ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ንእትርከበን 36 ሃገራት እገዳ መገሻ ክትገብር'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኢትዮጵያ እትርከበን 36 ሃገራት እገዳ ጕዕዞ ክገብር ሓሳብ ከም ዘለዎ ሮይተርስን ዋሽንግተን ፖስትን ዝርኣዩዎ ውሽጣዊ ሰነድ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመልኪቱ።
እዚ ማርኮ ሩቢዮ ዝፈረመሉ ንዲፕሎማት ዝተዳለወ ሰነድ፡ ዝርዝር እተን እገዳ ጕዕዞ ክግበረለን ዝተሓሰባ ሃገራት ዝሓዘ ኰይኑ፡ እተን ሃገራት ካብቲ እገዳ ንምውጻእ ክገብርኦ ዝግባእ ምትዕርራይ ዝሓዘ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ሰነድ፡ ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ንኸይኣትው ምሉእ ወይ ከፊል እገዳ ክግበረለን ዝግባእ ሃገራት ብምንጻር፡ ዘለወን ጸገማት ብምቕማጥ፡ እዚ እገዳ ግብራዊ ቅድሚ ምዃኑ እተን ሃገራት ከማልኣኦ ዝግባእ መዐቀኒታትን ምትዕርራያትን ክገብራ ክልተ ወርሒ ከም ዝወሃበን ይጠቅስ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዲፕሎማሰኛታት ዝተዘርግሐ ሰነድ፡ "[ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ] ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ነቲ ዝተቐመጠ መዐቀኒታትን ግዴታታትን እንተዘይኣማሊአን ምሉእ ወይ ከፊላዊ እገዳ መገሻ ክግበረለን ዝኽእል 36 ስክፍታ ዝለዓለን ሃገራት ኣለልዩ ኣሎ፡" ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ብክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዳለወ ሰነድ፡ ዝርዝር ዜጋታተን ምሉእ ወይ ከፊላዊ እገዳ መገሻ ክግበረለን ዝኽእል 36 ሃገራት ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ እተን 25 ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ንምሕላው ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝበላ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብአን 12 ሃገራት እገዳ መገሻ ከም ዝገበረ ይዝከር።
ካብተን ሽዱሽተ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ እተን ሰለስተ ኣብቲ ዝሓለፈ እገዳ ዝኣተዋ ኰይነን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ሰፊራ ኣላ።
እዚ ሰነድ እዚ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
እዚ ውሳነ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ኵሎም ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክእገዱ እዮም።
ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ ጥራይ ካብዚ እገዳ ነጻ ክትከውን'ያ።
ኣብቲ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠቓለለ እገዳ ክኣትዋ ዝቐረበ ሓሳብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያን ናይጀርያን ይርከብአን።
እቲ ሰነድ፡ ብዛዕባ እተን ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትው ክኽልከሉ ዝንገረለን ዘሎ ሃገራት ምኽንያታት ዘርዚሩ ኣሎ።
ካብዚኦም፡ እተን ሃገራት መንነት ዜጋታት ንምልላይ ዘኽእል ዘተኣማምን ሰነዳት ከቕርባ ብቕዓት ከም ዝውሕደንን ከም ዘይተሓባበራን ከምኡ'ውን "ድሕነት ፓስፖርተን" ዘተሓትት ምዃኑ ከም ምኽንያታት ተጠቒሱ ኣሎ።
ገለ ሃገራት'ውን ነቶም ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝተኣዘዙ ዜጋታተን ምቹእ ኩኵታት ኣብ ምፍጣር ምትሕብባር ከም ዘይብለን ክግለጽ እንከሎ፡ ገሊአን ድማ ዜጋታተን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ቪዛ ዝጸንሑ ብምዃኖም ንክእገዳ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ ይብል።
ዜጋታት እተን ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ ተግባራት ከም ዝተሳተፉ፡ ወይ ድማ ኣብ ጸረ-ሴማውያንን ጸረ-ኣመሪካውያንን ንጥፈታት ከም ዝተሳተፉ'ውን እቲ ሰነድ ይገልጽ።
ይኹን እምበር እዚ ምኽንያት እገዳ ንዅለን ሃገራት ከም ዘይምልከትን ከከም ኵነታትን ተሳትፎን ዜጋታት ከም ዝፈላለ እቲ ሰነድ ይሕብር።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ጕዳይ ኢሚግሬሽን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ድማ ንኢሚግሬሽን ዝምልከት ብዙሕ ውሳነታት ከተግብር ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምሓዝ፡ ንምእሳርን ንምስጓግን ወፍሪ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ተግባር እዚ ነቐፌታን ሓያል ተቓውሞን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውሳኔኦም ደው ኢሎም።
ትራምፕ ብዘይካ'ቲ ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ንምስጓግ ዝወሰዶ ስጕምትታት፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት 12 ሃገራት እገዳ ኣንቢሩ'ሎ፡ እዚ ድማ ካብ 1 ሰነ 2017 ጀሚሩ ግብራዊ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነዚ እገዳ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣመሪካ ክሰፍሕ፣ ዜጋታት ተወሰኽቲ 36 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክእግድ እውን ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







