ዩትዩብ፡ ሚልዮናት ዶላራት ዝረኽቡ ዘለው ዓሰርተ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ መነመን እዮም?

ኣብ 2021 ካብ ዩትዩብ ዝበዝሐ ክፍሊት ዝረኸበ ሚስተር ቢስት

ምንጪ ስእሊ, MrBeast/Youtube

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2021 ካብ ዩትዩብ ዝበዝሐ ክፍሊት ዝረኸበ ሚስተር ቢስት

ፎርብስ ዝተሰመየ ኣብ ኣሜሪካ ዝዳሎ ናይ ቢዝነስ መጽሄት ኣብ 2021 ካብ ዩትዩብ ዝለዓለ ክፍሊት ንዝረኸቡ ሰባት ዕላዊ ገይሩ።

ስሙ ጂሚ ዶናልድ ሰን እኳ እንተኾነ ሰዓብቱ ብ ‘ሚስተር ቢስት’ እዮም ዝፈልጥዎ።

ሚስተር ቢስት ዕድሚኡ 23 ኮይኑ ሃብታም መንእሰይ ክኸውን በቒዑ ኣሎ። ኣብ ዩትዩብ ዝጠቕዖም ቪድዮታት ብድምር ልዕሊ 10 ቢልየን ግዜ ተራእዮም 54 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

ንሱ ነቲ ብ13 ዓመት ዝንእሶ ኣብ ዩትዩብ ንክልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝለዓለ ተኸፋሊ ኮይኑ ንዝጸንሐ ህጻን ራያን ካጂ ብምብላጽ ነዚ በቒዑ።

ብዛዕባ ባምቡላታት ቀጻሊ መደባት ዘዳሉ ወዲ 10 ዓመት ራያን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ስሙ ኣብ ቅድሚት ክጥቀስ እዩ ጸኒሑ።

ብመሰረት ግምት መጽሄት ፎርብስ ኣብ 2021 እቶም ኣብ ዩትዩብ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ዓሰርተ ተኸፈልቲ ብድምር 300 ሚልዮን ዶላር ረኺቦም ኣለው።

ጄክ ቦል ዝተባሃለ ተጓሳጥን ዩትዩበርን ካልኣይ ታርታ ሒዙ ኣሎ። ንሱ ድሕሪ 2018 ንፈለማ እዋን እዩ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዝጥቀስ ዘሎ።

ናይ ሎምዘበን መስርዕ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ ዩትዩበራት ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮን ጸዓዱን ዝተዓብለለ ብምዃኑ ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ትካላት ምዝንጋዕ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። ንዩትዩብ ግና ሽሻይ እዩ ፈጢሩ።

ዩትዩበርን ተጓሳጥን ጃክ ፖል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዩትዩበርን ተጓሳጥን ጃክ ፖል

እቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኽ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዕዳግኡ ዝዓመረ ድሕሪ እቲ ለበዳ እዩ።

ኣብ 2021 ብዝሒ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዩትዩብ 2.3 ቢልዮን በጺሑ ኣሎ። እዚ ኣስታት 30% ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ማለት እዩ።

ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቱ ብድምር መዓልታዊ 1 ቢልዮን ሰዓታት ዝበጽሕ ቪድዮ ይርእዩ።

ንምዃኑ እቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ በዓል መን እዮም?

10. ፕሬስተን ኣርሴመንት

ፕሬስተን ኣርሴመንት ‘ማይንክራፍት’ ኣብ ዝተባሃለ ጸወታ ዘተኮሩ ቪድዮታት ብብዝሒ ዘዳሉ ኮይኑ ካልእ’ውን የቕርብ እዩ።

ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ዓስራይ ታርታ ክስራዕ እንከሎ፤ ኣብ 2021 ኣስታት 16 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረኸበ ይግመት። እዚ ምስቲ ኣብ ዝቐደመ ዓመት ኣብ ሻምናይ ታርታ ኮይኑ ካብ ዝረኸቦ ኣታዊ ትሕት ዝበለ ምዃኑ ይግለጽ።

9. ሎጋን ፖል

እቲ ኣዘራራቢ ተጓሳጥን ውዕሎኡ ብቪድዮ ዘቕርብን (ቭሎገር) ዝኾነ ሎጋን ፖል ኣብ 2017 መበል ዓስራይ ደረጃ እዩ ተሰሪዑ ነይሩ። ኣብ 2021 ንሱ 18 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ እዩ ረኺቡ።

8. ዱድ ፐርፈክት

ዘሰሕቕ እከይ ተግባር (ፕራንክ) ዘዳሉ ዱድ ፐርፈክት ኣብ 2020 ኣብቲ መስርዕ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግና ሻምናይ ብምዃን 20 ሚልዮን ዶላር ረኺቡ ኣሎ።

ሰባተኛ ደረጃ ላይ የሚገኘው ሪያን ካጂ

ምንጪ ስእሊ, YouTube/Ryan's World

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሻብዓይ ታርታ ዘርከብ ሪያን ካጂ

7. ሪያን ካጂ

ኣብ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ዩትዩበር ኮይኑ ዘሎ ሪያን ካጂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ናብ ሻብዓይ ወሪዱ።

ኣብ 2021 ብዘዳለዎም ናናይ መጻወቲ ቆልዑ ዝድህስስ መደባት፣ መምሃሪ ቪድዮታትን ናይ ስድርኡ ምንቅስቓሳት ዝድህስሱ ቪድዮታትን 27 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

6. ናስትያ

ጓል 7 ዓመት ሩስያዊት ናስትያ ኣብ ዩትዩብ 90 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ።

ንሳ ናይ ቆልዑ መጻወቲ ናውትታት ብምቕራብ ዝጀመረት ኮይና ኣብዚ እዋን እትጽዕኖም ንውዕሎኣ ዝድህስሱን ሙዚቃዊ ቪድዮታትን ህቡብነት ስለዘምጽኡላ ኣብ 2021 ኣታዊኣ ናብ 28 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ ኣሎ።

ጓል ሸውዓተ ዓመት ዩትዩበር ናስትያ

ምንጪ ስእሊ, Nastya/YouTube

መግለጺ ስእሊ, ጓል ሸውዓተ ዓመት ዩትዩበር ናስትያ

5. ኣንስፒከብል

ናብ ዝርዝር ዝለዓሉ ተኸፈልቲ ሓድሽ ዝኾነ ኣንስፒከብል ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ‘ማይንክራፍት’ ጸወታ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ክጽዕን ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ስፖተር ዝገበሮ ስምምዕ’ዩ ኣታዊኡ 28.5 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ኣኽኢሉ።

4. ሬት ኤንድ ሊንክ

ኣብ ዩትዩብ ናይ ዝመሓላለፍ ናይ ዘተ መደብ ኣዳላዊ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 30 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ጌሩ።

3. ማርኪፕለር

ማርኪፕለር’ውን ካልእ ናይ ጸወታ (ጌም) ቪድዮታት ዘዳሉ ኮይኑ ነቲ ስም ፍሉጥ ምልክት ንግዲ ክገብሮ ክኢሉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 38 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከኣ ረኺቡ።

2. ጃክ ፖል

ኣብ ካልኣይ ታርታ ዝተቐመጠ ተጓሳጢ ጄክ ፖል፡ ከዋኽብቲ ምስ ዝኾኑ ተጓሰጥቲ ኣብ ዝገበሮ ከቢድ ቅልስ ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥርይ እንከሎ ኣብዚ ዓመት 45 ሚልዮን ዶላር ተኸፊሉ።

1.ሚስተር ቢስት

ኣብ ዩትዩብ ናይዚ ዓመት ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ኮይኑ ንሰዓብቱ ንምሕጓስ ዝተፈላለዩ መደባትን ዘሰሕቕ እከይ ተግባራትን (ፕራንክ) ይጥቀም።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘቕረቦም ቪድዮታት 80000 መናብር ኣብ ዘለዎ ስታድዩም ጭርጭር ዓበደ ተጻዊቱ ኣብ ትሕቲ መሬት’ውን ተቐቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ዊንታና ይልማ፡ ካብ ተኸታታሊት ዩቲዩብ ናይ ባዕላ መደባት ናብ ምድላው