ኣብ ዕለተ መርዓኣ ብጥይት ዝተቐትለት መርዓት

እቲ ቦታ ፍጻሜ ብ ፖሊስ ተኸቢቡ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦታ ፍጻመ ብፖሊስ ተኸቢቡ

ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳዊት ከተማ ኣቪንዮን ኣብ እትርከብ ቍሸት፡ ሓንቲ መርዓት ድግስ መርዓኣ ብጥይት ከምዝተቐትለት ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

እታ ጓል 27 ዓመት መርዓት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ዕጡቓት ተዅሲ ድሕሪ ምኽፋቶም እያ ምሸት ዕለተ መርዓኣ ተቐቲላ።

ኣብቲ ኣብ ቍሸት ጐልት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሓደ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ ክቕተል እንከሎ፡ መርዓውን ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኮተቴን'ውን ብኸቢድ ቈሲሎም።

ነዚ ስዒቡ ነቶም ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ክሃድሙ ዝኸኣሉ ጥርጡራት ንምርካብ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣባላት ፖሊስን ሄሊኮፕተርን ዘሳተፈ ሃድን ይካየድ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ ገበን ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር ምፍዳይ ሕነ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብራ።

ሰብመዚ መርመራ ቅትለትን ፈተነ ቅትለትን ከፊቶም ኣለዉ።

ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ዲድየር ፔረሎ በቲ መጥቃዓቲ ከምዝተቖጥዐ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ዲድየር ፔረሎ በቲ መጥቃዓቲ ከምዝተቘጥዐ ገሊጹ

ኣብቲ ሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እታ ጓል 27 ዓመት መርዓትን ወዲ 25 ዓመት መርዓውን፡ ካብቲ ኣብ ኣዳራሽ ዓዲ ዝነበረ ድግስ መርዓኦም ክወጹ እንከለዉ እዮም መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ተዅሲ ከምዝኸፈቱሎም እዩ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝወጸ ጸብጻባት ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ብመኪና እቶም መጻምድቲ ከምዝተሃርመ እኳ እንተገለጹ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣቪንዮን ፍሎረንስ ጋልቲየር ግን እቲ ጥርጡር፡ "ኣብ ምልውዋጥ ተዅሲ" ከምዝተሃርመ ጠቒሱ።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ብመኪና'ኳ እንተመጹ ድሕሪ እቲ ተዅሲ ግን ብእግሮም ከምዝሃደሙ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ።

ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን 28 ሰባት ኣብቲ ኣዳራሽ ከምዝነበሩን፡ በቲ ፍጻመ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ፈኲስ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሓን ሓቢሩ።

እቲ ኣዳራሽ ኣብ መጋቢት "ኣብቲ ምምሕዳር ብዘይነብሩ ሰባት ንመርዓ" ከምዝተሓዝአ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ዲድየር ፔረሎ ገሊጹ።

ፔረሎ፡ "ኣነ ተቘጢዐ ኣለኹ" ብምባል፡። "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ንዝተረኣየለን ስመን ዘይጠቕሰን ከተማታት ክንከውን ዳርጋ ቀሪብና ኣሎና፡" ኢሉ።

ወዲ 50 ዓመት ወናኒ ቤት መግቢ ጊላውም ሞሊናስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ነታ ኣስታት 1000 ነበርቲ ዝቕመጡላ ዓዲ "ሕማቕ ስም" ከይህባ ከምዝሰግእ ገሊጹ።

ማዕከን ሓበሬታ ኤኤፍፒ ብወገኑ፡ " ኣብታ ዓዲ ናይ መወዳእታ ዝዓበየ ፍጻመ ዘጋጠመሉ ቅድሚ 125 ዓመታት እዩ ነይሩ" ብምባል ተወሳኺ ዝርዝር ዘይብሉ ሓበሬታ ሂቡ'ሎ።