ጠንቂ'ቲ ኣብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, SFECO
ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ጸገም ኣገልግሎት ኤለትሪክ ይርአ'ሎ። እቲ ኩነታት ኣብ መሰረታዊ መነባብሮ ህዝብን ኣፍረይቲ ትካላትን ዓቢ ጸቕጢ ይፍጥር ኣሎ።
ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም ክሳብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ክብሃል ብዝከኣል ኣገልግሎት ኤረትሪክ ከምዘ ይነበረ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ክሳብ 24 ሕዳር እውን ኤሌክትሪክ ጠቕሊሉ ከም ዝጠፍአ ምንጭታትና ይሕብሩ።
ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ እንትርፎ ሓሓሊፋ ኣብ ለይቲን ንውሱናት ሰዓታትን፡ ብዙሕ ሰብ ቀትሪ ብዘይ መብራህቲ እዩ ሓሊፍዎ።
ጠንቂ ናይቲ ሕጽረት እንታይ እዩ
ኣብ ኤርትራ፡ ሕጽረት ኤሌክትሪክ ንነዊሕ ዓመታት እዩ ቐጺሉ፤ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ኣገልግሎት እናንቆልቆለ ክመጽእ ጸኒሑ።
ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ጸገም፡ እቲ ካብ ባጽዕ ንደቡብ ውጽእ ኢሉ: ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተደኲኑ ዝርከብ ዝዓበየ መመንጨዊ መደበር ሕርጊጎ "ሰኣን ግቡእ ናብዮት" ብምዕናዉ ምዃኑ፡ መንግስቲ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መስከረም 2013 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ኩነታት "ብናይ ቅልውላው ምሕደራ'ዩ ዝካየድ ዘሎ" ብምባል መሰረታዊ ፍታሕ ክርከበሉ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ነቲ ርዱእ ምምራር ናይ ተገልጋሊ መመኽነይታ ጌርካ ናብ ዘየድልየካ ገዚፍ መደብ ክእቶ ስለ ዘየዋጽእ፡ ክሳብ ዝተጸንዐ ፕሮግራማት ተታሒዙ ዝትግበር፡ መጻንሒ ብሕርያ ኣብ ዘድልየካ ቦታ ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ክፍታሕ ከም ዘለዎ ጥራይ ጠቒሰ እንተሓለፍክዎ ኣኻሊ ይመስለኒ" ክብል መጽናዕቲ ክግበር ምዃኑ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ "ፋብሪካ ስሚንቶ ናይ ባጽዕ ክሰርሕ'ዶ ይሕሸካ ዋላ ኣብ ገዛኻ ዘላ መብራህቲ ክትውላዕ? ኩሉ ክሰርሓልካ ክትደሊ ኢኻ፤ ግን ቅነቲ ጽዓት ቅድም ቀዳድም ኣብ ምስናዕ ዝሰርሕ ትካላት ክጥቀመሉ ክኽእል ኣለዎ" ምባሉ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ባህ ኣየበለን ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት'ውን ውልዕ-ጥፍእ ካብ ምባል ሓሊፉ ነባሪ ፍታሕ ኣይረኸበን።
ብፍላይ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ጸገም እናኸፍአ ብምኻዱ ነበርቲ ተንቀሳቓሲ ቴለፎናቶም ንምምላእ (ቻርጅ ዝገብርሉ) ከይተረፈ ዝተጸገምሉ እዋን ነይሩ።
እቲ እናኸፍአ ዝኸደ ኩነታት ጸዓት፡ ንብዙሓት ሰባት ናብ ተሓዳሲ ጸዓት (ሶላር) ከማዕድዉን ኣገዲዱዎም።
ናይ ቴለፎናት ባትሪ ንምምላእ ዘገልግል ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት እውን ጀሚሩ ነይሩ። እንተኾነ ክብሪ ናይ ሶላር ምንጭታትን ጀነሬተራትን ነቲ ዓቢ ጸገም ከቃልል ዓቕሚ ኣይነበሮን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ሕርጊጎ ዝተተኸለ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስ ምንዋሕ ግዜ እተን ሞተረታት ተደጋጋሚ ምእራግን ምብልሻውን ከም ዘጋጥመን ኣብቲ ትካል ንሸውዓተ ዓመት ዝሰርሐ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ዘሎ ጆሜትራ ኣስመሮም ምሕጹን ይሕብር።
ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ትካል ዝሰርሐ ጆሜትራ ኣስመሮም፡ ኣብ 2018 ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ክልተ ሞተረታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃነን እተን ዝተረፋ ክልተ በብእብረ ይሰርሓ ምንባረን ይዛረብ።
"ሓደ ሞተረ ምስ ዝበላሾ ቅያር ንብረት ስለዘይርከብን ቀልጢፉ ስለ ዘይመጽእን፡ ካብተን ዝተበላሸዋ ፈቲሕኩም ተጠቐሙ'ዩ ዝብሃል ነይሩ" ኸኣ ይብል።
ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ግዜ ዘጋጥምን ዝነበረ ምቁርራጽ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሰለስተ ምኽንያታት የጋጥም ከም ዝነበረ ድማ ይዛረብ።
ነዳዲ ክድንጒ እንከሎ፡ ሞተረ ምስ ዝበላሾን ምሉእ ንምሉእ ኤሌክትሪክ ከም ዘቋርጽ ብምሕባር ፈብሪካ ስሚንቶ ገደም ክሰርሕ እንከሎ፡ እቲ ፋብሪካ ብርቱዕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ ዝጠልብ ገለ ክፋላት ናይ ካልኦት ከተማታት ከም ዝጠፍእ ይግበር ምንባሩ ይጠቅስ።
ብ25 ሕዳር 2017 ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓተታ ሻባይት ዝወጽአ፡ "ሕጽረት ቀረብ ኤሌክትሪክ ኤርትራ ዳርጋ ተመሊሱ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽሑፍ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጎ 98.6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ብምግባር ብቻይናዊ ትካል ከም ዝሰፍሕን ፍርያቱ ከም ዝስስንን ከም ዝተገበረን ዓቕሚ ፍርያቱ ብ60 ሚኢታዊት ክብ ከም ዝበለን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ብ15 ሕዳር 2017 ዝተገበረ ናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት'ውን ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ንግ ዚጋንድግን ካልኦት ሓለፍቲ መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም።
ፕረደዚንት ኢሳይያስ፡ ኣብ 2017 "ሓደ ናይ 50 ሜጋ ክትጥቀም ዘኽእል ምስ ናይ ቻይና ኩባንያ ዝተገብረ ስምምዕ ነይሩ - ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሕጽረት ወይ ነቲ ጉድለት ሸፊኑ ዘተኣማምን ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ኣይህብን [ኣሎ]" ክብል እቲ ዝተገብረ ናይ ምስፋሕን ምምሕያሽን ተበግሶ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምዘየምጽአ'ዩ ገሊጹ።
ጆሜትራ ኣስመሮም ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምጽጋን ኣመልኪቱ፡ "ብርግጽ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ስራሓት ምጽጋንን ምስፋሕን ተኻይድሉ'ዩ፡ እንተኾነ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ግዜ ኣይወሰደን፡ ሞተረ ብዘይምቁራጽ ንኣማኢት ሰዓታት ስለ ዝሰርሕ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሙቐት ይረስን፡ ክሳብ ዝዝሕል ኸኣ ሃገር ምልእቲ ትጽልምት" ይብል።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ 2021 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "እናንቆልቆለ ክኸይድ ጸኒሑ ሕጂ ዳርጋ ናብ ዜሮ ወሪዱ ኣሎ። ነዊሕ ዛንታ'ዩ። ንሸሞንተ ዓመት ዝኾነ ይኹን ጽገና ወይ ክንክን ከይተገብረሉ ስለ ዝኸደ ዓንዩ። ድሕሪኡ ኣብ ናይ ሕላፍ ሰዓት ፍታሕ ብምእታው፡ እንታይ ትውስኽ፡ ክንደይ ሜጋ ተምጽእ ኮይኑ" ብምባል፡ እቲ ቅልውላዉ ነባሪ ፍታሕ ክረክብሲ ይትረፍ፡ ንባዕሉ እቲ መደበር ካብ 2013 ጀሚሩ ጽግና ከይተገብረሉ ምጽንሑ ኣረዲኡ።
ገለ ዜጋታት ንዕቱብነት መንግስቲ ኣብ ምፍታሕ ናይቲ ጸገም ብምንቃፍ "ንሓዋሩ እንታይ ከም እንኸውን ቁንቁኝኡ ጠፊኡና'ሎ" ክብሉ የዕዘምዝሙ።
ኣብ መነባብሮን ቁጠባን ዘስዓቦ ጸገማት
ቅልውላው ጸዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ መነባብሮ ህዝብን ቁጠባ እታ ሃገርን ገዚፍ ስንብራት ዝገደፈን ህዝቢ ወትሩ ዘማርረሉን፡ መንግስቲ ዝእመነሉን ጉዳይ እዩ።
እቲ ኩነታት ንመዓልታዊ ሂወት ዜጋታት፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ጸዓት ዝምርኮስ መነባብሮ ከተማታት ብቐጥታ ተተንኪፉ ኣሎ።
ኣብ 2021፡ ኤርትራ ዳርጋ ናብ ቀንዴል፡ ሽምዓን ፋኑስን ተመሊሳ ምህላዋን፡ እቲ ሕብረተሰብ ብቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ኣብ ግዚኡ ዘይረኽብሉ ደልሃመት ጸዓት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ብወይኒ ክትጥቀስ ዝመረጸት ዜጋ ካብ ኤርትራ ሓቢራ።
ምምላእ ባትሪታት ተንቀሳቐስቲ ቴለፎናት፡ ምስራሕን ምዕቃብን መግቢ፡ ሕጽቦን ዝርከብዎም ኣገልግሎታትን ብኸቢድ ተጸልዮም ኣለው።
ኣብ ወጻኢ ዝርከብ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ናብ ኤርትራ ዝፍንዎ መደባት ብሰንኪ ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ህዝቢ ከምቲ ዝድለ ክከታተሎ ከምዘይክኣለ ብምግላጽ፡ ንመደባቱ ብኻልእ ኣገባብ ክፍኑ ምውሳኑ ገሊጹ'ሎ።
"ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ከተመሓላልፎ ዝጸንሐት መደባት ቴሌቪዥን ንምድራዕ፡ ብፍላይ ድማ ብዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ኤሌክትሪክ ናይ ቴለቪዥን መደባትና ከምቲ ዝድለ ክረአይ ዘይምጽንሑ፡ ነቲ ርሑቕ ከባቢን ኣብ ድፋዓት ዘሎን ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንምብጻሕን፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ናብ ዉሽጢ ዓዲ ብቐጥታ ዝኣቱ ተወሳኺ ናይ ራድዮ ፈነወ ኽትጅምር ምዃና ነበስር" ክብል ኤሪሳት ኣፍሊጡ'ሎ።
ሆስፒታላትን ካልኦት ማእከላት ጥዕናን'ውን ካብተን ግዳያት ናይዚ ውሕስነት ዘይብሉ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ እየን።
ዝበዝሓ ካብተን ትካላት ጥዕና ናይ ጀነረተራት ትሕጃ ዘለወን'ኳ እንተኾና፡ እዚ'ውን ዘተኣምምን ዘይምዃኑ ሻቕሎት ዝፈጥር'ዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ቀንዲ መመንጨዊ ናይቲ ዝርካቡ ጸዓት እትርከብ፡ ንእሽቶ ጥንታዊት ከተማ ሕርጊጎ፡ ክሳብ ሎሚ ኣገልግሎት ዘይትረክብ ብምዃና፡ ኣብኣ ዘላ ማእከል ጥዕና'ውን ግዳይ ስእነት ኤለክትሪክ ኮይና ምጽንሓ ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።
ቅልውላው ጸዓት፡ ንዝርካቡ ቁጠባ እታ ሃገር'ውን ኣሰናኺሉዎ ከምዘሎ ሰብ መዚ ይእመኑ።
ብዙሓት መንግስታዊን ብሕታዊን ትካላት ሰኣን ጸዓት ዓዲ-ውዒል ኮይነን ንዓቢ ክሳራ ከም ዝተቓልዓ ይግለጽ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ቀጠባ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መስከረም 2013 ከምዝበሎ "እቲ ዝዓበየ ግዳይ ናይ'ዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ኤለክትሪክ ፋብሪካ ስሚንቶ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ መርኣያ ናይቲ ኣብቲ እዋን ተፈጢሩ ዝነበረ ምንቁልቋል ጸዓት'ዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ለካቲት 2014 "ብኡ ምኽንያት ፋብሪካ ስሚንቶ ደው ኢሉ ኣሎ። ካልኦት ብሰንኪ ምቁራጽን ዓቐን ምውራድን ካብ ኣገልግሎት ዓዲ ዝወዓላ ኣፍረይቲ ትካላትን ዋኒናትን ኣለዋ " ክብል ተኣሚኑ ነይሩ።
"ኣብ'ዚ ሃገር ጠለብ ናይ ስሚንቶ ንእሽቶ ኣይኰነን። ንትሕተ ቅርጽን ንኻልኦት መደባትናን ዝኸውን ቀረብ ስሚንቶ፡ ንጥረ ነገር ካብ ገዛናን ካብ ጎዶቦናን ኣምጺእና ብዝወሓደ ወጻኢታት ሰሪሕና ጠለብ ከነማልእ እናኸኣልና ብሰንኪ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ካብ ደገ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ነምጽእ ኣለና" ብምባል፡ እቲ ጸገም መሰረታዊ ቁጠባዊ ብድሆ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ንምዃኑ ኤርትራ ጸዓት ካበይ'ያ ተመንጩ?
ዝርካቡ ምንጭታት ጸዓት ኤርትራ፡ ኣብ ዝኣረገ ረስናዊ መመንጨዊታት ዝምርኮስ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቅድሚ መላእ ናጽነት ኤርትራ ኣብ በለዛ ዝምንጩ ሓይሊ ኤረትሪክ ንዝበዝሐ ነቲ ኣብቲ እዋን ኤሌክትሪክ ተዘርጊሕዎ ዝነበረ ከባቢታት ከከፋፍል እንከሎ፡ ከተማ ዓሰብ ኸኣ ካብቲ ኣብ ሪፋይነሪ ዝምንጩ ዝነበረ ሓይሊ ትጥቀም ነይራ።
ኣብ 1991 ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ ብፍላይ፡ ገጠራትን ካብ ቀንዲ መስመራት ጽርግያን ከተማታትን ምሕድግ ዝበሉ ከተማታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይረኽቡ ኣይነበሩን።
ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ድማ ብተበግሶታት መንግስቲን ተወላዶ ዓድታትን እቲ ኣብ ከተማታት ጥራይ ተደሪቱ ዝነበረ መስመራት ኤለክትሪክ ናብ ገጠራት ክሰፍሕ ጀሚሩ።
ነዚ ዝምግብ፡ ምስቲ ዝጸንሐ ኣስታት 100 ሜጋዋት ተደሚሩ ንኤርትራ ብርሃን ክዕድላ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብናፍታ ዝሰርሕ መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ ተተኺሉ።
እቲ ኣብ መጀመርታ 90ታት ክጅመር እንከሎ ብኣርባዕተ 'ኢንጂናት' 46 ሜጋ ዋት ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዝነበሮ ሕርጊጎ ንዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ መስመራት ተዘርጊሕሉ ቀረባት ኤረትሪክ ከከፋፍል ዝጸንሐ እዩ።
ኣብ በለዛ ዝርከብ መመንጨዊ መደበር ድማ 17 ሜጋ ዋት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝነበሮ ይግለጽ።
ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከባ ኣፍረይቲ ትካላትን፡ ከም ብዓል ተሰነይን ዓሊ-ግድርን ከገልግል ትጽቢት ዝግበረሉ ውሱን (ናይ ልዕሊ 20 ሜጋዋት) መመንጨዊ ከምዘሎ'ውን ጸብጻብ መንግስቲ ይጠቅስ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ገለ ከተማታትን ትካላትን'ውን ብናኣሽቱን ማእከሎትን ጀነረተራት ንጥፈታተን ሰለይ ከብላ ዝግደዳሉ ኩነታት ጸኒሑ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ጀነሬተራት ይኹና፡ እተን ዝርካበን መመንጨዊ መደበራት ብነዳዲ ዝሰርሓ ብምዃነን፡ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ጸገም ምስ ዝፍጠር ካልእ ጠንቂ ዝኾነሉ ኩነታት ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ትካሉ ብጀነሬተር ከካይድ ዝተገደደ ውልቀ ሰብ "ነቲ ነዳዲ'ውን ብኮንትሮባንድ ኢና ንገዝኦ፡ ምስ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ሕሳብ ንኸተወራርድ ወጻኢታት ናይ ነዳዲ ምስ ትሕብሮም፡ መን ብኽንድዚ ግዛእ ኢሉካ" ዝብል 'ጸማም' መልሲ ከም ዝህብዎም ይሕብር።
ኣብ ፈለማ፡ ምስፋሕ ናይቲ መስመራትን ምትካል መመንጨዊ ሕርጊጎን፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን፡ ቁጠባዊ ልምዓትን ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ናይ ሽዑ ተስፋ ግን ሕጂ ቅሂሙ ይርከብ።
ኣብ 2014 ኣስታት 80 ሜጋ ዋት ጸዓት ጥራይ ይፈሪ ከም ዝነበረ ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኩነታት ጸዓት ኣብ 2017 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንዝመጽእ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ 2017 ተታሒዙ ዘሎ መደብ ናይ ጸዓት፡ በዚ ይኹን በቲ ክሳብ 120 ሜጋ ዘመንጩ ተደራቢ ወይ ደጋፊ መመንጨዊ ክውሰኽ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
"ካብ ናይ 2017 ዝትግበሩ እዞም ናብ 200 ሜጋ ዝበጽሑ - 80 ካብ ተሓዳስን 120 ኣብ ናይ ጋዝ መመንጨውን መደባት ተታሒዙ ኣሎ" ዝብል ተስፋ ሂቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ መደብ ናበይ ከም ዘበለ ብንጹር ዝፍለጥ የለን። ዝፍለጥ ነገር እንተሃልዩ፡ ቅልውላዉ ኤለክትሪክ ኤርትራ ካብ ዝገደደ ናብ ዝብኣሰ ክሰጋገር ጥራይ'ዩ ተራእዩ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኩነታት መደበር ሕርጊጎ ኣብ ምንታይ ከምዘሎን ይኹን፡ ጠንቂ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራጽ መብራህቲ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይተገልጸን ዘሎ።
ከም ቀደሙ ፈለማ 2021 ብዛዕባ ጸገም ጸዓት ዝተዛረበ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ "እዚ ናትና ናይ ኤለክትሪክ መደባት ናይ ብሓቂ ብዙሕ ዘሐጉስ ኣይኮነን" ካብ ምባል ሓሊፉ ህጹጽ ፍታሕ ክህብ ዝኽእል መደብ ኣየቕረበን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ኤርትራ ጸዓት ካብ ሓደ መደበር ጥራይ ዝምንጩ ክንዲ ዝኸውን፡ ዝተኸፋፈለ ("ሞዱላር') እንተኾይኑ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ጸዓት ክህልዉ ከምዘለዎም'ውን ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብ መንጎ'ዚ ረስናዊ መመንጨዊ፡ ተሓዳሲ ጸዓት ማለት ጸሓያዊ፡ ንፋሳዊ፡ ጂኦተርማል ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ናይ ጸዓት መደባትና ብስትራተጂ ደረጃ ንጹር ስእሊ ክህልዎ የድሊ።
"ብቐጻሊ ኣብ ረስናዊ መመንጨዊ ጸዓት ተሞርኩስና ክንከይድ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ወጻኢታቱ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ዓይነት መመንጨዊ ጸዓት እናዳቐልና፡ ክሳብ ገዛ ብገዛ፡ ስድራ ብስድራ እናተኣታተና፡ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ክንደፍእ ኣለና" ኢሉ ነይሩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።
ብዙሓት ንኣሽቱን ማእከሎትን ኣፍረይቲ ትካላት ልክዕ ከምተን ሆስፒታላት፡ ጀነሬተራት ብምጥቃም ትልኽ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓላን።
ከተማታት ኤርትራ'ውን ብብዝሒ ዝተወልዓ ጀነሬተራት "ኣብ ገለ እዋን ኣእዛንካ ክሳብ ትጸምም ኢኻ ትኸውን" ክብሉ ገለ ናብታ ሃገር በጺሖም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ይዛረቡ።
ተሓዳሲ፡ ናይ ጸሓይ (ሶላር) ጸዓት ምጥቃም ልሙድ ካብ ዝኸውን'ውን ሓያል ገይሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሶላር "ገንዘብ ዘለዎም ጥራይ'ዮም ክገዝኡ ዝኽእሉ፡ ኣዝዩ ክቡር'ዩ" ክብል ሓደ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ገሊጹ። መንግስቲ ዘይስሩዕ ንግዳዊ ምቁጽጻር ስለዝገብር ድማ፡ ገንዘብ ኣብ እትረኽበሉ'ውን ከምዝደለኻዮ ክርከብ ከምዘይክል እዩ ዝገልጽ።
ኪኢላታት ከምዝብልዎ፡ ኤርትራ ብተሓዳሲ ጸዓት ርእሳ ክትክእል ከምእትኽእል ኣፈናዊ መጽናዕቲ ኣሎ።
ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ደቀምሓረን ዘሎ ተኽእሎ ናይ ንፋስ ጸዓት ነቲ ከባቢ እኹል ሸፈነ ክገብር ዓቕሚ ከምዘለዎ'ዮም ኪኢላታት ዝዛረቡ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ኤርትራ ዕቑር ጂኦተርማል ኢነርጂ (ጸዓት) ኣሎ፡ ውዑይ ማይን ኣየርን ዘለዎ። ጸሓያዊ ጸዓት'ውን ምምዕባል ተኽእሎታት ከምዘሎ ይንገር።
ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ብምግባር ድማ፡ ማይ ባሕሪ ናብቲ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ንታሕቲ ዝኾነ ከባቢታት ዳሉል ብምጭንጓዕ ጸዓት ከተመንጩ ከም ዝክኣል ዝእምት መጽናዕቲ ከምዘሎ ይሕበር።
ከሉ'ዚ ኣማራጺታት'ዚ፡ ኣብ ምግታእ ኪሊማዊ ለውጢ ዓቢ ግደ ዘለዎን፡ ጽሩይን ምንጭታት ጸዓት'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ኣብ ጸልማት ዝርከብን ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ዝምህለል ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ እዩ ዘድልዮ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







