ጥዕና፡ ኣብ ርእሰከተማ ኡጋንዳ ቫይረስ ኢቦላ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርእሰከተማ ኡጋንዳ ዝኾነት ካማፓላ ብኢቦላ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዝተረኸበ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር፡ እቲ ግዳይ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምናዊ መርመራታት ብኢቦላ ምልካፉ ከምዘረጋገጸት ገሊጻ ኣላ።
እቲ ኢቦላ ሱዳን ዝብል ስም ዘለዎ ሕማም፡ ቀታሊ ዝኾነ ረስኒ ዘስዕብ ኮይኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ክመሓላለፍ ዝኽእል'ዩ።
እቲ ተላባዒ ሕማም ዝተረኸቦ ውልቀሰብ ወዲ 32 ዓመት ኰይኑ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ሆሰፒታል ሙላጎ ነርስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ'ዩ።
እቲ ውልቀ ሰብ ሕማሙ ኢቦላ ምዃኑ ቅድሚ ምርግጋጹ ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላትን ኣብ ባህላውያን ሓካይምን እናተመላለሰ ክርአ ከምዝጸንሐ ሰብመዚ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር እቲ ብሕማም ኢቦላ ከምዝተለኸፈ ዝተረጋገጸ ውልቀሰብ ብርቱዕ ረስኒ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣፍልብን ሕጽረት ምስትንፋስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ድሕሪ ምርኣይ ኣብ ኩሉ ኣካላቱ ብርቱዕ መድመይቲ ምስ ኣጋጠሞ ንሞት ከምዝተቓለዐ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስተሪ ብምስዓብ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምግታእ ነቶም ምስዚ ሰብ ኣካላዊ ቅርበት ዝነበሮም ሰባት ንምልላይን ንምውሻብን ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ኣብ መወዳእታ መስከረም 2022 ተመሳሳሊ ዓይነት ኢቦላ ተራእዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጥሪ 2023 ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቆጻጸረቶ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር ሕማም ኢቦላ ክርአ እዚ ናይ ሕጂ ንሓሙሻይ ግዚኡ ኰይኑ፡ ኢቦላ ሱዳን ከኣ ንኻልኣይ ግዜኡ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ክሳብ ሕጂ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ዝሃቦም ሽዱሽተ ዓይነት ኢቦላ'ዮም ዘለዉ።
ኢቦላ ዛየር፡ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ፡ ኢቦላ ሱዳንን ኢቦላ ታይ ፎረስትን እቶም ንሰብ ከጥቅዑ ዝኽእሉ ኮይኖም እቶም ክልተ ረስቶንን ቦምባሊን ዝተብሃሉ ዓይነታት ኢቦላ ከኣ ንኣጥበውቲ እንስሳታት ዘጥቅዑ'ዮም።
እቲ ኢቦላ ዛየር ዝብሃል ዓይነት ኢቦላ ክታበት ክህልዎ እንከሎ፡ ኢቦላ ሱዳን ግን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ክታበት የብሉን።
ኢቦላ ቡርቱዕ ረስኒ፡ ረሸሽታ፡ ምምህማን ጭዋዳታት፡ ሕማም ርእሲን ቃንዛ ጎረሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ብምርኣይ ተምላስ፡ ብርቱዕ ውጽኣት፡ ስሓ፡ ውሽጣውን ግዳማውን መድመይቲ ብምስዓብ ክሳብ ሞት ዘቃልዕ ሕማም'ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ካብቶም ብኢቦላ ዝተለኸፉ፡ ብማእከላይ ገምጋም እቶም ፍርቆም ንሞት ከምዝቃልዑ'ዩ ዝገልጽ።
እንተዀነ ኣቐዲሙ ኢቦላ ኣብ ዘጋጠመለን ሃገራት፡ ዋላ እኳ ኣብቲ ነቲ ሕማም ንምፍዋስን ንምግታእን ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምትታት ዝምርኰስ እንተኾነ፡ መጠን ሞት ካብ 25 ሚኢታዊት ክሳብ 90 ሚኢታዊት ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኢቦላ እንታይ እዩ?
ኢቦላ ቀታሊ ቫይረስ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ሃንደበታዊ ረስኒ፡ ብርቱዕ ድኻም፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ቃንዛ ጐረሮን ዘጠቓልል ምልክታት የርኢ።
ስዒቡ፡ ተምላስን ውጽኣትን የኸትል፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ውሽጣውን ግዳማውን መድመይቲ ከስዕብ ይርአ።
ግዜ ምዕባለ እቲ ሕማም ካብ ክልተ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ኢቦላ ምስ ካልኦት ከም ዓሶን ቲፎ - 'ታይፎይድ'ን ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







