ቢቢሲ ዝርከበን ዓበይቲ ትካላት ብጕጅለ ማፍያ ሳይበር መጠንቀቕታ ተዋሂበን

ቡትስ፡ ቢቢሲን መገዲ ኣየር ብሪጣንያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መደበሩ ኣብ ሩስያ ምዃኑ ዝእመን ጕጅለ ገበን ሳይበር፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ናብ ዝርከባ ግዳይ መጥቃዕቲ ሳይበር ንዝዀና ትካላት መጠንቀቕታ ሂቡ።

እቲ ክሎፕ ዝተበሃለ ጕጅለ፡ ኣብ 'ጸሊም መርበብ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እተን ብስርሰራ MOVEit ዝተሃስያ ትካላት ቅድሚ 14 ሰነ ብኢመይል ክረኽባኦ፡ ከምኡ ምስ ዘይገብራ ግን እቲ ዝተሰርቀ ሓበሬታ ክሕተም ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ቢቢሲ፡ መገዲ ኣየር ብሪጣንያን ቡትስን፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛታት ሓበሬታ ደሞዝ ተወሲዱ ክኸውን ከም ከምዝኽእል ተነጊርዎም ኣሎ።

እቶም ሰርሰርቲ ክፍሊት መበጆ እንተሓቲቶም፡ እቶም ኣስራሕቲ ከይከፍሉ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመጀመርታ ግዜ ዝተገልጸ ስርሰራ ብ ጕጅለ ክሎፕ ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተኻየደ መርመራታት ኣእንፊቱ ነይሩ።

እቶም ገበነኛታት፡ MOVEit ንዝበሃል ህቡብ ናይ ንግዲ ሶፍትዌር ዝስርስሩሉ መንገዲ ምስ ረኸቡ፡ ብኡ ኣቢሎም ናብ መኽዘን ሓበሬታ ኣማኢት ኩባንያታት ኣትዮም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

ተንተንቲ ማይክሮሶፍት፡ ነቲ ስርሰራ ንምፍጻም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ሜላታት መሰረት ብምግባር፡ ንክሎፕ ተሓታቲ ጌሮም።

ሕጂ ግን ብዝተሰባበረ እንግሊዝኛ ተጻሒፉ ኣብ መርበብ ብዝተጠቅዐ ነዊሕ ጽሑፍ ተረጋጊጹ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ምልክታ፡ እተን ግዳይ ዝዀና ትካላት፡ ኣብቲ ናይቶም ማፍያታት ጸሊም መርበብ 'ፖርታል' ዝርርብ ንክጅምራ ናብቲ ጕጅለ ኢመይል ክልእካ ይጠልብ።

እዚ ግን ዘይንቡር ሜላ እዩ። ምኽንያቱ ከምንቡር እቲ ዝሓትዎ ጠለባት ብኢመይል ናብተን ትካላት በቶም ናይ ሰርሰርቲ መርበባት እዩ ዝለኣኽ፤ ኣብዚ ግን ብግልባጡ እቶም ግዳያት ክረኸብዎም እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ክሎፕ ንባዕሉ ምስቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ስፍሓት ናይቲ ስርሰራ ክኸይድ ስለዘይክእል ክኸውን ይኽእል።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤስኦኤስ ኢንተለጀንስ ኣሚር ሃድዚፓሲች ነዚ ኣመልኪቱ፡ "ብናተይ ኣረኣእያ፡ በቃ ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ስለዘለዎምን ንዅሉ ክመምይዎ ስለዘጸገሞምን እዮም፣ እንተፈሊጥኩሞ ክትረኽብዎም ኢኹም ኢሎም ዝወራዘዩ ዘለዉ፡" ይብል።

'MOVEit'፡ ብፕሮግረስ ሶፍትዌር ዝቐርብ ኰይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ፋይላት ብስቱር ንምንቅስቓስ ይጥቀማሉ።

እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ወሃቢ ኣገልግሎት ደሞዝ 'ዘሊስ' እውን ሓደ ካብ ተጠቀምቱ እዩ።

ዘሊስ፡ ብሰንኩ ሸሞንተ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣድራሻ ገዛ፡ ቍጽሪ ሃገራዊ መድሕን (national insurance numbers)፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ባንክታትን ካልእ ዝተፈላለየ ዳታ ከምዝተሰርቀ ኣረጋጊጹ።

ዓማዊል ዘሊስ ኰይነን ዛጊት ካብ ዝተሓበራ ትካላት ቢቢሲ፡ መገዲ ኣየር ብሪጣንያ፡ ኤር ሊንጉስን ቡትስን ይርከባኦም።

መንግስቲ ኖቫ ስኮትያን ዩኒቨርሲቲ ሮቸስተርን እውን በቲ MOVEit ገጢምዎ ዘሎ ኵነታት ሓበሬታ ተሰሪቝ ክኸውን ከምዝኽእል ንሰራሕተኛታት የጠንቅቕ ኣሎ።

ክኢላታት ብወገኖም ውልቀሰባት ከይስንብዱ ክመኽሩ እንከለው፡ ትካላት ድማ ብከም በዓል መዚ ጸጥታ ሳይበር ንዝወሃበን ምጽራያት ክፍጽማ ተማሕጺኖም።

ክሎፕ፡ ካብ መንግስታት፡ ከተማን ኣገልግሎት ፖሊስን ዝተረኽበ ሓበሬታታት ከምዝደምሰሰ ብምግላጽ፡ "ኣይትሻቐሉ፡ ክትረኽቡና ኣገዳሲ ኣይኰነን ዳታኹም ደምሲስናዮ ኢና። ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ንምቅላዕ ዝዀነ ተገዳስነት የብልናን፡" ኢሉ።

እንተዀነ ገበነኛታት ዝበልዎ ኵሉ ክእመን ከምዘይኽእል ተመራመርቲ ይገልጹ።

ኣብ ኤሚሶፍት ዝሰርሕ ተመራማሪ ብሬት ካሎው፡ "ክሎፕ ምስ ትካላት መንግስታዊ ጽላት ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ደምሲሰ ዝብሎ ከም ዘለዎ ክውሰድ የብሉን። እቲ ሓበሬታ ገንዘባዊ ዋጋ እንተሃልይዎ ብቐሊሉ ክጕሕፍሉ ዝኽእል ዝኾነ ተኽእሎ የለን" ይብል።

ንነዊሕ እዋን ንክሎፕ ክከታተሉ ዝጸንሑ ክኢላታት ሳይበር፡ ክሎፕ ብቐንዱ ቋንቋ ሩስያ ኣብ ዝጥቀሙ መድረኻት ዝነጥፍ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ሩስያ እዩ መደበሩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሩስያ ንነዊሕ እዋን ንናይ ራንሶምዌር ጕጅለታት ማፍያ ውሑስ መዕቆቢ ምዃና'ኳ እንተ ተኸሰሰት ነቲ ክሲ ትነጽግ።

ኣብ 2021 ኣብ መንጐ ዩክረይን፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብዝተኻየደ ሓባራዊ ስርሒት፡ ሰርሰርቲ ክሎፕ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ዩክረይን ተታሒዞም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ሰብመዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ግዳያት 500 ሚልዮን ዶላር ብምምንዛዕ ተሓታቲ እዩ ዝበልዎ ጕጅለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘእተዉዎ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሎፕ ግን ስግኣት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።