ኣፍጋኒስታን፡ ፌስቡክ ምስ ጣሊባን ምትእስሳር ዘለዎ ትሕዝቶ ምእጋዱ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጣሊባን፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል ፌስቡክ፡ ንጣሊባንን ንዕኡ ዝድግፉ ትሕዝቶታትን ኣብ መድረኹ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ስራሕ ዝተዳለው ኣፍጋናውያን ሰራሕተኛታቱ ንዝልጠፍ ትሕዝቶታት ክከታተሉን ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ንዘለዎም ክድምስሱን ምዃኖም ሓቢሩ።
ጣሊባን መልእኽትታቱ ናብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ንዓመታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ግና ትካላት ቴክኖሎጂ ነቲ ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ንዘለዎ ትሕዝቶ ብኸመይ ክሕዙ ከም ዘለዎም ሓድሽ ብድሆ ኮይንዎም ኣሎ።
ኣፈኛ ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ጣሊባን እገዳ ዝተነብረሉ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ፤ ንሕና ድማ ብመሰረት ፖሊሲ ሓደገኛ ውድባት ካብ ኣገልግሎታትና ኣጊድናዮም ኣሎና። እዚ ማለት ብጣሊባን ወይ'ውን ንዕኡ ብዝውክሉ ኣካላት ዝካየድ ገጻት ንኣልዮ፡ ንዕኡ ዝምጉሱን ዝድግፉን ትሕዝቶታት ንኽልክል" ኢሉ።
ፖሊሲታት ፌስቡክ ንኹሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማለት ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዘጠቓልል ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ።
እንተኾነ፡ ጣሊባን ንዝተፈላለዩ ርክባቱ ዋትስኣፕ ከም ዝጥቀም ይግለጽ።
ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ'ውን ምስ ጣሊባን ምትእስሳር ንዘለዎም ትሕዝቶታት ብኸመይ ከም ዝኣልይዎ ቍጽጽር ይግበረሎም ኣሎ።
ኣፈኛታት እቲ ጉጅለ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ንከተማ ካቡል ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጹ ነይሩ።
ትካል ትዊተር ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ትዊተር ዝኾነ ንግብረሽበራን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዘተባብዕ ጉጅለ ከም ዘየፍቅድ ገሊጹ።
ብኣልፋቤት ዝውነን ዩትዩብ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ዘለዎ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







