ክለባት ናብ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ከይጽንበራ ምእጋድ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ተወሲኑ

ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክለባት ናብ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ከይጽንበራ ምእጋድ ዘይሕጋዊ ከምዝነበረን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን "ብዘይግቡእ ዓብላሊ መርገጺ ይጥቀሙ” ከምዝተጠቐሙን ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ገሊጹ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ናብቲ ሊግ ኣብ ዝጽንበራ ክለባት እገዳ ክገብሩ ምዃኖም ብምፍርራሕ ሕጊ ውድድር ይጥሕሱ ኣለዉ ዝብል ክሲ ካብቲ ሊግን ደገፍቱን ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ እዚ ውሳነ ተዋሂቡ ዘሎ።

ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ፡ ክለባት ኣውሮጳ ኣብ ወቕታዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ከሳትፍ ኣብ 2021 ብኩባንያ ኣውሮጳዊ ሱፐር ሊግ ዝተፈጥረ እዩ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ሊግ 20 ጋንታታት ክሕዝ ሓሳብ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ካብዚአን እተን 12 መስረትቲ ኣባላት ናይቲ ውድድር እየን።

ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ፡ ከም ሻምፕዮንስ ሊግ ዝኣመሰሉ ውድድራት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንምውድዳር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣርሰናል፡ ቸልሲ፡ ሊቨርፑል፡ ማንቸስተር ሲቲ፡ ማንቸስተር ዩናይትድን ቶተንሃምን ዝርከብአን 12 ክለባት ኣብቲ ሱፐር ሊግ ክሳተፋ ከምዝፈረማ ዜና ተዘርጊሑ ነይሩ።

ይዅን’ምበር ካብ ደገፍቲ፡ ካልኦት ሊጋት ኣውሮጳን መንግስቲ ከይተረፈን ሰፊሕ ቍጥዐን ውግዘትን ኣስዒቡ።

ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ሰፊሕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክፈርስ ምኽንያት ኰይኑዎ።

እተን ሽዱሽተ ክለባት ፕረሚየር ሊግ፡ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ኢንተርሚላንን ኤሲ ሚላንን ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ክቕጽዓ እንከለዋ ኣብ ልዕሊ ሪያል ማድሪድ፡ ባርሴሎናን ጁቬንቱስን ዝወሰድ ስጕምቲ ግን ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ደው ኢሉ።

ጁቬንቱስ ድማ ኣብ ሓምለ ካብቲ ፕሮጀክት ክትወጽእ ምዃና ኣአንፊታ።

ነዚ ስዒቡ ካብተን ክሳተፋ ተዳልየን ዝነበራ ኵለን ሽዱሽተ ክለባት እንግሊዝ ዝርከባአን ክለባት ትሽዓተ ካብቲ ሊግ ከምዝሰሓባ ኣፍሊጠን።

እቲ ሱፐር ሊግ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተሰረዘን፡ ሪያል ማድሪድን ባርሴሎናን ክሳተፋ ዝነበረን ድሌት ቀጺለናሉ።

እተን ዝተረፋ ሸሞንተ ክለባት ግን ከም መዳርግቲ ኣካል ኰይነን ኣብቲ ፕሮጀክት ቀጺለን።

ኣብ ሚያዝያ 2021 ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ስርሑ ድሕሪ ምቍራጹ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሕጋዊ ክርክር ተጀሚሩ።

ድሕሪ ዝተፈላለየ መስርሕ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ፡ ኣንጻር ኣመሓደርቲ ኣካላት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ከምዝፈረደ ኣፍሊጡ።

ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ውሳነ እንታይ የመልክት?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ኣብ 2021 ነተን ኣብቲ ሊግ ክሳተፋ ዝደለያ ክለባት እገዳ ከምዝፍጽም ብምፍርራሕ ንመስርሕ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ምዕጋቱ ኣንጻር ሕጊ ውድድር ምዃኑ’ዩ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ዝወሰድዎ ስጕምቲ ምስ ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ዝጻረር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

“ንሕጊ ውድድርን ናጽነት ኣገልግሎት ምሃብን ዝጻረሩ እዮም” ኢሉ።

እቲ ውሳነ ቀያዲ ስለዝዀነ ድማ ይግባይ ኣይክበሃልን’ዩ፤ ይዅን’ምበር ብመሰረት’ቲ ውሳነ፡ ከም ፕሮጀክት ሱፐር ሊግ ዝኣመሰሉ ውድድራት ናይ ግድን ክጸድቁ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።

ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ ሕጂ ክለባት "ናይ ገዛእ ርእሰን ዕጫ" ዝውስና ክዀና እየን ክትብል ነቲ ብይን ብሓጐስ ከምዝተቐበለት ገሊጻ።

"ንታሪኽ ኩዕሶ እግሪን ንታሪኽ ስፖርትን ዓባይ መዓልቲ እያ" ይብል እታ ክለብ ዘውጽአቶ መግለጺ።

ላሊጋ ብወገኑ፡ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ሓቂ "ተዛሪቡ" ክብል ነቲ ውሳነ ገሊጽዎ።

ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ክለባት ናብ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ከይጽንበራ ምእጋድ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንውድድር ኣውሮጳ ዝኸውን ሓድሽ እማመ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ሊግ ውድድር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣውሮጳ ዝምልከት ሓድሽ ሓሳብ’ዩ ኣቕሪቡ።

እቲ እማመ ኣብ ሰለስተ ሊጋት 64 ክለባት ደቂ ተባዕትዮ ዘለዎ ስርዓተ ሊግ ኰይኑ፡ ኣብ ስፖርታዊ ብቕዓት ዝተመርኮሰ ተሳትፎ እምበር ቀወምቲ ኣባላት ኣይክህልዎን እዩ።

ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ክልተ ሊጋት ዝርከባ 32 ክለባት ዘጠቓልል ክኸውን’ዩ።

ዋላ’ኳ ሱፐርሊግ ኣውሮጳ ሓድሽ ዕማመ እንተቕረበ፡ ክለባት ፕረምየር ሊግ ግን ክጽንበራ ዝኽእላ ኣይመስልን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ብሪግዚት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ስለዘይተቕየድ’ዩ።