ዛጊድ 63 ሰባት ዝቐተለ ህቦብላ ሄለን ናብ ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካ ይዛመት

ሳዕቤን ህቦብላ ሄለን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሄለን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህቦብላ ብደቡባዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣቢሉ ኣብ ዝነፍሰሉ ዘሎ እዋን ዛጊድ ንሞት 63 ምኽንያት ኰይኑ፡ ናብ ካልኦት ግዘረኣታት ኣመሪካ እናተዛመተ ይርከብ።

ኣብ ሰሜን ካሮላይና እትርከብ ኣብ ኣኽራናት ዝበዝሖ እትርከብ ከተማ ኣሸቪል፡ ብውሕጅ ከምዝተኸበትን ርክባት ከምዝተቛረፀን፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝከዎነ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

ኣብታ ግዝኣት ልዕሊ 400 ጽርግያታት ካብ ኣግልሎት ወፃኢ እንትዀኑ፡ 10 ሰባት ሞይቶም።

ገለ ኣገደስቲ ቀረባት ናብ ነበርቲ ብኣየር ክበፅሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ሮይ ኩፐር ገሊጹ።

ሰበስልጣን ነቶም ኣብ ብውሕጅ ተዓጽዮም ዘለዉ ግዳያት ንምሕጋዝ ብጀላቡ፡ ሄሊኮፕተራትን ዓበይቲ መካይንን ፃዕርታት ምድሓን ቀጺሎም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዘጋጠመ ህቦብላ፡ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝዀነን ብሓሙስ ድማ ናብ ጆርጅያን ካሮላይናን ተሰጋጊሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

ትካላትን መድሕንን ፋይናንስን፡ እቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ዕንወት ናብ ቢልዮናት ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ጽርግያታትን ኣባይትን ብውሕጅ ዘዕለቕለቑ ኰይኖም፡ ሓንቲ ኣባላት ስድራ ብኸመይ ካብ ገዛኦም ሓምቢሶም ብምውጻእ ናብ ውሑስ ቦታ ከም ዝተሰጋገሩ ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጾም።

እቲ ህቦብላ እናተዳኸመ ከምዝኸይድ እንተተገልፀ'ኳ፡ ብርቱዕ ንፋስ፣ ውሕጅን ስግኣት ዕስለ ኣንበጣን ክቕጽል ከም ዝኽእል ትንበያታት የጠንቅቑ።

እቲ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ህቦብላ ብሓሙስ ምሸት ናብ ገምገም ባሕሪ ከም ዝተቐልቀለን ኣብቲ ከባቢ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት ከም ዝጸንሐን ኤጀንሲ ምሕደራ ህጹጽ እዋን ፈደራል ሓቢሩ።

ሃገራዊ ማእከል ህቦብላ ከም ዝበሎ፡ ምውሳኽ ማዕበል ህቦብላ - መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ገማግም ባሕሪ ብዝነፍስ ብርቱዕ ንፋስ ዝነቅል ከይኑ፡ ኣብ ገለ ክፋል ገማግም ባሕሪ ፍሎሪዳ ልዕሊ 4.5 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ መሬት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ህቦብላ ሄለን ዘስዓቦ ሓያል ንፋስ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ህቦብላ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክሃድእ ከምዝዀነ’ኳ እንተተገመተ፡ እቲ ካብ ብርቱዕ ንፋስን ውሕጅን ዝመጽእ ሓደጋ ክቕጽል ምዃኑን፡ ምህማም መሬት ከጋጥም ከም ዝኽእል’ውን ተገሚቱ’ሎ።

እቲ ህቦብላ ንፍሎሪዳ ድሕሪ ምጥቃዑ፡ ናብ ጆርጅያ ዝቐጸለ ኰይኑ ብውሑዱ 15 ከም ዝሞቱ ኣመሓዳሪ ብራያን ኬምፕ ገሊጹ።

እቲ ኣመሓዳሪ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ክሕግዙ ኣዚዙ።

ኣመሓዳሪ ጆርጅያ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 150 ጽርግያታት ከም ዝተዓጽዉ፡ ኣብ መላእ እታ ግዝኣት 1300 ምልክታት ትራፊክ ካብ ስራሕ ወጻእ ከም ዝዀኑን ሰባት ገና ኣብ ህንጻታት ተዓጽዮም ከም ዘለዉን ገሊጹ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ነበርቲ ሳዕቤናት እቲ ህቦብላ ገና ከም ዘይተወድአ ብምዝኽኻር ነበርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።