ብሰንኪ ሰርሰርቲ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ናይ ማዕከን ዜና ኤሪሳት ናይ ዩቱብ ቻነል ተዓጽዩ

ኤሪሳት ኣርማ

ምንጪ ስእሊ, EriSat

ናይ ዩቱብ ቻነል ፍሉጥ ኤርትራዊ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ምስ ሰርሰርቲ ብዝተሓሓዝ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቱ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ከምዝበሎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው ትካል ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፉ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኤሪሳት ሓቢሩ'ሎ።

"በዚ መሰረት ድማ ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ ምእንቲ ነቲ መፍትሕ [ፓስዎርድ] ናይ ቻነልና ቀይርናዮ" ብምባል ነቲ ዝወረደ ክሳራ ከውሕዶ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ዝፍንውሉ ካልእ መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ኣሎ።

ብናይ ካልእ ኩባንያ ኣርማ (ሎጎ) ከምዝቐየርዎ'ውን ዝሓበረ ኤሪሳት፡ ጥርዓኑ ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ገሊጹ'ሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ "ምስ ዩቱብ ንጸሓሓፍ ኣለና፡ ክኸፍቱልና ኸኣ ትጽቢት ንገብር ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኣቶ ሄኖክ ተኽለ

ምንጪ ስእሊ, Eisat

መግለጺ ስእሊ, ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኣቶ ሄኖክ ተኽለ

"ኣብ ናይ መጀመርታ 15 ደቂቕ ነቲ ተጻዒኑ ዝነበረ ብሓደ ትእዛዝ ካብ Public [ናይ ህዝቢ] ናብ Private [ብሕቲ] ንክቕየር ትእዛዝ ሂቦሞ" ኢሉ።

ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታቱ ምዝርጋሕ ከምዝቐጸለ ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ብመን ከምዝተፈጸመ ብንጹር እንዘይገለጹ፡ እቲ ስጉምቲ "ንድምጺ ህዝቢ ኤርትራ" ንምዕጻው ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ እቲ ትካል ገሊጹ ዘሎ።

ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ።

ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ራድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ ኤርትራ እተን ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ እየን።