ሃላንድ፡ ኮኾብ ስፖርት ዓለም ቢቢሲ 2023 ተባሂሉ ተሸሊሙ

ኤርሊን ሃላንድ ጋንታኡ ማንቸስተር ሲቲ ሰለስተ ዓበይቲ ዋናጩ ከተውሕስ ንዝገበሮ ልዑል ኣበርክቶ መሰረት ብምግባር ብቢቢሲ ስፖርት ፐርሰናሊቲ (ስፖርታዊ ስብእና) ኮኾብ ስፖርት ዓለም 2023 ብዝብል ተሸሊሙ።
እዚ ወዲ 23 ዓመት ኖርወጃዊ፡ ጋንታኡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2022-23 ዋናጩ ፕሪሚየር ሊግ፡ ሻምፕዮንስ ሊግን ኤፍ.ኤ ካፕን ክትዓትር እንከላ፡ ኣብ ኵሉ ውድድራት 52 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመተ ስፖርት ንሓንቲ ጋንታ ፕረምየርሊግ ልዕሊኡ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ የለን።
ሃላንድ ኣብ 38 ጸወታታት ብደረጃ ክብረወሰን 36 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንናይ 2022-23 ሽልማት ወርቃዊ ጫማ [ጎልደን ቡት] ፕረሚየርሊግ ክዓትር ኪኢሉ’ዩ።
ኤርሊን ሃላንድ ድሕሪ ሽልማቱ "ብሉጽ ኮኾብ ስፖርት ዓለም ቢቢሲ ክኸውን ድምጽኹም ስለዝሃብኩምኒ የቐንየለይ። ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ዘስደምም እዩ ነይሩ። ሰለስተ ዋናጩ ተዓዊተ፡ ዘደንቕ ኢና ሰሪሕና" ክብል ተዛሪቡ።
ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኮኾብ ስፖርት ዓለም ቢቢሲ፡ ኣንበብቲ ቢቢሲ ስፖርት ብዝሃብዎ ድምጺ እዮም ተዓወትቲ ተሓርዮም።
ሓለቓ ጋንታ ናይታ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ራግቢ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ስያ ኮሊሲ ንሃላንድ ስዒቡ ካልኣይ ክኸውን ከሎ፡ ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም ፎርሙላ-1 [ቅድድም መኪና] ዝዀነ ማክስ ቨርስታፐን ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።
ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ጂምናስቲክ ዝዀነት ሲሞን ቢልስ፣ ተጻዋቲት ናይታ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኣይታና ቦንማቲ ከምኡ’ውን 24 ግዜ ሻምፕዮን ግራንድ ስላም (ውድድር ተኒስ) ኖቫክ ጃኮቪችን ኣብ ዝርዝር ተሰሪዖም ነይሮም።
ኣጥቃዓይ ሃላንድ ኣብ ሰነ 2022 ካብ ቦሩሽያ ዶርትሙንድ ናብ ማንቸስተር ድሕሪ ምጽንባሩ ንፈለማ እዋን ክስለፍ ዝኸኣለ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2022-23’ዩ ነይሩ።
ካብቶም ብርክት ዝበሉ ውልቃዊ ሽልማታቱ ድማ ኣብ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብዝብል ሽልማት ገርድ ሙለር ከምዝተዓወተ ይዝከር። ብሉጽ ተጻዋታይ ንምሕራይ ኣብ ዝተወሃበ ድምጺ እውን ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።
ኣብ ሕዳር 50 ሸቶታት ፕሪሚየር ሊግ ዘመዝገበ ዝቐልጠፈ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ። ኣብዚ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ ከኣ ኣብ ዝተሰለፈሎም 48 ጸወታታት ጥራይ እዩ።
ኣብዚ ሲቲ ንራብዓይ ግዜ ተኸታታሊ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ክትዓትር ትጓየየሉ ዘላ ዓመተ ስፖርት ክሳብ ሕጂ 19 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣርጀንቲናዊ ሓለቓ ጋንታ ሊዮነል መሲ ኣብ 2022 ተዓዋቲ ዎርልድ ስፖርት ስታር - ቢቢሲ ስፖርት ፐርሰናሊቲ ከምዝነበረ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







