ለንደን፡ መንበሪ ኣባይቲ ብኸመይ ናብ ሕርሻ ሓሽሽ ይቕየር ኣሎ?

ቻርለስ ሪቪስ ቤቱ ከፊቱ፡ መብራህቲ ኣብሪሁ፡ ንቢቢሲ ከርእዮም እንከሎ፡ "እግዚኦ! ኣብ መደቀሲ ኽፍለይ እንሆ ሓደ ሜትሮ ዝዕምቈቱ ሓመድ መሊኡ፤ እቲ ባይታ ነዚ ዅሉ ሓመድ ከመይ’ሉ ተጻዊሩዎ ከም ዘሎ ከቶ ኣይርድኣንን!” ኢሉዎም።
ሚስተር ሪቪስ ዝበሃል ኣብ ሰሜን ለንደን ዝነብር ዋና ገዛ ካብቲ ብስራሕ ገይሽዎ ዝነበረ ቦታ ምስ ተመልሰ ገዛ ስድራቤቱ ናብ ሕርሻ ካናቢስ ተቐዪሩ ጸኒሑዎ።
እቶም ገበነኛታት፡ ኣብቲ ገዛ ተኻረይቲ መሲሎም ድሕሪ ምእታው ኣብቲ መደቀሲ ክፍሊ 10 ቶን ሓመድ ብምምላእ ነቶም ሰብ ገዛ ዓቢ ክስራ ኣስዓቡሎም።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ክኢላታት፡ ብዝሒ ናይቶም ንጹሃት ተኻረይቲ መሲሎም ብምእታው ነቲ ኣባይቲ ናብ ሕርሻታት ካናቢስ ዝቕይሩ መጠፋፋእቲ ይውስኽ ከምዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንተኻራዪ ገዛ ብሕጊ ንኸተውጽኦ ንዉሕ ዝበለ ግዜ ስለ ዝሓትት፡ እቶም መጠፋፋእቲ - ዘይሕጋዊ ሕርሻ ካናቢስ ኣፍርዮም ዝሽየጥ ሸይጦም ንኽስወሩ ይሕግዞም ከም ዘሎ ይገልጹ።
ስድራ ቤት ሪቭስ ናብ ወጻኢ ሃገር ንስራሕ ክኸዱ እንከለው፡ ብኢንተርነት ዝካረ ቤት ከምዘለዎም ዘርጊሖም። ሽዑ ሓደ ወኪል ኣባይቲ (ኣካራዪ ኣጀንሲያ) ከኣ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ዝገሹ ምስ ፈለጠ ረኺቡ ኣዘራረቦም። እቲ ወኪል፡ ነቲ ገዛ ኣብ ሓደ ትካል ከተማ ዝሰርሑ ቈልዑ ዘለዎም ስድራ ቤት ከምዘካርዮ ተመባጽዓሎም።
ይዅን እምበር እቶም "ተኻረይቲ" ክራይ ገዛ ዘይከፍሉን፡ ነቲ ቤት ካናቪስ ንምፍራይ ዝጥቀሙሉ መታለልቲ ኰይኖም ተረኽቡ። ጸኒሑ ከም ዝተረጋገጸ፡ እቲ ገዛውቲ ዘካሪ ኤጀንሲ፡ ናይ ሓሶት ዌብ ሳይት ከፊቱ ይዓዪ ከም ዝነበረ፡ እቶም ተኻረይቲ ድማ ናይ ሓሶት ሰባት ምዃኖም ተፈልጠ።

ኣባላት ፖሊስ ንሚስተር ሪቪስ፡ እዚ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ዘጋጠሞም ገበናት ምዃኑ ገለጽሉ። ካብቲ መንበሪ ገዛኦም ልዕሊ 400 ኣትክልቲ ካናቢስ ከም ዝሃገሩን ዋጋኡ ድማ ኣማእታት ኣሽሓት ፓውንድ ከም ዘውጽእ ሓበርዎ።
ሚስተር ሪቪስ፡ እቶም ተኻረይቲ ክራይ ገዛ ስለ ዘይከፈሉ፡ ናይ ቤት-ፍርዲ ወረቐት ሒዙ እዩ ንኸዛርቦም ናብቲ ቦታ ከይዱ።
ኣብ ማዕጾ ኰይኑ ምስ ዃሕኵሐ ከኣ ሓያሎ ሰብኡት ኣብቲ ገዛ ጸንሕዎ። ሓደ ካብኦም እቲ ገዛ ብጽቡቕ ሒዞሞ ከም ዘለዉ ነገሮ። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ግን እቶም ሰባት - ኣብቲ ምንድልሓቕ ሕርሻ ካናቢስ እንታይ ግደ ከም ዝነበሮም ከይተፈልጠ - ሽርብ በሉ።
ሚስተር ሪቪስ ናብቲ ገዛ ዝኣተወሉ ህሞት ክገልጽ ከሎ "ነቲ ዝረኣኹዎ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። እቶም መታለልቲ ሰባት ንመደቀሲና 10 ቶን ሓመድ መሊኦሞ ተዓዝሩ” ኢሉ።
"ብምሉኡ እቲ ገዛ ናብ ፋብሪካ ሓሽሽ ተቐይሩ፡ ኣብቲ ቦሎፎን ናይ ኤለትሪክ ገመዳት መመሓላለፊ ነዃላት መሊኡ፡ ብጨና ዘየቕርብ ነበረ።”
ሚስተር ሪቪስ ኣብ ገዛኡ ብመደብ ቨንቲላቶረ፡ መብራህትታት፡ መውጽእ-ኣየር ተኣታትዩ ካብቲ ከባቢ ድማ ብገመድ ዝተሰርቀ ኤለክትሪክ ዝጥቀም ስርዓተ-ጸዓት ጸንሖ። እቶም ገበነኛታት ነቲ ናይቲ ገዛ ኤለክትሪክ ከም ብሓድሽ ሰናኒዖም ብምስራሕ ነቲ ሰፊሕ ሕርሻ ካናቢስ ዝኸውን ምንጪ-ሓይሊ ፈጢሮም ክሰርሑ ጸንሑዎ።

በቲ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝተነጽፈ ቶናት ዝኽብደቱ ሓመድ ኣብቲ መዋቕር ገዛ ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ’ዩ። እቶም ኣትክልቲ ካኒቢስ ብግቡእ ክዅስኰሱን ክዓብዩን - እኹል ጠልን ኣየርን ክረኽቡ - ነቲ መናድቕን ቦሎፎንን በጓጒሎሞ እዮም።
እቶም ፍሉያት ሙቐት ዝፈጥሩ ዝተዋደዱ መብራህትታት ኣብ ኵሎም ክፍልታት ተዘሪኦም ጸንሕዎ፣ እቶም እምብዛ ሓያል ሙቐት ዝፍንዉ መብራህትታት ንገለ-ገለ ክፋል ናይቲ ገዛ ኣንዲዶሞ፣ ንገሊኡ ኣቝሑት ድማ ኣምኪኾሞ ጸንሑዎ።
"ኣብዚ ዓብይ መጋረጃ ነበረ። እዚ ዘገርም እዩ ... እቶም ቨንቲላቶራት ዚዝ ክብሉ፡ እቶም መብራህትታት ብርቱዕ ሙቐት ክፍንዉ ነቲ መጋረጃ ናብኦም ገጾም ይስሕብዎ ነበሩ" በለ ።
ብሰንኪ ክራይ ምስራቕ፡ ነቲ ገዛ ብምዕናዉ ኣብቲ ስድራ ቤት ዝወረደ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ጕድኣቱ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ።
ጁልያ ሰበይቲ ሚስተር ሪቭስ ከም ዝበለቶ፡ "ገዛኻ መዓርካ፡ ብፍላይ ከኣ ን20 ዓመት ዝነበርካሉ ገዛ፡ ደቅኻ ዘዕበኻሉ ገዛ፡ ከምዚ’ሉ ክዓኑ ክትርኢ ዝወርደካ ማህሰይቲ ክግለጽ ኣይከኣልን ... ቤትና መንበሪና እፎይ ኢልና እነዕርፈሉ ገዛ፡ ቤተ-መቕደስና እኮ’ዩ! ኢላ ብምስቍርቋር ተዛረበት።
ሚስተር ሪቪስ ድማ "ብስነ-ኣእምሮኣዊ ሸነኻቱ ክርእዮ ገዛይ ዝረኸሰ ኰይኑ ይስምዓኒ። እቲ ዝወረደ ዕንወት፡ እቲ ርስሓት፡ እወ፡ እቲ ኣብ ኵሉ ዝርእዮ ዘለኹ ርስሓት ክጻወሮ እሽገር” በለ።
"እዛ ገዛ ናይ መጀመርታ ናይ ሓቂ ቤተይ እያ። ብሓቂ ተጨኒቕናን ሕልናና ዓሪቡን ኣሎ" ክብል ተዛረበ።
ፖሊስ ከተማ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ለንደን ልዕሊ 1,000 ሕርሻታት ካናቢስ ተረኺቦም ኣለዉ። ካብ 2018-19 ክሳዕ 2022-23 ብድምር 1,056 ሕርሻታት ካናቢስ ተታሒዞም። ይዅን እምበር ክኢላታት እቲ ዓውዲ እቲ ኣሃዝ ውሑድ ምዃኑን ካብኡ ከምዝበዝሕን ይገልጹ።
ኣለን ሞርጋን ከም ዝገለጾ - ሓደ ቀደም ፖሊስ ዝነበረን ከምኡ’ውን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ሓሽሽ ዚምርምሩ ቀንዲ ክኢላ - ምስ ሕርሻታት ካናቢስ እተተሓሓዘ ምትላል ክራይ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
"ገበነኛታት ነቲ ናይ ክራይ ዕዳጋ ተጠቒሞም ዘይሕጋዊ ሕርሻ ሓሽሽ የኻዕብቱ ኣለዉ” ይብል።
"እቶም ገበነኛታት ንሕጋዊ ስርዓትን ንመስርሕ’ቲ ዝሕቱል ተኻረይቲ ናይ ምውጻእ ሕጊታት ይምዝምዝዎ ኣለዉ። ተኻራያይ ክራይ ገዛ ምኽፋል እኳ እንተ ኣቋረጸ ንምስጓጕ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ይፈልጡ እዮም። እቲ ጐሳስ መስርሕ ከኣ ነቶም ገበነኛታት ዝዝራእ ዘሪኦም፡ ዝሕፈስ ገንዘብ ሓፊሶም፡ ብዘይ ኣሰር ንኽስወሩ ዕድል ፈጢሩሎም ኣሎ።”
ኣብ ትካላት ክራይ ብቝዕ ስርዓታት ዘይምህላዉ መታለልቲ ብቐሊሉ ንኽዓዩ ኣኽኢልዎም እዩ። እቶም ኣጀንስያታት ክራይ ዋላ’ኳ ንኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ብዘርኢ ጕዳይ ይስርሑ፡ ንስርሖም ብቝዕ ኣፍልጦ ክህልዎም ናይ ግድን ኣይኰነን። ብዙሕ ንብረት ዝሕዙ'ኳ እንተዀኑ ወኪላት ንብረት ግን ብቕዓት ክህልዎም ኣየድልን እዩ ። እዚ ጕድለት’ዚ ንወነንትን ኣካረይትን ንብረት ብመጠፋፋእቲ ሰባት ክምዝመዙ ምቹእ ኵነታት ይፈጥረሎም ኣሎ።
ሚስተር ሞርጋን ከም ዝበሎ "ሓደ ነገር፡ ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ኣገባብ ኣዝዩ ጥዑምን ማራኽን እንተ መሲሉ ሓሶት ከይኰነ ኣይተርፍን’ዩ። "እንድሕሪ ሓደ ሰብ ብጥረ ገንዘብ ክራይ ንክኸፍል ድልው ኰይኑ፡ ነቲ ገዛ ኸኣ ብቕጽበት ንክኣትዎ ይፈታትን እንተሎ ኣብ ሓሳብና ደወል መጠንቀቕታ ክድውል ክጅምር ኣለዎ።"

ንግዲ ካናቢስ ካብ ንእሽቶ ዝደረጃኡ ጕዳይ ናብ እተራቐቐ ብሚልዮናት ዝቝጸር ፓውንድ ዘእቱ ጕዳይ ተቐዪሩ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ገበነኛታት እዩ ዝካየድ። እታ ሰፊሕ ዕዳጋን ሰፊሕ መራኸቢ መጓዓዝያን ዘለዋ ከተማ ለንደን ማእከል ዝርጋሐ ሓሽሽ ኰይና ኣላ።
ሚስተር ሞርጋን፡ "እቲ ለንደን እትርከቦ ሃዋሁ፡ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ብብዝሒ ሓሽሽ ዝዝርግሓሉ ቀንዲ ማእከል ምዃና ንጹር እዩ” ይብል።
"ንግዲ ካናቢስ ብዙሕ መኽሰብ ዝርከቦ እዩ። እተኻረኻዮ ንብረት ናብ ሕርሻ-ሓሽሽ ምስ እትቕይሮ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ምናልባት እውን ሸውዓተ እተፈላለየ ካናቢስ እተብቍለሎም ቦታታት ክትረክብ ከቢድ ኣይኰነን፤ እዚ ኸኣ ሰላሕ ኢልካ፡ ቆላሕታ ሰብ ከይሰሓብካ፡ መርትዖ ከይገደፍካ ከተካይዶ እትኽእል ስራሕ ኰይኑ ኣሎ።
ፖሊስ እቲ ንስድራቤት ሪቭስ ዘጋጠሞም ጕዳይ ገና ይምርመር ከም ዘሎ ገሊጾም ኣለዉ። ከም ሓቂ ግን ንጹሃት ዋናታት ገዛ ነቲ ኣብ ለንደን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ዕዳጋን ዘተኣታትዎ ዕዳን ባዕላቶም ይስከምዎ ኣለዉ።
ስድራቤት ሪቪስ ዛንታኦም ብምክፋል ብዛዕባ እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ካልኦት ወነንቲ ገዛ ክግንዘብዎን ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸይኣትዉ ክዕድም ተስፋ ይገብሩ።
ሚስተር ሪቪስ ከም ዝበሎ፡ "ሰባት ብዛዕባ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ክፈልጡን ንብረቶም ከካረዩ ኸለዉ፡ ኵሉ ጥንቃቐ ክገብሩን ኢና እንደሊ። "ዝዀነ ይዅን ሰብ ነቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ተመኵሮ ክሓልፎ ኣይግባእን።”
“እቲ ዝሃሰየና እቲ ምድንጋር ጥራይ ኣይኰነን፣ ገዛና’ውን ዓንዩ’ዩ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







