ጎብለል ቴክኖሎጂ ብሪጣንያ ምስ ጓሉ ብሓደጋ ጀልባ ደሃዮም ተሳኢኑ

ምንጪ ስእሊ, Vigili Del Fuoco Handout/Reuters
ጎብለል ቴክኖሎጂ ብሪጣንያዊ ማይክ ሊንችን ጓል 18 ዓመት ጓሉን፡ ትማሊ ንግሆ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ደሴት ሲሲሊ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ካብ ዝጠፍኡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
እታ 56 ሜትሮ ዝንውሓታ ጀልባ ዜጋታት እንግሊዝ፡ ኣመሪካን ካናዳን ሓዊሱ 22 ሰባት ጽዒና ነይራ።
ጓል ሓደ ዓመት እንግሊዛዊት ሓዊሱ 15 ሰባት ምድሓን ዝተኽኣለ ኰይኑ ንዝተረፉ ንምርካብ ድማ ኣለሻ ቀጺሉ'ሎ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸብኦ እታ ባየስያን ዝተባህለት ጃልባ ኣብቲ ባሕሪ ንዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ስዒቡ እያ ተገልቢጣ።
"ብሪጣንያዊ ቢል ጌትስ" ብዝብል ዝፍለጥ ሚስተር ሊንች፡ ንኩባንያ ሶፍትዌር ኣውቶኖሚ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ዝመስረተ ኰይኑ፡ ድሒሩ እቲ ኩባንያ ሄውሌት-ፓካርድ ዝተብሃለ ትካል ቴክኖሎጂ ብ11 ቢልዮን ዶላር (8.6 ቢልዮን ፓውንድ) ዓዲግዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሰኻኽር ዓይኒ ንማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣንሳ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መልሕቕ ናይታ ባየስያን ዝተበሃለት ጀልባ ብምውራዱ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ ዓንዲ ፈሪሱ።
ሽዑ ሚዛና ስሒታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቁሸት ፖርቲቸሎ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሲሲሊ ፓለርሞ ጥሒላ።
ኣባላት ምድሓን ሓደጋ፡ ኣብ 50 ሜትሮ ትሕቲ ማይ ስብርባር ናይታ ጀልባ ብምርኣዮም ነቶም ዝጠፍኡ ይደልዩ ኣለዉ።
ዋና ዳይረክተር ትካል ሲቪላዊ ሓለዋ ሲሲሊ ሳልቫቶረ ኮቺና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሚስተር ሊንች፣ ጓሉ ሃና ሊንችን ሼፍ እታ ጃልባን ካብቶም ዝጠፍኡ ምዃኖም ገሊጹ።
ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝተሓገዘ ኣለሻ ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ጥቓ እቲ ስብርባር ሬሳ ሓደ ሰብኣይ ተረኺቡ’ሎ። ዜግነቱ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።
ቢቢሲ መዛግብቲ ብምርኣይ ዋንነት ናይታ ባየስያን ዝተብሃለት ጀልባ ምስ በዓልቲ ቤት እቲ ጎብለል ቴክኖሎጂ ሊንች ዝዀነት ኣንጀላ ባካረስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ።
ወይዘሮ ኣንጀላ ካብቲ ሓደጋ ከም ዝደሓነት ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ካብቲ ሓደጋ 15 ሰባት ምድሓን ዝተኽኣለ ኰይኑ ሓንቲ ጓል 35 ዓመት ኣደ ንጓላ ሓቊፋ ተሪፋ’ላ።
እታ ሻርሎት ጎሉንስኪ ዝተብሃለት ሰበይቲ፡ "ንኽልተ ካልኢት ዝኸውን ንጓለይ ኣብቲ ባሕሪ ስኢነያ። ድሕሪኡ ብኡንብኡ ኣብ ማእከል ሓያል ማዕበል መሊሰ ሓቚፈያ" ትብል።
"እቲ ባሕሪ ብሓያል ህቦብላ እናተናወጸ ኣጽኒዐ ሓቝፈ ሒዘያ። ብዙሓት የእውዩ ነይሮም። ዕድል ጌርና እታ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ተዘርጊሓ፤ 11 ካባና ድማ ክንድይብ ክኢልና" ክትብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣረዲኣ።
እታ ህጻን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላን እታ ኣደ ድማ ቀሊል ሕክምና ከምዝተገበረላን ተሓቢሩ'ሎ።
እቲ ጕዕዞ ሚስተር ሊንች ንመሳርሕቱ ዘዳለዎ ከምዝነበረ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም።
ኣብቲ መጀመርታ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረት ባንዴራ ሆላንድ ዘለዋ መርከብ፡ ነቶም ካብቲ ማዕበል ዝደሓኑ ሰባት ኣድሒና፡ ህጹጽ ሓገዝ ክሳብ ዝመጽእ ድማ ትከናኸኖም ነይራ።
ካፕቴን ናይታ መርከብ ዝዀነ ካርስተን ቦርነር፡ እቲ ህቦብላ ደው ምስበለ እቶም ሰራሕተኛታት እታ ብድሕሪኦም ዝነበረት ጃልባ ምጥፍኣ ከም ዘስተብሃሉ ገሊጹ።
ሓደ ናይቲ ከባቢ ገፋፊ ዓሳ ብወገኑ ሰባት ካብ ካልእ ጀልባ ብዝተረኸበት ኣየር እትምላእ ንኢሸተይ ጀልባ ክድሕኑ ከምዝረኣየ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።
ካብቶም ዝደሓኑ ሸሞንተ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ሓቢሩ።
ምዕራባዊ ፍርቂ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ከቢድ ህቦብላታት የጋጥሞ ምህላዉ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሲሲሊ ንዘጋጠመ ፍፃመ ስዒቡ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ብሪጣንያን ስድራቤቶምን ይድግፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ጨንፈር መርመራ ሓደጋ ባሕሪ ብሪጣንያ'ውን፡ ኣብ ምጥሓል እታ ጃልባ መርመራ ንምክያድ ጉጅለ ምጽራይ ይልእኽ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ነታ ኣብ 2008 ዝተሰርሐት ጃልባ ዘመሓድር ትካል ካምፐርን ኒኮልሰንስ ኢንተርናሽናልን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ቀዳምነትና ኣብ ቀጻሊ ምድላይ ምሕጋዝን ነቶም ዝደሓኑ ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ኩሉ ዘድሊ ደገፍ ምሃብን'ዩ" ኢሉ።
ሚስተር ሊንች ትካሉ ኣውቶኖሚ ኣብ 2011 ንኣሜሪካዊ ትካል ኮምፒዩተር ሄውሌት-ፓካርድ (HP) ብ11 ቢልዮን ዶላር (8.6 ቢልዮን ፓውንድ) ከምዝሸጦ ይግለጽ።
ድሕሪ እቲ ልዑል ሽም ዘለዎ መሸጣ ግን ኣብ ልዕሊ ሚስተር ሊንች ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንዝቐጸለ ጽዑቕ ሕጋዊ ክትዕ ተቓሊዑ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣመሪካ ካብ ተደጋጋሚ ናይ ምትላል ክስታት ነጻ ክኸውን በቒዑ።
ምጥሓል እታ ጃልባ ኣጋጢሙ ዘሎ ከኣ፡ ኣብቲ ናይ ምትላል ጉዳይ ተሓባባሪ ተኸሳሲ ሚስተር ሊንች ዝነበረ ስቲቨን ቻምበርለይን፡ ብቐዳም ኣብ ካምብሪጅሻየር ብመኪና ተገጭዩ ከም ዝሞተ ብጠበቓኡ ኣብ ዝተረጋገጸሉ መዓልቲ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







