባ ዘይነቕሐ ሰብ ኣቲኻ ገንዘብ ንምውጻእ ይሰርሕ'ዩ። ንሰብ ፖለቲካ እውን ህዝቢ ንምምራሕ ይሕግዞም እዩ።

ኣብ ኣእምዎ ዘይነቐሐ ህዝቢ መነቓቕሒ ኣእቲኻ ክተስክሮ ትኽእል ኢኻ። ግን ለውጢ ክተምጽእ ኣይትኽእልን ይብል።

“ጃፓን ድምጽ የለን፡ ስራሕ ግን ይስራሕ እዩ። ኣብ ሃገርና ግን ኵሉ ብዛዕባ ምንቕቓሕ ይዛረብ ኣሎ። ንምንታይ ይመስለካ?”

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብዙሕ ኣብያተክርስትያን ወንጌል ዘይኮነስ ምንቕቓሕ እዩ ዝስበኽ ዘሎ። እየሱስ እንታይ የምጽኣለይ እምበር መዓስ እዩ ክመጽእ ዝብል ዝሓስብ ሰብ የለን።”

“ምንቕቓሕ ናይ ሃገርና ካብቲ ቅልውላው ንምውጻእ ኣየስርሕን። ንኽእል ኢና፡ ዓባይ ሃገር ነይረና፡ ዓባይ ክንከውን ኢና ዝብል ፈኸራ ሃገር ኣይልውጥን። ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኢና ዘለና። ሞቲቬሽን ነዚ ፍታሕ ኣየምጽእን።”

ናትናኤል ብተደጋጋሚ እቲ መማረጺ ን‘ኮንሺየስነስ’ - ንቕሓት - ምፍታን ከምዝዀነ ይዛረብ።

እንታይ እዩ ንቕሓት ክበሃል እከሎ ግን ንጹር መልሲ ኣይህብን።

“ምንቃሕ። ኣብ ውሽጢ ሰላም ምዃን። ምስ ውነኻ ምዃን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምንባር።”

እንታይ ማለት እዩ?

“ኣብ ጥቓኻ ዝሕርፍፍ ነገር ኣሎ?’

“እወ!”

“እንተ ሃልዩ እቲ ስምዒት ብቓላት ግለጸለይ።”

ገሊጸሉ።

“ብቓላት ኣጸቢቕካ ገሊጽካለይ ኢኻ፡ ንዓይ ግን ኣይሓርፈፈንን።”

እንታይ ክትብል ከምዝደለኻ ኣይተረድኣንን።

“ንቕሓት ከምኡ እዩ። ትነብሮ እምበር ብቓላት ኣይትገልጾን። ወረ ዘይኮነስ ተግባር እዩ።”