ብርእሰ ቅትለት ደቂተባዕትዮ ተሓተትቲ ደቂኣንስትዮ እየን ዝበለ ፖለቲከኛ ተወቒሱ

ሓዘንተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖለቲከኛ ደቡብ ኮርያ፡ ምውሳኽ ነብሰ ቅትለት ደቂ ተባዕትዮ ምስቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ "ዓብላልነት" ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣተኣሳሲሩ ገሊጹዎ፤ በዚ ድማ ሓደገኛን ጭብጢ ዘይብሉን ርእይቶ ሂቡ ተባሂሉ ይንቀፍ ኣሎ።

ኣባል ባይቶ ከተማ ሴኡል ኪም ኪ-ዳክ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ዘለወን ተሳትፎ ምውሳኹ ደቂ ተባዕትዮ ስራሕ ከምኡ'ውን ሓዳር ክገብራ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮን ክረኽቡ ይጽገሙ ኣለዉ ክብል እዩ ዝምጕት።

ንሱ፡ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን "ብደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝተዓብለለ ሕብረተሰብ ክትቅየር ጀሚራ" ከምዘላን እዚ ድማ "ንወሰኽ ፈተነታትን ነብሰ ቅትለትን ደቂ ተባዕትዮ ብኸፊል ምኽንያት ክከውን ከምዝኽእልን" እዩ ገሊጹ።

ደቡብ ኮርያ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ርእሰ ቅትለት ዝፍጸመለን ሃብታማት ሃገራት ዓለም ኰይና ኣብ ጾታዊ ማዕርነት እውን ዝኸፍአ ስም ኣለዋ።

ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝዀነ ኣባል ባይቶ ኪም፡ ኣብ ሩባ ሃን ሴኡል ኣብ ዝርከቡ ድልድላት ዝተፈጸሙ ብዝሒ ፈተነታት ነብሰ ቅትለት ዝምልከት መረዳእታታት ኣብ ዝትንትነሉ እዋን’ዩ ኣብዚ መደምደምታ በጺሑ።

እቲ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ባይቶ እታ ከተማ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ቍጽሪ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ኣብ 2018 ካብ ዝነበሮ 430 ኣብ 2023 ናብ 1,035 ከምዝዓበየ የመልክት።

ፈተነታት ነብሰ ቅትለት ብብዝሒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝተረኣየ ኰይኑ ካብ 67 ናብ 77 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ይሕብር።

ክኢላታት ምክልኻል ርእሰ ቅትለት ኣብ ርእይቶ ሚስተር ኪም ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮንሰይ ሴኡል ፕሮፌሰር ጥዕና ኣእምሮ ሶንግ ኢን ሃን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እኹል መርትዖ ዘይብሉ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራብ ሓደገኛን ዘይልቦናዊን’ዩ” ኢሉ።

ብደረጃ ዓለም ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ህይወቶም ባዕሎም ከምዘጥፍኡ ዘመልከተ እቲ ፕሮፌሰር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነብሰ ቅትለት እቲ ዝዓበየ መንቀሊ ምስኣን ህይወት ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ፕሮፌሰር ሶንግ፡ ቍጽሪ ኣብታ ሃገር ርእሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸሉ ምኽንያታት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ምክያድ ከምዘድልዮም ብምግላጽ፡ እቲ ኣባል ባይቶ ግን ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ብምምጻእ ጾታዊ ግጭት ምግባሩ "ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎም ዓብይ ፍልልይ ከምዘሎ ይግለጽ። ደቂ ኣንስትዮ ግዝያዊ ወይ ናይ ፈረቓ ስራሕ እየን ብብዝሒ ዝሰርሓ።

ኣብ መንጐ ጾታ ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ቀስ ብቐስ እናጸበበ ይኸይድ'ኳ እንተሎ ሕጂ’ውን ግን ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ29 ሚእታዊት ዝወሓደ ደሞዝ ይኽፈለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተስፋ ብዝቘረጹ መንእሰያት ዝምራሕ ጸረ ደቂኣንስትዮ ዝዀነ ምንቅስቓስ ተላዒሉ ኣሎ። ንሳቶም ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝተገብረ ፈተነታት ናብ ድኽነት ንኽጥሕሉ ምኽንያት ከምዝዀነ እዮም ዝምጕቱ።

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያታት ዘጋውሕ ዝመስል ጸብጻብ ኣባል ባይቶ ኪም፡ እዚ “ተርእዮ ዕብለላ ደቂ ኣንስትዮ” ንምብዳህ ዝሕግዝ ዝበሎ መንገዲ፡ ሰባት ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎም ንቕሓት ብምምሕያሽ “ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ዕድላት ንኽረኽቡ” ዝሕግዝ ምዃኑ ይድምድም።

ኮርያውያን ንሓሳብ እቲ ኣባል ባይቶ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ብምምጻእ “ጭብጢ ዘይብሉ”ን “ንደቂ ኣንስትዮ ዝጸልእን” ክብሉ ይዅንኑ ኣለዉ።

ኣባል ባይቶ ኪም ኣብ ዘረባኡ ተወሳኺ ርእይቶ ንክህብ ካብ ቢቢሲ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ "ነቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዕብለል ሕብረተሰብ ክነቅፍ ከምዘይሓሰበን" ብዛዕባ ገለ ሳዕቤናቱ ውልቃዊ ርእይቶኡ ጥራይ ከምዝሃበ ገሊጹ።

ብዙሓት ሰባት ነብሰቅትለት ዝፍጽሙሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልኦት ኣዘራረብቲ ሓሳባት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ኣባል ባይቶ ሴኡል፡ መጠን ወሊድ ንምውሳኽ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ጂምናስቲክ ክሰርሓን ምውስዋስ ኣካላት ክለማመዳን ዘተባብዕ ተኸታታሊ ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘርጊሑ ነይሩ።

ሓደ መንግስታዊ ትካል እውን ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ኣቐዲመን ትምህርቲ ክጅምራ ሓሳብ ዘቕረበ ኰይኑ፡ ነዚ ሓሳብ ዘቕረበሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ንኽምርዓዋ ድሉዋት ኣብ ዝዀናሉ እዋን ንመማህርተን ዝያዳ ሰሓብቲ ምእንቲ ክዀና ዝብል እዩ።

ዳይረክተር ማሕበር ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኮርያ - ዩሪ ኪም፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶታት ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሰፍሐ ዘመልክት እዩ” ትብል።

ፖለቲከኛታትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲታትን እውን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ብድሆታት ንምርዳእ ከምዘይፈተኑ ከሲሳ።

"ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ምእታወን ምውቃስ ኣብ ሕብረተሰብና ንዘሎ ዘይምዕሩይነት ዘናውሕ እዩ" ክትብል ድማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ደቂ ኣንስትዮ፡ 20 ሚእታዊ ካብ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኮርያ፡ ካብ ኵሎም ኣባላት ከባቢያዊ ባይቶታት ከኣ 29 ሚእታዊት ብጽሒት ይሕዛ።

ምምሕዳር ከተማ ሴኡል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፖለቲከኛታት ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኦም ዝዘርግሕዎ ትሕዝቶ ዘይሕጋዊ እንተዘይኰይኑ ዝፍተሸሉ ዝዀነ መስርሕ ከምዘየለ ገሊጹ’ሎ።

ውልቀሰባት ንዝዝርግሕዎ ትሕዝቶታት ባዕላቶም ተሓተትቲ ምዃኖምን ሳዕቤኑ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ከምዝረኽብዎን ወሲኹ ሓቢሩ።