ትግራይ፡ ኣብ ራብዕቲ መርዓኣ ዝተቐተለት ሊድያ 'ንኣደኣ ሓንቲ እያ'

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ኣብ ከተማ ውቕሮ “መርዓዊ ንመርዓቱ ቀቲሉ” ዝብል ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሰጋገር ዝወዓለ ኰይኑ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ድሕሪ መርዓ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ራብዕቲ መዓልቲ መርዓኦም ዘጋጠመ ብምዃኑ፡ ዘይንቡርን ኣሰንባዲን ከምዝገበሮ ወሃብቲ ርእይቶ ይዛረቡሉ ኣለዉ።
እቲ ብገበን ቅትለት ዝተጠርጠረ መርዓዊ ብርሃነ ገብረጨርቆስ ዝተበሃለ ተወላዲ ከተማ ውቕሮ ዝዀነ መንእሰይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብስራሕ ንግዲ ከምዝነባበር ተፈሊጡ’ሎ።
እታ መዋቲት መርዓት እውን ሊድያ ኣለም ዝተበሃለት ጓል እታ ከተማ ኰይና ኣብ መቐለ ትነብር ምንባራ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ግርማይ ፍሮዝ ንመዋቲት ሊድያ ኣለም ኣኰኣ ኮይኑ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ጓል ሓፍቱ ዝተፈጸመ “ዘስካሕክሕ ቅትለት” ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እዞም ክልተ ሰባት ዝሓለፈ ሰንበት 3 ጥቅምቲ 2017 [ግ] ቃልኪዳን ከምዝኣሰሩን፡ ኣብ ራብዓይ መዓልቱ - ብሓሙስ 7 ጥቅምቲ ድማ መርዓት ሊድያ ኣለም ከም ዝተቐትለት ማዕከን ዜና ድወት ንኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ውቕሮ ኮማንደር ገብረመድህን ገብረጅወርግስ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እዞም መርዓውቲ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ብዝርዝር ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ክግለጽ እንከሎ፡ ዛጊት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ግን መርዓዊ ብርሃነ ገብረጨርቆስ ንመርዓቱ ሊድያ ኣለም ናብ ሸውዓተ ጥቅምቲ 2017 [ግ] ኣብ ዘውሕግሕ ለይቲ ሓኒቑ ከም ዝቐተላን፡ተጠርጣሪ ሰዓት 10:00 [ማለት ሰዓት 4:00 ኣጋ ወጋሕታ] ባዕሉ ኢዱ ንፖሊስ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ ኣሎ ።
ተጠርጣሪ፡ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህይወቱ ከጥፍእ ዝተፈላለየ ፈተነታት’ኳ እንተካየደ ፖሊስ ማዕረ-ማዕረ ዘካይዶ ዘሎ ምርመራ ዘድሊ ሓለዋን ክትትልን ይገብረሉ ከምዘሎ ኣዛዚ ፖሊስ ኮማንደር ገብረመድህን ገሊጹ።
ፖሊስ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፡ መንእሰይ ብርሃነ ኣብታ ከተማ ዝተሰነደ መዝገብ ገበን ከምዘይተረኽቦን፡ ካብቲ ዝነብረሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሒዝዎም ዝመጸ ንብረቱ እውን ኣብቲ ዘዕረፈሉ ሆቴል ከምዝተረኽበን ኣፍሊጡ።
'ሊድያ ንኣደኣ ሓንቲ እያ'
ግርማይ ፍሮዝ፡ እታ ከም ውላዱን ሓፍቱን ገይሩ ዝሓብሐባን ዘዕበያን ሊድያ ንጐንጺ ዝዕድም ባህሪ ዘይነበራን ሰላማዊ ናብራ ክትምስርት ትብህግን ከም ዝነበረት ይገልጽ።
“ሊድያ ዝገርም ባህሪ እዩ ነይርዋ። ቈልዓ ኰይና’ውን፡ ቈልዑ ከም ዝገብርዎ ንሰብ ኣይትጻረፍን... ገስረጥ ዝዀኑ ቃላት ዘይትዛረብ፣ እርንብ ዝበለት ብስርዓት ዝዓበየት ቈልዓ’ያ” ይብል።
ሊድያ ኣለም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ 2013 መጋቢት ጀሚራ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትነብር ከም ዝነበረትን ኣብ ሓደ ትካል ህንጻ ብሞያ ኣካውንቲን ተቘጺራ ትሰርሕ ከም ዝነበርትን ግርማይ ይገልጽ።
ንወላዲታ ሓንቲ ብምዃናን ካልኦት ኣሕዋት ስለ ዘይብላን፡ ‘ውለዲ’ ዝብል ቃል ወላዲታ ክትፍጽም ትተግህ ከም ዝነበረት ይዝክር።
“ቅልል ዝበለ ሰላማዊ ናብራ ክትምስርት፡ ወላዲታ ክተሕጉስ ትምነይ ነይራ። ሰላማዊ ህይወት ትናፍቕ፣ ስድራ መስሪታ ንወላዲታ ኣዮኺ ክትብልን ርግኣት ክትፈጥረላን ትምነ፡ ንዕኡ ድማ ትተግህ ነይራ።”
መዋቲት ሊድያ ኣለምን መርዓዊኣ ብርሃነ ገብረጨርቆስን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተላለዩን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመርዓኦም ብሓደ ናብ ውቕሮ ከም ዝመፅኡን ኣኮኣ ይዛረብ።
“ኣብ ስራሕ ውዒላ ትኣቱን ዓርሳ ትኽእልን እያ ነይራ። ምስቲ ሕዚ ቀቲልዋ ዘሎ መርዓዊዓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተላልዮም መርዓ ንምፍፃም ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ውቕሮ መጺኦም። ብሰንበት መርዕኦም ፈጺሞም፣ ሰኑይ ዓዲ ወዲ ቤተሰብ ተላልይዎም። ሓሙስ ድማ ናብ ዓዲ ጓል መጺኦም ስድራ ክላለዩን እንግዶት ምሳሕ ክካየድን ትልሚ ነይሩ። ረቡዕ ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ግን፡ ኣብ ዝዓረፍሉ ሆቴል ቀቲልዋ፤ ቤተሰብ ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ወላዲታ ብስንባደ ጥዕናኣ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ጭንቂ እዩ ኰይኑና ዘሎ” ይብል።
ተጠርጣሪ ብርሃነ ገብረጨርቆስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብንግዲ ይመሓደር ከም ዝነበረ፣ ንጓል ሓፍቱ ሊድያ “ንብዙሕ ዓመታት ፍቕራዊ ሕቶ የቕርበላ ከም ዝነበረን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ንፍቕራዊ ሕቶኡ ከም ዝተቐበለቶን ከም ዝፈልጥ ይገልጽ።
“ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፍቕሪ፣ ንመርዓ ይሓታ ከም ዝነበረ፣ ንሳ ከምኡ ዓይነት ድሌት ከም ዘይነበራ እየ ዝፈልጥ። ደሓር ግን ወላዲታ፡ ‘ኣነ ሓንቲ ጓለይ ወሊደስ፡ ፍረ ኣብራኽኪ እንከይራእኹ ድየ ክመውት?’ ተመርዐዊ እናበለት ስለ ትደፍኣ ዝነበረት፡ ብቐረባ ዝፈልጦ ወዲ ዓደይ፣ መታዓብይተይ እዩ ኢላ ስለ ዝኣመነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስኡ ክትምርዖ ወሲና መርዓ ከምዝፈፀመት ኢና ንፈልጥ” ኢሉ።
ሊድያ ብኸመይ’ያ ተቐቲላ?
ግርማይ፡ ቅትለት እታ ከም ንእሽተይ ሓፍቱን ጓሉን ዝሕብሕባ ጓል ሓፍቱ ምስ ሰምዐ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ውቕሮ ከም ዝመፅአ ብምሕባር፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣቀታትላ ሊድያ ካብ ስድራን ካብ ቤተሰብ ተወኪሎም ነቲ ሬሳ ኣብ ሕክምና ከይዶም ካብ ዝረኣዩን ሰባት ክርዳእ ከም ዝፈተነ ይዛረብ።
እቲ ቅትለት ብፖሊስን ፍትሒ ኣካላትን ይጻረ ብምህላዉን ውጽኢት ምርመራ ሬሳ “ኣብ ኢዶም ስለ ዘይኣተወን ወዲእካ ንምዝራብ ከም ዝኸብድ” ብምግላጽ፡ ሊድያ “ ብጣዕሚ ግፍዓዊን ብዘስካሕክሕን ኣቀታትላ እያ ተቐቲላ’’ ይብል።
“ብጣዕሚ ክፍኣት ብዝተመልኦ ግፍዓዊ ብዝዀነ መንገዲ እዩ ቀቲልዋ። ብኢዱ ሓኒቝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካልኦት በላሕቲ ነገራት’ውን ተጠቒሙ፡ ንምዝራብ ብዘድንጹ መልክዑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብነት ሓፍትና ግፍዒ ፈጺሙ’’ ብምባል፡ ኣቀታትላ ጓል ሓፍቱ ዘሰካሕክሕ ከም ዝዀነ ይሕብር።
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ውቕሮ ኮማንደር ገብረመድህን ገብረጅወርግስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መርዓት ሊድያ ኣለም ዝተፈፀመ ቅትለት ንቢቢሲ ብምርግጋጽ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ከተማ ውቕሮ ሆቴል ሰርዶ ከም ዝተፈጸመ ካብ ምሕባር ብዝዘለለ፡ ዝርዝር ጉዳያት ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ጠንቂ እቲ ሞት ክኸውን ዝኽእል ኣብ መንጐ እቶም መጻምዲ ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ነይሩ ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ግርማይ ፍሮዝ፡ “ከም ስድራ፡ ኣብ መንጐ እታ ግዳይን ተጠርጣርን ቅርሕንቲ ከም ዘይነበረ ኢና ንፈልጥ። ኣሎ ኢልና እውን ኣይንኣምን እዚ ንክፍኣትን ሰይጣናዊ ስራሕን ዝተፈፀመ ገበን ቅትለት እዩ ኢልና ንኣምን እምበር እዚ ጽልኢ ነይርዎም ኢልና ኣይንኣምንን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ ድሕረ ኲናት ትግራይ፡ ብብዝሒ ዝተራእዩ ዝተፈላለዩ ገበናት ስርቂ፡ ክትራን፡ ቅትለትን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታትን ክስነዱ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ኣብ እዋን ኲናትን ዝሰዓበ ማሕበረ-ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ዝተፈጥረ ኵለ-ሸነኻዊ ምህማሽ ኣብ ስነልቦና ሰባት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ከቢድ ጸቕጢን ማህሰይቲን ከውርድ ከምዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ነሓሰ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝተቐትለትሉ ኣመና ዘሰንብድ ፍጻመ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዓድዋ፡ ጓል 16 ዓመት ማህሌት ተስፋይ ተጨውያ፡ መበጆ ገንዘብ ተሓቲቱላ ደሓር ግን መይታ ከምዝተረኽበት ተገሊጹ ምንባሩ እውን ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ብሉጻት ተምሃሮ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ትምሃር ዝነበረት ቤተልሄም ገብረሚካኤል እውን ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ንዓሰርተ መዓልታት ደሃያ ጠፊኡ ድሕሪ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሓደ ቀላይ ሞይታ ተረኺባ።
ብሰንኪ እዝን ካልኦት ተመሳሰልቲ ፍጻመታትን ስድራ ቤታ ከቢድ ሓዘን ወሪድዎም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡን ፍትሒ ክረጋገጽን ይጽበዩ ኣለው።
እቲ ኣብታ ክልል ዝተፈጥረ ሃዋሁ ንምፍዋስ ድማ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ማሕበራውን ትካላትን ተራአን ክጻወታ ተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ጾታዊ መጥቃዕቲታትን መጭወይትን ዝዅንን ሰለማዊ ሰልፊታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ከተማታት ትግራይ ተኻይዶም እዮም።
ኣብቲ ሰልፊ እቲ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት እናገደደ ዝመጽአ መጥቃዕቲታት፡ መቕተልትን መጭወይትን ደው ንኽብልን ግዳያት ግቡእ ፍትሒ ክረኽባን ጻውዒት ቀሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይዅን ሰነዳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ብኣሸሓት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ባርነትን መጥቃዕትን ከምዝተፈጸመን የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







